ስጳኛ፡ ሓደ ውልቀሰብ ንኣዲኡ ቀቲሉ ብምብላዕ ገበነኛ ኮይኑ ብምርካቡ ንማእሰርቲ ተፈሪዱ

ሓደ ስጳኛዊ ንወላዲቱ ቀቲሉ ብምብላዕ ገበነኛ ኮይኑ ብምርካቡ ን15 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

ወዲ 28 ዓመት ሳንቸዝ ጎመዝ፡ ኣብ 2019 ኣካላት ሰብ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛ ወላዲቱ ድሕሪ ምርካቡ'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ገለ ካብቲ ኣካላታ ብጎማ ኣብ ዝተሰርሐ መትሓዚ (ኮንተይነር) እዩ ተረኺቡ።

ነቲ ቅትለት ብምፍጻሙ ናይ 15 ዓመት፡ ነቲ ሬሳ ብምርኻሱ ኸኣ ተወሳኺ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ተወሲንሉ ኣሎ።

ነቲ ወላዲቱ ዝሰኣነ ሓዉ ድማ፡ 73, 000 ዶላር ካሕሳ ክኸፍሎ ተኣዚዙ።

ኣብ ለካቲት 2019፡ ኩነታት ናይታ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ርእሰ ከተማ ማድሪድ ትነብር ዝነበረት፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 60ታት ዝነበረት ማርያ ሶለዳድ ጎመዝ ዘስግኦ መሓዛ ሻቕሎቱ ድሕሪ ምግላጹ ፖሊስ ናብቲ ቦታ ከይዶም።

ሽዑ ወዲ 26 ዓመት ዝነበረ ሳንቸዝ፡ ምስ ወላዲቱ ድሕሪ ምስሕሓቡ ዓፊኑ ከም ዝቐተላ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ሰሚዑ።

ብድሕሪኡ፡ ንሬሳኣ ብምቁርራጽ ንክልተ ሰሙን ምስ ከልቡ ኮይኑ በሊዑዎ።

ኣብ ልዕሊ ወላዲቱ ከብጽሖ ዝኽል ጎነጽ ብምስጋእ ኣቐዲሙ ከይቀርባ ካብ ፖሊስ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ ምንባሩን፡ ነቲ እገዳ ብምጥሓስ ነቲ ቅትለት ከምዝፈጸሞን ማዕከናት ዜና'ታ ሃገር ሓቢረን።