እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ድሕሪ 17 ዓመት ዝተፈጸመ ናይ ሞት መቕጻዕቲ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ንሓደ ብቕትለት ተኸሲሱ ንሞት ዝተፈርደ ኣመሪካዊ፡ ናይ ሞት ፍርዱ ክፍጸም ብዝወሰኖ መሰረት ሎሚ ተቐቲሉ።
እቲ ስጉምቲ፡ ኣብቶም ብፈደራል ደረጃ ተታሒዞም ሞቶም ዝጽበዩ ገበነኛታት፡ ድሕሪ 17 ዓመት ዝፍጸም ዘሎ’ዩ።
ትማሊ ሰኑይ፡ ክቕተል ተሓሲቡ ዝነበረ ዳኒኤል ለዊስ ሊ፡ ሓደ ዳኛ ዘይተወድኡ ሕጋዊ ጉዳያት ኣለዉ ብምባል፡ እቲ ቅትለት ከይፍጸም ብዝሃቦ ትእዛዝ መሰረት ሕልፈተ-ሂወቱ ክዳናጔ ኪኢሉ ነይሩ።
ቅትለት ናይቶም ካልኦት ገበነኛተት’ውን ብሰንኪ’ቲ ትእዛዝ ክናዋሕ ተገዲዱ ነይሩ።
እቶም ገበነኛታት፡ እቲ ብመርፍእ ዝዋሃብ ቀታሊ መርዚ፡ “ጨካንን ዘይንቡር መቕጻዕትን እዩ” ብምባል’ዮም ክማጎቱ ፈቲኖም።
እንተኾነ ግን፡ 5 ካብቶም 9 ኣባላት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከምቲ ዝተመደበሉ ክፍጽም ወሲኖም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ብፈደራላዊ መንግስቲ ዝፍጸም ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ዳኒኤል ሊ፡ ኣብ ክፍለሃገር ኢንዲያና ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተረ ሃውት እዩ፡ ብመርፍእ ተወጊኡ ናይ ሞት ፍርዱ ተቐቢሉ።
ዳኒኤል ለዊስ ሊ መን’ዩ?
ዳንኤል ሊ፡ ኣብ 1996 ንሰለስተ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ኣሳቕዩ፡ ቀቲሉ፡ ሬሳኦም ኣብ ሓደ ቀላይ ብምጉሓፍ’ዩ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።
ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ክቕተል’ኳ ተመዲብሉ እንተነበረ፡ ናብ 13 ሓምለ፡ ልክዕ ሰዓት 4 ናይ ምሸት ኣብቲ ቦታ፡ ተመሓላሊፉ ነይሩ። ዳኛ ናይቲ ከባቢ ግን ኣብ መወዳእታ ሰዓት ከይቅተል ኣዚዙ።
ይኹን እምበር፡ ውሳነ ናይቲ ዳኛ ኣብ ቅድሚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ክጸንዕ ኣይካኣለን።
“እቶም ሰብነገር [ሞቶም ዝጽበዩ እሱራት] ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ምትእትታው ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ከምዘድልዮም ዘገድድ እኹል መርትዖ ኣየቕረቡን” ብምባል ድሕሪ ምብያኑ፡ ሞቶም ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ክፍጸም ኣፍቂዱ።
ብደረጃ ፈደራልን ክፍለሃገርን ዝካየዱ ናይ ሞት መቕጻዕቲ- እንታይ ይፈልዮም?
ስርዓተ-ፍትሒ ኣመሪካ ኣብ ክልተ ዝተኸፍለ እዩ። ጉዳያት ብሃገርን (ፈደራል) ክፍለሃገርን (ስቴት) ደረጃታት ክራኣዩ ይኽእሉ።
ከም ምስናዕ ባጤራ (ገንዘብ) ምስራቕ ደብዳበ ዝበሉ ገለ ገበናት ብቐጥታ ብሃገር ደረጃ ብዝቖሙ ኣብያተ ፍርዲ ፈደራል’ዮም ዝራኣዩ። ቅዋማዊ ጥሕሰታትን፡ ገለ ዓበይቲ ገበናት’ውን ብተመሳሳሊ ናብ ኣብያተ ፍርዲ ፈደራል ክቐርቡ ይኽእሉ።
ኣብ 1972 ላዕለዋይ ቤትፍርዲ፡ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣብ ክፍለሃገር ይኹን ፈደራል ዘይሕጋዊ’ዩ ብምባል ክስረዝ በዪኑ ነይሩ’ዩ። እቲ ውሳነ፡ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ሞት ፍርዲ ዝእዝዝ ሕግታት’ውን ዘፍረሰ’ዩ ነይሩ።
ኣብ 1976 ዝተዋህበ ውሳነ ናይቲ ቤትፍርዲ ግን፡ ክፍለሃገራት ኣመሪካ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ክህባ ኣፍቂዱ። ኣብ 1988 ድማ፡ መንግስቲ፡ እቲ ውሳነ ብፈደራል ደረጃ ክትግበር ዘፍቅድ ሕጊ ኣጽዲቑ።
ካብ 1988 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ 78 ሰባት ብኣብያተ ፍርዲ ፈደራል ንሞት ክፍረዱ እንከለዉ፡ ካብዚኣቶም ግን ሰለስተ ጥራይ እዮም ናይ ሞት ፍርዶም ተቐቢሎም።
ብፈደራል ደረጃ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ 62 ሞቶም ዝጽበዩ እሱራት ኣለዉ።
ብሕጂ ዝፍጸም ናይ ሞት መቕጻዕቲ
ቅድሚ’ዚ ሎሚ ሞቱ ዝተቐበለ እሱር ዝተቐትለ፡ ኣብ ኲናት ወሽመጥ 1990 ዝተሳተፈ፡ ወዲ 53 ዓመት ሊዊስ ጆንስ ጁንየር እዩ ነይሩ።
ንሱ፡ ንሓንቲ ትረይሲ ጆይ ማክብራይድ ዝተባህለት ጓል 19 ዓመት ወታሃደር ብጸይቱ ብምቕታሉ’ዩ ንሞት ተፈሪዱ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ክቕተሉ ተመዲብሎም ዘለዉ 3 እሱራት ኣለዉ፡ ኩሎም ከኣ ከም ዳኒኤል ሊ፡ ቆልዑ ዝቐተሉ’ዮም።
- ወስሊ ኢራ ፐርኪ- ኣብ 2003 ንሓንቲ ጓል 16 ዓመት ዓሚጹ፡ ቀቲሉ፡ ኣካላታ መታቲሩ፡ ኣቃጺሉ ኣብ ሓደ ናይ ኬሚካል ዒላ ዝጓሓፈ’ዩ። ጽባሕ ረቡዕ ክቕተል ተመዲብሉ ኣሎ።
- ዳስቲን ሊ ኮንከን- ኣብ ኣብ 2004፡ ጓል 6 ዓመትን ጓል 10 ዓመትን ዝርከብኦም 5 ሰባት ብጥይት ዝቐተለ ኮይኑ፡ ዝመጽእ ዓርቢ ክቕተል ዝጽበ ዘሎ’ዩ።
- ኪስ ድዋይን ነልሰን- ኣብ 2001 ብጾታዊ ዓመጽን፡ ቅትለትን ናይ ጓል 10 ዓመት ዝተፈርደ’ውን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሞቱ ክቕበል ይጽበ ኣሎ።
እቶም ሞት ኣፋ ሃህ ኣቢላ ትጽበዮም ዘላ ገበነኛታት፡ እቲ ዝውግእዎ ‘ፐንቶባርቢታል’ (pentobarbital) ዝተባህለ መድሃኒት፡ ቅድሚ ምቕታሉ የሳቒ’ዩ ብምባል’ዮም ኣብ መወዳእታ ሰዓት ናብ ቤትፍርዲ ከይዶም።
ብሰኑይ፡ ጠበቓ ናይ ሓደ ካብኦም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “መንግስቲ፡ ብዛዕባ ሕጋውነት ናይቲ ስነስርዓት ቅትለት ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት እንከለዉ’ዩ ነቲ መቕጻእቲ ከም ዝፍጸም ዝገብር ዘሎ” ብምባል ተቓዊሙ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ንነዊሕ እዋን ከይተፈጸመ ዝጸንሐ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከም ዝጅምሮ ገሊጹ ነይሩ።
ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ኣመሪካ፡ ዊልያም ባር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ንግዝኣተ ሕጊ ዝምእዘዝ’ዩ- ምእንቲ እቶም ግዳያትን ቤተሰቦምን ክብል፡ ነቲ ብስርዓተ ፍትሕና ዝተዋህበ ፍርዲ ክንፍጽሞ ኢና” ክብል ተዛሪቡ።