ኣብ መቐለ ንኻልእ ሕክምና ናብ ሆስፒታል ዝመጸኣ ሰበይቲ ኮሮናቫይረስ ተረኺብወን

ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ብዝተኻየደ መርመራ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ 18 ሓደሽቲ ሰባት ከምዝተረኸቡ ሪፖርተርና ካብቲ ከባቢ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ሓንቲ ካብ መንጎኦም ነባሪት ከተማ መቐለ ከባቢ ዓዲ ሓውሲ፡ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ንካልእ ሕክምና መጺአን እቲ ቫይረስ ስለዝተረኸበን ስግኣታት ፈጢሩ ይርከብ።

ብኸመይ ኣብ ማሕበረሰብ ክርከብ ከምዝኸኣለ ዝርዝሩ ይጽናዕ ከምዘሎ፡ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ዛጊድ ኣብቲ ክልል ብሰንኪ እቲ ለበዳ ሓንቲ ከምዝሞተት ዝዝከር ኮይኑ፡ ብሐፈሻ 300 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም።

ካብ መንጎኦም 223 ሓውዮም ንገዘኦም ከምዝተፋነዉ እቲ ቢሮ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓፉ 24 ሰዓታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ 3,607 ናይ ላብራቶሪ መርመራ ዝተኻየደ ኾይኑ፡ 212 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተፈሊጡ።

ካብኣቶም እቶም ዝበዝሑ ማለት'ውን 155 ካብ ኣዲስ ኣበባ እዮም።

ብብርኪ ሃገር ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ዛጊድ ልዕሊ 8 ሽሕ በጺሑ ኣሎ።