ማልታ፡ ተጠቃምነት ዕጸ-ፋርስ ሕጋዊ ዝገበረት ቀዳመይቲ ኣውሮጳዊት ሃገር ኮይና

ሃገረ ማልታ ካብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ እታ ንመስርሒ ዕጸ-ፋርስ ዝውዕል ካናቢስ ዝተብሃለ ዓይነት ገረብ ሰብ ከብቁልን ዕጸ-ፋርስ ክጥቀምን ዝፈቀደት ቀዳመይቲ ሃገር ኮይና።

ዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑ ማልታውያን ካብ ሸውዓተ ግራም ዘይበዝሕ ዕጸ-ፋርስ ኣብ ኢዶም ክሕዙን ኣብ ገዝኦም ካብ ኣርባዕተ ዘይበዝሕ ገረብ ካናቢስ ክተኽሉን ተፈቒድዎም ኣሎ።

እንተኾነ ኣብ ቅድሚ ህጻናትን ኣብ ህዝባዊ ቦታታትን ኮይኖም ከትክኹ እንተተረኺቦም ክቅጽዑ እዮም።

ከም ጀርመን፡ ሉክሰምበርግን ስዊዘርላንድን ዝኣመሰላ ብዙሓት ሃገራት'ውን ተመሳሳሊ ውጥናት ኣለወን፡ ሆላንድ'ውን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ውሉፋት ዕጸ-ፋርስ [ሓሺሽ] ከትክኹ ትፈቅድ እያ ከም ሕጊ ግን ኣይሰፈረን።

ባይቶ ማልታ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ድምጺ፡ 36 ይፈቐድ ዝብል ከድምጹ እንከለዉ 27 ተቃውምኦም ኣስሚዖም።

እንተኾነ፡ ሃገራዊ ፓርቲ ዝተሰመየ ተቃዋሚ ሰልፊ ማልታ ነቲ ውሳነ ብትሪ ተቃዊምዎ ኣሎ።

ሓለፊ እቲ ሰልፊ ብርናድ ግረች "እዚ ውሳነ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ዕጸ-ፋርስ ከተባብዕ'ዩ፡ ውድባት ገበነኛታት ኸኣ ናብ ረብሐዞም ከውዕልዎ'ዮም" ምባሉ ዘ ታይምስ ኣብ ገጻታ ኣስፊራ።

እቶም ኣንጻር እዚ ሓዲሽ ሕጊ ዘድመጹ፡ ፕረዚደንት ማልታ ጆርጅ ቤላ ነቲ ሕጊ ክታሙ ከየንብረሉ ይምሕጸኑ ኣለዉ።

ብመሰረት እዚ ሕጂ ወጺኡ ዘሎ ሕጊ፡ ዝኾነ ልዕሊ 7 ግራምን ትሕቲ 28 ግራምን ዕጸ-ፋርስ ሒዙ ዝተረኸበ ውልቀ ሰብ 100 ኢሮ ክቅጻዕ እዩ።

ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ዕጸ-ፋርስ ከትክኽ ዝተረኸበ፡ 235 ኢሮ፡ ኣብ ቅድሚ ህጻናት [ትሕቲ 18 ዓመት ዕድሚኦም] ዕጸ-ፋርስ ከትክኽ ዝተረኸበ ኸኣ 500 ኢሮ ክቅጻዕ ምዃኑ ከም ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ።

ኡራጓይ ኣብ 2013 ካብ ሃገራት ዓለም እታ ንመጀመርታ ግዜ ተጠቃምነት ዕጸ-ፋርስ ሕጋዊ ዝገበረት ሃገር ክትከውን እንከላ፡ ካናዳ ንኡራጓይ ተኸቲላ ኣብ 2018 ተጠቃምነት ዕጸ-ፋርስ ፈቒዳ።