ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መገዲ ድሕነተን ክሕሎ ዝሕግዝ ዘሎ ቴክኖሎጂ

ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉር ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ንዝተፈላለዩ ጾታዊ መጥቃዕታት ክቃልዓ እንከለዋ ኣብ ህይወተን ሓደ ግዜን ልዕሊኡን ጾታዊ ግህሰት ከምዘጋጥመን ጸብጻባት ይገልጹ ።

ካብዚ ብዝብገስ ውሕስነተን ወይ ድሕነተን ተሓልዩ በይነን ብፍላይ ኣብ መገዲ ክንቀሳቐሳ ምኽኣል ሓደ ካብቶም ዘስግኡወን ጉዳያት እዩ።

ንኣብነት፡ ፍርቂ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣብ ጸልማት በይነን ምንቅስቓስ ከም ዘይደፍራ ናይ ቀረባ ስታቲስቲካዊ መረዳእታታት እታ ሃገር የመልክቱ።

ስለ ዝኾነ ድማ ናይ ቀረባ መሓዝአን ምጽዋዕ፣ ዘለዋሉ ኣድራሻ ዝሕብር መልእኽቲ ምልኣኽ ወይ ናይ መኪንአን ቑልፊ ኣብ ኢደን ምሓዝ ዝበሉ መከላኸሊ ስትራቴጂታት ይጥቀማ።

ነባሪት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነት ህይወት ይርጋለም ስርቂ፣ ምትንኳይ ዝኣመሰሉ ጸገማት ብምስጋእ ኣብታ ከተማ ብጸልማት ንምንቅስቓስ ድልየት ከም ዘይብላ ትዛረብ።

እዛ ኣብ ስራሕቲ መሸጣ እትነጥፍ ንእስቲ ብስራሕ ምኽንያት ኣብ እተምስየሎም ኣጋጣሚታት እቶም 'ሎሚኸ እንታይ ይሕሸኒ?' ዝብል ስክፍታ ዝፈጥሩላ ምዃኖም ትዛረብ።

"ኣምስየ ፈጺመ በይነይ ናብ ገዛይ ክኸይድ ውሕስነት ዝስምዓኒ ሰብ ኣይኮንኩን። ስለዚ ንኣሕዋተይ ወይ ኣዕሩኽተይ ይድውል፤ ሓሓሊፉ ድማ ኣብ ሆቴል ይሓድር። ሎሚ ኽኣ ኣገልግሎት ራይድ ስለ ዘሎ ንሱ'ውን ከም ኣማራጺ ይጥቀም" ትብል።

ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ ዝበጽሑ ጾታዊ ግህሰታት ንብዙሓት ዓመታት ከዘራርቡ ጸኒሖምን ኣለውን። ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ክበጽሐን ዝኽእል ኣካላዊ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ይሕግዘና'ዩ ዝብልኦም ሜላታት'ውን ክጥቀማ ይስትውዓል።

ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ምሸት ወይ ኣብ ጸልማት ውሑሳት ምዃነን ንምርግጋጽ ዘኽእሉወን መገዲታት ብምምሕያሽ ቴክኖሎጂ ከም ዓብዪ ዝላ ይጥቀማሉ ኣለዋ።

ብሰለስተ መጋቢትን ወርሒ መስከረምን 2021 ሳራ ኢቨራርድን ሳቢና ኔሳን ዝተባህላ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ተቐቲለን።

ጓል 33 ዓመት ሳራ ፈጻሚት ስራሕ ማርኬቲንግ ኮይና ኣብ ሳውዝ ለንደን ትቕመጥ ነይራ፤ 3 መጋቢት 2021 ኣጋ ምሸት ግን ካብ ናይ መሓዝኣ ገዛ ወጺኣ ኣብ እተኸደሉ እዋን ብሓደ ፖሊስ ተጨውያ።

ድሕሪኡ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻም ከም ዝቐተላ ቤት ፍርዲ ኣረጋጊጹ። እቲ ፖሊስ ንዓኣ ንምጭዋይ መደብ'ኳ እንተዘይነበሮ እቲ ገበን ንምፍጻም ግን ክዳለወሉ ዝጸንሐ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።

ብተመሳሳሊ ጓል 28 ዓመት ሳቢና ኔሳ ዝተባህለት መምህር መባእታዊ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብ15 መስከረም 2021 ኣጋ ምሸት ኣብ ለንደን ግሪንዊች ተቐቲላ።

ድሕሪ ቕትለት እዘን ደቂ ኣንስትዮ እምበኣር ኣብታ ሃገር 'WalkSafe' ዝተባህለ መተግበሪ ብብዝሒ ሰባት ዝጥቀምሉ እናኾነን እናዓበየን ይመጽእ ኣሎ።

መስራቲት ኤማ ኬይ፡ ንርእሳ'ውን ሰባት ብዘይፍቓዳ ኣካላታ ምስ ተናኸፉዋ፣ ምስ ኣጋፍዑዋን ካልኦት ምልክታት ጾታዊ ትንኮያ ምስ ኣርኣዩዋን እያ ነዚ ሓሳብ ኣበጊሳቶ።

"እዚ መተግበሪ መሪር-ጥዑም'ዩ፤ ምኽንያቱ እንተዘይህሉ ምመረጽና። ዋላ ሓደ ድሕነቱ ዝሕልወሉ መተግበሪ ኣብ ዘለዎ ዓለም ክነብር ዝደሊ ሰብ ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን፤ ግን ብዘሕዝን መልክዑ ነዚ ዝጠልብ ቦታ ኣሎ" ትብል።

እዚ መተግበሪ ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ሓደሽቲ መልክዓት ክሕዝ ክግበር እዩ። እዚ መሓዙትኻን ኣባላት ስድራኻን ዘለኻሉ ኩነታት ክፈልጡ ዘኽእሎም ቀጥታዊ ካርታ ዘርእን ክተዕልሎም ዘኽእልን እዩ።

ሕጂ ተጠቀምቲ ናይ ቀረባ መረዳእታ ገበን ርእዮም ድሕነቶም ወይ ውሕስነቶም ተሓልዩ ናብ ገዝኦም ክበጽሕሉ ዘኽእል ሓባሪ መገዲ [ካርታ] ከዳልውሉ ዘኽእሎም መልክዕ እዩ ዘለዎ።

ኬይ "እቲ መተግበሪ ሰባት ዘይተጸበዩዎ ነገር ምስ በጽሖም ዘይኮነ ገበን ንምክልኻል ኣቐዲሞም ናይ መከላኸሊ ስጉምቲ ክወስዱ ዘኽእል'ዩ" ኢላ።

እዚ መተግበሪ ኣብ ወርሒ መጋቢት እዚ ዓመት [2021] ካብ ዝተኣታቶ ጀሚሩ ልዕሊ 560 ሽሕ ሰባት ኣብ ቴሌፎኖም ኣውሪዶምዎ ኣለው።

ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ባዝ 'Epowar' ዝተባህለ መተግበሪ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሰዓት ይሰርሑ ኣለው።

እዚ፡ ውቅዒት ልብን ምንቅስቓስን ሰብነትን መዚኑ እታ ተጠቃሚት ኣብ ጭንቀት ወይ ሽግር ኣላ ኢሉ እንተገሚቱ ቅጽበታዊ መልእክቲ ዝሰድድ ቴክኖሎጂ'ዩ።

ሓደ ካብ መስረትቲ ተመሃሪት ኢ-ጄ ሮድት፡ ጽቡቕ መብራህቲ ኣብ ዘይብሉ ሕዛእቲ [ፓርክ] ስፖርት ኣብ እትሰርሐሉ ዝኾነ መጥቃዕቲ እንተበጽሐኒኸ ዝብል ሕቶ ናብ ኣእምሮኣ ምስ ተቐልቀለ ዘበገሰቶ ሓሳብ ምዃኑ ትዛረብ።

"ስማርት ሰዓታት ወቕዒ ልቢ ክፈልጡ ከም ዝኽእሉ ምስ ፈለጥኹ እዚ ቴክኖሎጂ ድሕነት ጓል ኣንስተይቲ'ውን ንምሕላው ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና ኢለ" ትብል።

ዓቐን እዚ ሰዓት ንኡሽቶ ኮይኑ እቲ መተገብሪኡ ግን ጭንቀት ንምንባብን እቲ ተጠቃሚ ብእግሩ ኣብ ዝኸደሉ ወይ በይኑ ኣብ ዝጎየሉ ሰዓት ጥቕዓት እንተበጺሑዎ ምላሽ ንምሃብ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ክጥቀም እዩ።

"እዚ ቅጽበታዊ ምላሽ ዝህብ ምዃኑ ወሳኒ ይገብሮ፤ ምኽንያቱ ከምዚኦም ዝበሉ ናይ ስንባደ ወይ ጾታዊ ዓመጽ መንቅሒ ደወላት ነቲ ገበን ዝፍጽም ኣካል ግዜ ዝህቡ ኣይኮኑን" ትብል።

ክስታት

መስራቲት 'bSafe' ዝተባህለ ናይ ሞባይል መተገብሪ ሪች ላርሰን እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ እዋን ክሲ ይሕግዝ እዩ ኢሉ ይኣምን።

እዚ መተግበሪ በድምጺ ዝሰርሕ ናይ ሓደጋ እዋን ደወል ስለ ዘለዎ፡ ዝኾነ ሓደጋ ከጋጥም እንከሎ ቅጽበታዊ ብዝኾነ ምላሽ ብቐጥታ ቪድዮ ክመሓላለፍን ንዝተመረጹ ኣብ ቴሌፎንካ ዘለው ሰባት ናይ ድምጺ መልእኽቲ ክጽሖምን ከምኡ'ውን ኩሉ ፍጻሜታት ክስነድን ዝገብር እዩ።

"እዚኦም ንኣብነት ከም ጾታዊ ዓመጽ [መብዛሕትኡ ግዜ መርትዖ ከተቕርበሎም ዝኸብዱ] ዝበሉ ጉዳያት ኣብ ቤት ፍርዲ መርትዖ ኮይኖም ክቐርቡ ይኽእሉ" ይብል ላርሰን።

ንሱ ጓሉ ካብ ዘጋጠማ ጾታዊ ዓመጽ ተበጊሱ'ዩ ነዚ ቴክኖሎጂ ምሂዙ።

ቻርሌን፡ እዚ መተግበሪ እንተዝህልዋ ነይሩ ምስቲ ዝተሰምዓ ናይ ጥፍኣተኛነት ስምዒትን ዝጸረቶ ሕፍረትን ብዙሕ ኣይምተሳቐኹን ነይረ ኢላ ትኣምን።

ኣብ 2020 ካብ ዝተመዝገቡ 58,845 ጾታዊ ዓመጻት እቶም 2,102 ጥራሕ ክሲ ከም ዝተመስረቶምን 1,439 ጥራሕ ገበነኛታት ከም ዝተባህሉን መረዳእታ ኣገልግሎት ዓቃቢ ሕጊ የመልክት።

መንግስቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣብ እዋን ጸልማት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ድሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምምሕያሽ ሓሙሽተ ሚሊዮን ፓውንድ ባጀት ሰሊዑ'ዩ።

እንተኾነ፡ እቶም ሰባት ንምጉዳእ ወይ ንምፍርራሕ ዕላማ ዘለዎም ሰባት ነቲ ቴክኖሎጂ ብዘይኣግባቡ ክጥቀምሉ ይኽእሉ'ዮም።

ንኣብነት፡ ዝጠፍአ ስልክኹም ንምርካብ ዝሕግዙ ተመሳሰልቲ ቴክኖሎጂታት ሓደ ንክጠልፍ ወይ ክከታተል ዝደሊ ሰብ ክጥቀመሎም ይኽእል።

ኣደ መንበር ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣንጻር ክትትል ዝተባህለ ተሓላቒ ገባሪ ሰናይ ራቼል ሆርማን-ብራውን "ብዙሓት ግዳያት ኣብ ስልኮም ወይ ታብሌቶም ብዘሎ ሶፍትዌር ስፓይዌር ክትትል ዝግበሮምን ዝጥለፉን'ዮም" ትብል።

ወሲኻ "ስፓይዌር እቲ ክትትል ዝገብር ሰብ ካሜራ ቴሌፎን እቲ ግዳይ ብምኽፋት እንታይ ይገብር ምህላው ክሰምዕን ክርእን የኽእሎ። ብተወሳኺ ዝልኣኹ መልእክታት ከንብቡን ካብቲ ቴሌፎን ክልእኹን፣ ኣበይ ምህላውኻ ክፈልጡን ይኽእሉ" ኢላ።

ከም Apple AirTags ወይ The Tile ዝበሉ ዝጠፍአ ቦርሳ፣ መፍትሕ ወይ ሻንጣ ክትረክብ ዝሕግዙ መተግበሪታት እዚ ስግኣት ክውስኽ ገይሮም እዮም።

ዓብዪ ጉዳይ

ፈጻሚት ስራሕ ውመንስ ኤይድ ፋራህ ናዚር ጉዳይ ድሕነት ብቴክኖሎጂ ጥራሕ ዝፍታሕ ኣይኮነን ትብል።

"እቶም መተግበሪታት ወይ ስማርት ሰዓታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጎደናታት ድሕነት ክስምዐን ክገብሩ ይኽእሉ'ዮም፤ እንተኾነ እዚ ግዝያዊ መፍትሒ ነቲ ትኽክለኛ ምንጪ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘብጽሑዎ ግህሰት ክዝንጋዕ'ዮም ዝገብሩ" ኢላ።

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መገዲ ድሕነት ዘይስመዐን ናይ ጎደናታት መብራህቲ ስለ ዝውሕድ ወይ ሕጽረት መተግበሪታት ስለ ዘሎ ዘይኮነ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታዊ ዓመጽ ልሙድ ዝገብር ኣድልዎኣዊ ኣተሓሳስባን ጽልኣትን እዩ ክትብል ትካታዕ።

"ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እቲ ዝበጽሐን ግህሰት ፖሊስ ይኹን እቲ ስርዓት ፍትሒ ከም ዘቆናጽቦ፣ ከም ዘይኣምኖን ውድቂ ከም ዝገብሮን እየን ዝነግራና" ኢላ።

ስለ ዝኾነ ድማ እቶም ኣድልዎኣዊ ዝኾኑ ኣተሓሳስባታት ኣብ ምቅላስን ግዳያት ዝረኽብኦ ኣገልግሎት ኣብ ምምሕያሽን እንተተሰሪሑ ደቂ ኣንስትዮ ውሕስነት ተሰሚዑወን ክንቀሳቐሳ ይኽእላ እየን ትብል።