እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፕል፡ ኩባንያ ቴክኖሎጂ እስራኤል ንዓማዊሉ ከምዝሰለለ ኣፍሊጡ
ኣፕል ኤንኤስኦ ግሩፕ [NSO Group] ዝተባህለ ኩባንያ ቴክኖሎጂ እስራኤል ንዓማዊለይ ዒላማ ብምግባር ክስርስር ፈቲኑ ክብል ከሲሱ።
ኩባንያ ኤንኤስኦ ግሩፕ [NSO Group] ዘፍርዮ ናይ ስለላ ሶፍትዌር ፔጋሰስ፡ ንስልክታት ኣይፎንን ኣንድሮይድን ዘጥቅዕ ኮይኑ፡ ሓፀርቲ ናይ ፅሑፍ መልእኽትታት፣ ስእልታትን ኢመይላትን ንምስርሳርን ናይ ስልኪ ወግዕታት ንምጥላፍን ከምኡ'ውን ብሚስጥር ካሜራታትን መቕድሒ ድምጺ ንምኽፋትን ዝተዳለወ'ዩ።
ኤንኤስኦ ግሩፕ ግና፡ ንግብረ ራዕዳውያንን ገበነኛታትን ዒላማ ከም ዝገበረ'ዩ ዝገልፅ።
እንተኾነ ፔጋሰስ፡ ኣብ ዙርያ ዓለም ንዝርከቡ ተሓለቕቲ መሰላት፣ ጋዜጠኛታትን ጠበቓታትን ዒላማ ዝገበረ እዩ ብዝብል እዩ ዝኽሰስ።
ኩባንያ ኤንኤስኦ ግሩፕ [NSO Group]፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ፅቡቕ ታሪኽ ንዘለወን ሃገራት ንወተሃደራዊ ዕላማ፣ ሕጊ ንምኽባርን ንትካላት ስለያን ፔጋሰስ ከም ዘቕርብ ይገልፅ።
እንተኾነ ሰብ መዚ ኣሜሪካ፡ እቲ ሶፍትዌር "መንግስታት ወፃኢ ዓለምለኻዊ መፅቀጥቲ ክገብሩ ፈቒዱ'ዩ፤ እዚ ድማ ውልቀ መለኽቲ መንግስታት ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ፣ ጋዜጠኛታትን ነጠፍትን ዝትግብርዎ'ዩ" ብምባል፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ነቲ ትካል ኣብ ፀሊም መዝገብ ኣስፊረምዎ'ዮም።
ኩባንያታት ማይክሮሶፍት፣ ሜታ፣ ኣልፋቤትን ሲስኮ ሲስተምን ነቐፌታ ድሕሪ ምቕራቦም'ዩ፡ ኣፕል ንኤንኤስኦ ግሩፕ ከሲስዎ ዘሎ።
ኣፕል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣሓት ኩባንያታት ኤንኤስኦ ግሩፕን ኦኤስዋይ ቴክኖሎጅን ንዓማዊል ኣፕል ዒላማ ብምግባሮም ተሓተትቲ ክኾኑ ይግባእ ኢሉ።
ኣብ ዓማዊሉ ከምዚ ዓይነት ግህሰትን ሃሰያን ንምክልኻል ድማ፡ ኩባንያ ኤንኤስኦ ዝኾነ ዓይነት ምህርቲ ኣፕል ከይጥቀም ይተኣገድ ይብል።
ኣብ ኣሜሪካ ንዝርከብ ቤት ፍርዲ ክሱ ዘቕረበ ኣፕል፡ ኤንኤስኦ "ኣብ ሞባይላት ዜጋታት ኣሜሪካ ስፓይዌር ብምትካል ሰልዩ" ኢሉ።
ኤንኤስኦ ንዓማዊል ኣፕል ንምጥቃዕ ልዕሊ 100 ስኑዓት መዝገብ መለለይ ኣፕል ከም ዝፈጠረ ድማ ገሊፁ።
ዋላ'ኳ እቲ ኩባንያ ንዓማዊል ኣፕል ንምስርሳር እንተፈተነ፡ ሰርቨር ኣፕል ከም ዘይተተንከፈ'ውን ኣፍሊጡ።
ኤንኤስኦ ግሩፕ ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ፡ "ምስጋና ንኤንኤስኦ ግሩፕ ቴክኖሎጂ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ካብ ሞት ድሒኖም'ዮም። ንሓቂ ምድጋፍ ድማ ክንቅፅለሉ ኢና" ዝብል ግብረ መልሲ ሂቡ።