እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብደቀንስትዮ ተታሊሉ ሃገራዊ ምስጢር ሸይጡ ዝተባህለ ሳይንቲስት
ህይወትካ ድራማዊ ብዝኾነ ኩነታት ኣብ ሓጻር ህሞት ክትቅየር እንከላ`ሞ ሕሰቡ። ሓደ መዓልቲ ቅድሚ 25 ዓመት ንሓደ ዓቢ ህንዳዊ ስነ-ፍልጠተኛ [ሳይንቲስት] ከምኡ`ዩኣጋጢምዎ።
እታ ህሞት
ቅድሚ ርብዒ ዘመን፡ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ናይ ሓደ ክረምቲ፡ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ናይ ህንዳዊት ከተማ ትሪቫንድራም፡ ናይ ግዝኣት ኬራላ መጺኦም ኣብ ቤቱ ኳሕኩሑ።
እቶም ኣባላት ፖሊስ እሩማትን ኣኽብሮት ዝመልኦም ምንባሮም ይዝክር ስነ-ፍልጠተኛ ጠፈር ናምቢ ናራያናን። ሓለቓኦም፡ ተጠባባቒ ኢንስፐክተር ጀነራል ፖሊስ ከዘራርቦ ከምዝደለየ ከኣ ነጊሮሞ።
"ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትየ ማለት ድዩ?" ሓተተ ናራያናን።
"ኣይፋል፡ ጎይታይ" ኢሉ መለሰ ሓደ ካብ`ቶም ኣባላት ፖሊስ።
ዕለት 30 ሕዳር 1994`ዩ ነይሩ። እቲ ወዲ 53 ዓመት ስነ-ፍልጠተኛ፡ ኣብ ትካል ምርምር ጠፈር ህንዲ (Indian Space Research Organisation, ISRO/ኢስሮ) ኣካያዲ ፕሮጀክት ክራዮጀኒክ ሞተረ ናይ ሮኬት`ዩ ነይሩ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ነቲ ቴክኖሎጂ ካብ ሩስያ ናይ ምምጻእ ሓላፍነት ነይርዎ።
ናራያናን ናብ`ታ ኣብ ደገ ትጽበዮ ዝነበረት መኪና ፖሊስ ኣምርሐ።
ኣብ ቅድሚት ኣብ ዘሎ መንበር ድዩ ኣብ ድሕሪት ኣበይ ክቕመጥ ከም ዘለዎ ድማ ሓተቶም፡ ምኽንያቱ ብልምዲ፡ ጥርጡራት ኣብ ድሕሪት ኣብ ዝርከብ መንበር`ዮም ዝድርበዩ ነይሮም።
ንሳቶም ግን ኣብ ቅድሚት ክቕመጥ ሓቢሮሞ፡ እታ ጂፕ ዝዓይነታ መኪና ድማ ብናህሪ ተበገሰት።
ኣብ መደበር ፖሊስ ምስ በጽሑ ግን እቲ ሓለቓ ኣይጸንሖምን፡ ሚስተር ናራያናን ድማ ክጽበ ተነግሮ። ኩሉ ዝረኣዮ ኣባል ፖሊስ ድማ ኣፉ ከፊቱ ይግረም ነበረ።
"ንሓደ ገበነኛ ዝረኣዩ`ዮም ዝመስሉ ነይሮም" ይብል ሚስተር ናራያናን።
ነዊሕ ተጸብዮም ግን እቲ ሓለቓ ኣይመጽአን። ምስ መሰየ ድማ ኣብ`ታ ኮፍ ኢልዋ ዝነበረ ጣውላ ተታኺሱ።
ንጽባሒቱ ንግሆ ምስተበራበረ ግን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተሓቢርዎ።
ድሮ ከኣ ጋዜጠኛታት ኩነታቱ ክፈልጡ ክጸቓቐጡ ጀሚሮም። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ድማ፡ 'ኣብ መጻወድያ መዓር ክልተ ደቀንስትዮ ማልዲቭስ ወዲቑ፡ ንፓኪስታን ናይ ሮኬት ቴክኖሎጂ ዝሸጠ ከዳዕ' ኢሎም ክገልጽዎ ጀመሩ።
ኣብ ሓጺር ጊዜ ድማ ህይወቱ ንሓዋሩ ተቐየረ።
ናምቢ ናራያናን በዅሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋልድ ዝነበረዋ ማእከላይ እቶት ዝነበራ ስድራ`ዩ።
ኣቦኡ ነጋዳይ ፍረን ጽሕጎን ዓካት ኮኮናት ክኸውን እንከሎ፡ ኣዲኡ ግን ቆልዑ ክትኣሊ ኣብ ገዛ`ያ ትውዕል ነይራ።
እቲ ንእሽቶ ናምቢ ቀዳማይ ብልጫ ዝወስድ ንፉዕ ተማሃራይ`ዩ ነይሩ።
ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ምህንድስና፡ ብቐዳማይ ዲግሪ ድሕሪ ምምራቑ ድማ ንግዚኡ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ሽኮር ሰሪሑ።
ጸኒሑ ግን ኣብ ትካል ምርምር ጠፈር ህንዲ ተቖጺሩ ስራሕ ጀሚሩ።
"ወትሩ ኣብ ነፈርትን ዝነፍሩ ግዛዓትን ተገዳስነት ነይሩኒ" ይብል ንሱ።
ብመሳልል ማዕረግ ቀልጢፉ ስለዝደየበ/ዝዓበየ ስርዓት ሕምበባ ሮኬት ንኸጽንዕ ኣብ ፕሪስተን ዩኒቨርሲቲ ንኽምሃር ማህደር ትምህርቲ ረኺቡ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ ተመሊሱ ኣብ`ቲ ትካል ጠፈር ስርሑ ቀጺሉ።
ናራያናን፡ ኣብ ኢስሮን፡ ምስ`ቶም ዝለዓሉ ህንዳውያን ስነ-ፍልጠተኛታትን ሓለፍቲ፡ ሓደ ካብ`ኦም ጸኒሑ መበል 11 ፕረሲደንት ናይ ህንዲ ምስ ዝኾነ ዓብዱል ካላም ሓቢሩ ሰሪሑ።
"ኣብ ኢስሮ ስራሕ ክጅምር እንከለኹ፡ እቲ ትካል እግሪ ተኽሊ`ዩ ነይሩ።
ዝኾነ ይኾነ ስርዓት ሮኬት ናይ ምምዕባል ውጥን ኣይነበረናን። ሮኬታት ካብ ኣሜሪካን ፈረንሳይን እናምጻእና መንኮርኮራትና ከነብርር`ዩ ነይሩ መደብና" ይብል ሚስተር ናራያናን።
እቲ ውጥን ተቐይሩ፡ ሚስተር ናራያናን ድማ ኣብ ፕሮጀክት ምህዞ ኣብ ዓዲ ዝፈረዩ ህንዳውያን ሮኬታት ቀንዲ ተዋሳኣይ ኮይኑ።
ህይወቱ ቁልቁል ኣፉ ክሳብ ዝተደፍኣሉ ወርሒ ሕዳር 1994 ድማ ብትግሃት ሰሪሑ።
ሓደ ወርሒ ቅድሚ ምእሳሩ፡ ፖሊስ ኬራላ፡ ማሪያም ራሺዳ ንዝተባህለት ማልዲቫዊት ሰበይቲ ኣሲሮም ነይሮም።
ድሕሪ ሰሙናት ድማ ኣብ ርእሰ ከተማ ማልዲቭስ ማለ ኣብ ዝርከብ ሓደ ባንኪ እትሰርሕ ፎዚያ ሓሰን ዝተባህለት መሓዝኣ ንመገሻ ምስ መጽአት ኣሲሮማ።
ብድሕሪ`ዚ ሓደ ዓቢ ጽዩፍ ጉድ ነቲጕ።
ጋዜጣታት ህንዲ፡ ካብ ፖሊስ ብዝረኸብኦ ላሕኲታት ተመርኲሰን፡ እተን ክልተ ማልዲቫውያን ደቀንስትዮ ምስ ህንዳውያን ስነ-ፍልጠተኛታት ተመሳጢረን "ምስጢራት" ሮኬት ህንዲ ንፓኪስታን ዝሸጣ ሰለይቲ ምዃነን ጸብጺበን።
ሚስተር ናራያናን ድማ ሓደ ካብ`ቶም ብስሕበት ናይ`ተን ደቀንስትዮ ዝተሰነፉ ስነ-ፍልጠተኛታት ምዃኑ ኣረዲአን።
ኣብ`ታ ብወግዒ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወላ መዓልቲ፡ ናራያናን ናብ ቤት ፍርዲ ተወሲዱ።
"እቲ ዳኛ፡ ነቲ ገበን ዝኣምነሉ እንተኾይነ ሓቲቱኒ። 'ኣነ ኸኣ ኣየናይ ገበን? ኢለ ሓቲተዮ'። 'ነቲ ቴክኖሎጂ ምስግጋርካ'። እቲ ነገር ፈጺሙ ክርድኣኒ ኣይከኣለን" ኢሉ ናራያናን።
ብድሕሪ`ዚ እቲ ዳኛ ንዓሰርተ ሓደ መዓልታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክጸንሕ ወሲኑ።
"ኣብ ስንባደ`የ ኣትየ፡ ጸኒሐ ድማ ኣብ ዕዛመ።
ኣብ ሓደ እዋን`ሞ ንባዕለይ ቀንዲ ገጸ-ባህርይ ኮይነ ዝሰርሓሉ ፊልም ዝርኢ ዘለኹ ኮይኑ`ዩ ተሰሚዑኒ" ኢሉ ሚስተር ናራያናን ኣብ ተዘክሮኣዊ ጽሑፉ።
ኣብ`ተን ዝቐጸላ ሒደት ኣዋርሕ ድማ ኩሉ ክብረቱን ዝናኡን ተደምሲሱ። ገለ ካብ`ቶም ዝተኸሰሰሎም ገበናት ድማ ግህሰት ወግዓዊ ምስጢራት ህንድን ብልሽውናን ነይሮም።
መርመርቱ ቀጥቂጠሞ፤ ምስ ዓራት ድማ ኣሲሮሞ። ንሰላሳ ሰዓታት ደው ኢሉ ሕቶታት ክምልስ ኣገዲዶሞ።
ሓሶት ናይ ዘለልዩ መሳርሕታት ፈተና ክወስድ እውን ኣገዲዶሞ። ዋላ`ኳ እቲ ብኸምኡ መንገዲ ዝርከብ መርትዖ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ህንዲ ተቐባልነት እንተዘይሃለዎ።
ብድሕሪ`ዚ ናብ ሓደ ዓበይቲ ገበናት ዝፈጸሙ ገበነኛታት ዝእሰርሉ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ወሲዶሞ።
ሚስተር ናራያናን "ምስጢራት ሮኬት ኣብ ወረቐት ተጻሒፎም ክመሓላለፉ ኣይክእሉን`ዮም" ንሱ ድማ ብውዲት ኣብ መጻወድያ ክሲ ከምዝኣተወ ነቶም ፖሊስ ሓቢርዎም።
ንሳ`ቶም ግን ህንዲ [ክትስረቕ`ሲ ይትረፍ] ነቶም ንመስርሒ ሞቶረ ሮኬት ዝኾኑ ክራዮጀኒክ ንምውናን ገና ኣብ ፋሕተርተር ከምዘላ ፈጺሙ ኣይተሰቆሮምን።
ሚስተር ናራያናን ነቲ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዘሕለፎ ኣስታት ሓደ ወርሒ ሓዊስካ 50 መዓልታት ኣብ ምርኮ ኣሕሊፉ። ኣብ ቤት-ፍርዲ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን ድማ ብእኩባት ሰባት ሰላዪን ከዳዕን እናተባህለ ይጽረፍ ነይሩ።
ሓደ ወርሒ ድሕሪ ማእሰርቱ ግን ቤት-ጽሕፈት ማእከላይ ምርመራ ህንዲ ነቲ ጉዳዩ ካብ ቤት-ጽሕፈት ስለያ ኬራላ ተረኪቡዎ።
ሚስተር ናራያናን ዋላ ሓደ ካብ`ቶም ንዕኡ ዝተዋህቡ ሓበሬታታት ምስጢራዊ ተባሂሉ ዝተመደቡ ከምዘይነበሩ ነቶም መርመርቲ ሓቢርዎም።
"ኩሉ`ዚ ነገር`ዚ ብኸመይ ኣብ`ዚ ደረጃ`ዚ ከምዝበጽሐ ኣይፈልጥን። ኣዚና ኢና ንሓዝን" ኢልዎ ሓደ ካብ`ቶም መርመርቲ።
ኣብ መወዳእትኡ፡ ብ19 ጥሪ 1995 ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጽኣሉ ዋሕስ ምስተፈቕደሉ፡ ኣጋ ፍርቂ ለይቲ ንገዝኡ ተመሊሱ።
ንበዓልቲ ቤቱ ንኸበስራ ድማ ትኽ ኢሉ ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ናብ ዝነበረ መደቀሲ ክፍሎም ከይዱ።
ንሳ ኣብ ጸልማት ክፍሊ ኣብ ባይታ ደቂሳ ነይራ፡ ስማ ምስ ጸውዐ ጥራይ ድማ`ያ ድምጹ ሰሚዓ መልሲ ሂባ።
"ቀስ ኢላ ተጠዊያ ርእሳ ሓፍ ኣቢላ ቁሊሕ ኢላ፡ ዓይን ዓይነይ እናጠመተት ድማ ቅዝዝ በለት።
ልክዕ ሓደ ሕማቕ ነገር ክገብር ከምዝረኣየትኒ፡ ዘይልሙድ ኣጠማምታ ነይርዋ" ኢሉ ሚስተር ናራያናን።
"ጸኒሓ ግን ካብ ሰብ ኮነ ካብ እንስሳ ሰሚዔዮ ዘይፈልጥ ውጨጫ ወጪጫ" ድማ ኢሉ።
እቲ ኣውያት ካብ`ቲ ገዛ ፈንጢሱ`ዩ ወጺኡ። ጸኒሓ ግን ጸጥ ኢላ።
ምድጓን በዓል ቤታ፡ ንሚናክሺ ኣማል ኣብ ጥዕና ኣእምሮኣ ከቢድ ማህሰይቲ ኣስዒቡላ`ዩ።
እቶም ናይ ሰላሳ ዓመታት ሰብ ሓዳር ክልተ ቆልዑ ወሊዶም ኣዕብዮም`ዮም። ድሕሪ ማእሰርቲ ናራያናን ግን ንሳ ኣብ ጭንቀት ኣትያ፡ ኣይትዛረብን ድማ`ያ።
ቀንዲ ኣገደስቲ መዓልታት
1994 - ናራያናን ተታሒዙ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድማ ኣትዩ፡ ኣብ ጥሪ 1995 ድማ ብዋሕስ ተለቒቑ።
1996 - ብቤት ጽሕፈት ማእከላይ መርመራ ነጻ ተባሂሉ።
1998 - ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መንግስቲ ግዝኣት ኬራላ ንዘቕረቦ ይግባይ ነጺጉ።
2001 - መንግስቲ ግዝኣት ኬራላ ካሕሳ ክኸፍል ተኣዚዙ።
2018 - ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ኣብ ልዕሊ ናራያናን ዝቐረበ ዝተፈብረኸ ክሲ ክምርመር ኣዚዙ።
ኣብ 1996, እቲ 104 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ ናይ ቤት ጽሕፈት ማእከላይ መርመራ ንኹሎም`ቶም ክሱሳት ካብ`ቲ ዝቐረበሎም ጠቐነ ነጻ ኢልዎም።
መርመርቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝተረኽበ መርትዖ የለን ኢሉ። ውሽታዊ መርመራ ኢስሮ ድማ ዝጠፍኡ ሰነዳት ከምዘይነበሩ ኣረጋጊጹ።
ሚስተር ናራያናን ድማ ናብ ኢስሮ ተመሊሱ ኣብ ባንጋሎረ ኣብ ስራሕ ምምሕዳር ተዋፊሩ።
ሃለኽለኹ ግን ኣብ`ዚ ኣየብቅዐን።
ዋላ`ኳ ትካል ስለያ ነቲ ክሲ እንተዓጸዎ፡ መንግስቲ ግዝኣት ኬራላ ግን ዳግማይ ክኽፍቶ ብምፍታኑ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተጓቲቱ።
ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍሪዲ ኣብ 1998 ነጺግዎ።
ሚስተር ናራያናን ንመንግስቲ ግዝኣት ኬራላ ምስ ከሰሰ፡ ሓሙሽተ ሚሊዮን ሩፒ (70,000 ዶላር) ካሕሳ ክኽፈሎ ተወሲንሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ መንግስቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብምእሳሩን ንዝወረዶ ምስርጣይን ተወሳኺ 13 ሚሊዮን ሩፒ ክኸፍሎ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ወዲ 78 ዓመት ሰብኣይ ግን እቲ ዛንታ ገና ኣየብቅዐን`ዩ ዝብል።
ኣብ 2018፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግደ ናይ ፖሊስ ኬራላ ኣብ`ቲ ፍብሩኽ ክሲ ክምርመር ኣዚዙ፡ ሚስተር ናራያናን ድማ ውጺኢት ናይ`ዚ መርመራ`ዚ ክርኢ ይህንጠ።
"እቶም ኣንጻረይ ነቲ ክሲ ዝፈብረኹ ሰባት ክቕጽዑ እደሊ`የ" ይብል ንሱ።
"ሓደ ምዕራፍ ተዓጽዩ`ሎ፡ እቲ ካልእ ምዕራፍ ግን ክቕጽል`ዩ" ድማ ኢሉ።
መበገሲ ናይ`ቲ ሽርሒ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን።
ከም`ቲ ናራያናን`ውን ዝጥርጥሮ፡ ኣንጻር`ቲ ነቲ ሕጂ ዓንዲ ሕቖ ዓወት ህንዲ ኣብ ምምዕባል ክራዮጀኒክ ሮኬት ቴክኖሎጂ ዝተማህዘ ሽርሒ ናይ መተሃላልኽቲ ሓይሊ`ዶ ይኸውን?
ህንዲ ብርትዓዊ ክፍሊት ኣገልግሎት ናይ ንግዲ ሳተላይት ክትህብ ብምጅማራ፡ ብመወዳድርቲ ኣካላት ኣንጻራ ዝተፋሕሰ ውዲት`ዶ ይኸውን?
ወይስ ናይ ህንዲ ናይ ባዕላ ምህርቲ ውሽጣዊ ብልሽውና`ዶ ይኸውን?
"ውጺኣኢት ናይ ሓደ ሸርሒ`ዩ። እቶም ብድሕሪ`ቲ ሸርሒ ዝነበሩ ሰባት ግን ዝተፈላለየ መበገሲ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ኣካላት`ዮም" ኢሉ ሚስተር ናራያናን።
"እቲ ይኹን እቲ፡ ሞያይ፣ ክብረተይ፣ ጭውነተይን ደስታይን ጠፊኦም`ዮም፡ እቶም ኣብ`ዚ ጉዳይ ብሓላፍነት ዝሕተቱ ሰባት ግን ዛጊት ኣይተቐጽዑን ዘለዉ"።