ናይዚ ዓመት ሕፁያት ብሉፃት ስፖርተኛታት ኣፍሪቃ ተፈሊጦም

ብኣፍሪቃውያንን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ብዝርከቡ ጋዜጠኛታት ዝተመልመሉ ሽድሽተ ኣፍሪቃውያን ብሉፃት ስፖርተኛታት ወግዓዊ ኮይኖም።

ጉባኤ እቶም ጋዜጠኛታት ስም ዝርዝር እዞም ሽድሽተ ኣፍሪቃውያን ብሉፃት ስፖርተኛታት ወግዓዊ ዝገበረ እንትኾን፡ እቶም ስፖርተኛታት ድማ ኣብ 2021 ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ስም ኣፍሪቃ ዘፀውዑ እዮም።

ዝርዝር እቶም ሕፁያት እነሆ፡

  • ኢሊዩድ ኪፕቾጌ - ኣትሌቲክስ
  • ፌይዝ ኪፕዬጎን - ኣትሌቲክስ
  • ኡንታንዶ ማሽላንጉ በፓራ - ኣትሌቲክስ
  • ታቲያና ስኩንማርከር - ሓመሳ
  • ክሪስቲን ምቦማ - ኣትሌቲክስ
  • ኤድዋርዶ ሜንዲ - ኩዕሶ እግሪ

ንስኹም’ውን ናይዚ ዓመት ሽልማት ይግበኦ እዩ ንትብልዎ ስፖርተኛ ኣብዚ ድምፂ ምሃብ ትኽእሉ።

ድምፂ መውሃቢ ግዘ፡ 11 ታሕሳስ ሰዓት 9፡00 ዘብቅዕ እንትኾን፡ ተዓወትቲ ድማ 29 ታሕሳስ ብፎከስ ኦን ኣፍሪካ ተሌቬዥንን ራድዮን ከምኡ’ውን ኣብ ድሕረ ገፅ ቢቢሲ ስፖርት ብወግዒ ክወጽእ’ዩ።

ኢሊዩድ ኪፕቾጌ

ሃገር፡ ኬንያ

ዕድመ፡ 37

ዓይነት ጉያ፡ ማራቶን

ኪፕቾጌ ኣብ ውድድር ማራቶን ክሳብ ሕዚ ካብ ዝተርኣዩ ስፖርተኛታት ብሉፅ ምዃኑ ይግለፅ። ኪፕቾጌ ብውድድር ማራቶን ብተኸታታሊ ንኽልተ ዓመት ወርቂ ዓቲሩ’ዩ።

እዚ ኬንያዊ ኣትሌት ኣብ ታሪኽ ኦሎምፒክ ብተኸታታሊ ኣብ ማራቶን ዝተዓወተ ሳልሳይ ኣትሌት እንትኾን፡ ብዓለምለኸ ኮሚቴ ኦሎምፒክ’ውን ካብ ደቂተባዕትዮ ብሉፅ ኣትሌት ኮይኑ ተመሪፁ።

ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ዓወት ዘምዝገበ ኪፕቾጌ፡ 15 ግዘ ማራቶን ተወዳዲሩ 13 ዓወታት ሓፊሱ።

ካብ ዓወታት ኪፕቾጌ፡ ንውድድር ብ 2፡01፡39 ብምዝዛም ክብረ ወሰን ዘመዝገበሉ በርሊን ማራቶን ምፅራሕ ይከኣል።

ፌይዝኪፕዬጎን

ሃገር፡ ኬንያ

ዕድመ፡ 27

ዓይነት፡ ማእኸላይ ርሕቐት

ፌይዝ ኣብ ኦሊምፒክስ ቶኪዮ ክብረወሰን ውድድር 1500 ሜትር ምስባር ክኢላ። ኣብ ሪዮ’ውን ብተመሳሳሊ ርሕቐት ወርቂ ሜዳልያ ምርካባ ይዝከር። ብወሊድ ምኽንያት ድሕሪ 21 ኣዋርሕ ናብ መድረኽ ጉያ ዝተመልሰት ፌይዝ፡ ኣብ ታሪኽ ውድድር 1500 ሜትር ድሕሪ ወሊድ ዝተዓወተት ሳልሰይቲ ኣትሌት ኮይና እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ሞናኮ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር’ውን፡ ኣብ ታሪኽ ራብዓይ ዝቐልጠፈ ሰዓት ከምዘመዝገበት ይዝከር። ናይዚ ርሕቐት ክብረወሰን ዓለም ምስባር ድማ ቀፃሊ ዕላም ፌይዝ’ዩ።

ኡንታንዶማሽላንጉ

ሃገር፡ ደቡብ ኣፍሪቃ

ዕድመ፡ 19

ዓይነት ስፖርት፡ ዝላን ጉያ 200 ሜትርን

ማሽላንጉ ገና ወዲ 14 ዓመት እንከሎ’ዩ ኣብ ውድድር ፓራሊምፒክ ፈላማይ ሜዳልያ ዝዓተረ። ኣብዚ ዓመት ድማ ብውድድራት 200 ሜትርን [ቲ61] ብዝላ [ቲ63] ወርቂ ረኺቡ።

እዚ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣትሌት፡ ብዝላ 7.17 ሜትር ክብረ ወሰን ዓለም ሰይሩ’ዩ።

ኣብ ቀፃሊ ብዙሓት ዓወታት ኣብ ቅድሚቱ ዝፅበይዎ ማሽላንጉ፡ ወዲ 10 ዓመት እንከሎ’ዩ ኣእጋሩ ስኢኑ።

ማሽላንጉ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ብ22.94 ካልኢት ናይ 200 ሜትር ናይ ደቂተባዕትዮ ክብረወሰን ዓለም ዓቲሩ’ዩ።

ክሪስቲንምቦማ

ሃገር፡ ናሚቢያ

ዕድመ፡ 18

ዓይነት ስፖርት፡ ሓፂር ርሕቐት

ኣብ ውድድር ኦሊምፒክ ቶኪዮ 2020 ተሳታፊት ዝነበረት ክሪስቲን፡ ናብ መድረኽ ተዓወትቲ ኦሊምፒክ ዝተፀንበረት ፈላመይቲ ናሚቢያዊት እያ።

ኣብ ናይ 25 ዓመታት ታሪኽ ኦሊምፒክ ናሚቢያ ፈላማይ ሜዳልያ ዘምፀአት ክሪስቲን፡ ብውድድር 200 ሜትር ንጃማይካዊት ሻምፒዮን ኦሊምፒክ ኢለይን ቶምፕሰን-ሄራን ስዒባ ውድድራ ብምዝዛም ብሩር ረኺባ።

ክሪስቲን ውድድራ ዝዛመትሉ 21.81 ካልኢት፡ ኣብዚ ውድድር ትሕቲ 20 ዓመት ዝቐልጠፈ ሰዓት ኮይኑ ተመዝጊቡ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዙሪክ ዝተሳለጠ ውድድር ዳይመንድ ሊግ፡ ብ 21.78 ካልኢት ካብ ምዕዋታ ብተወሳኺ፡ ናይ ኣፍሪቃ ክብረወሰን’ውን ሰይራ።

ጓል 18 ዓመት ክሪስቲን፡ ብሰንኪ ብተፈጥሮኣ ዘለዋ ልዑል መጠን ቴስቴስትሮን ኣብ ውድድር 400 ሜትር ኣትሌቲክስ ዓለም ከይትሳተፍ ተኣጊዳ’ያ።

ኤድዋርዶሜንዲ

ሃገር፡ ሴኔጋል

ዕድመ፡ 29

ዓይነት ስፖርት፡ ኩዕሶ እግሪ

ኤድዋርድ ሜንዲ ካብ ፈረንሳዊት ጋንታ ሬኒስ ናብ ቼልሲ ካብ ዝዘዋወር ንነዘ፡ ኣብ ስታንፈርድ ብሪጅ ብቕዓቱ ከርእይ ክኢሉ’ዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጉምበት ድማ ፅዋዕ ቻምፒየንስ ሊግ ብምዕታር ታሪኽ ፅሒፉ።

ናብ ፍፃመ ቻምፒየንስ ሊግ ኣብ ዝገበሮ ግስጋሰ፡ ኣብ ሸሞንተ ግጥማት ጎል እንከይኣተዎ ተኻፋሊ ታሪኽ ኮይኑ። ሜንዲ ኣብ ፍፃመ ቻምፒየንስ ሊግ ዝተፃወተ ፈላማይ ሓላዊ ልዳት ኮይኑ’ዩ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ታሪኽ ኣህጉራዊ ዋንጫ ኣውሮጳ ኣብ ፍፃመ ግጥም ዝተሰለፈ ፈላማይ ሓላዊ ልዳት ዚምባብዌያዊ ብሩስ ግሮብላር እንትኾን፡ እዋኑ ድማ ኣብ 1985 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተፅሓፈ ታሪኽ ኔሩ።

ሜንዲ ኣብ ዝሓለፈ ዘበን ውድድር ኣብ 19 ፀዋታታት ሸቶ ስለዘይኣተዎ፡ ናይ ኣውሮጳ ናይ 2020 -21 ብሉፅ ሓላዊ ልዳት ተባሂሉ ተሸሊሙ’ዩ።

ሜንዲ ኣብቲ ብፍራንስ ፉትቦል ዝዳሎ ሽልማት ባለንዶርን ያሺን እኳ እንተዘይተዓወተ፡ ካብ ሞንጎ ሕፁያት እቲ ውድድር ሓደ ኔሩ።

ታቲያናስኩንማርከር

ሃገር፡ ደቡብ አፍሪቃ

ዕድመ፡ 24

ዓይነት ስፖርት፡ ምሕምባስ (ሓመሳ)

ኣብ ኦሊምፒክ ቶኪዮ ንሃገራ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምሕንባስ ሜዳልያታት ወርቅን ብሩርን ዘምፀአት ታቲያና፡ ናይ 200 ሜትር ከምኡ’ውን 100 ሜትር ክብረወሰን ዓለምን ኦሊምፒክን ሰይራ እያ።

ታቲያና ኣብ ኦሊምፒክ ሪዮ ንምስታፍ ኣብ ዝገበረቶ ውድድር፡ ብማይክሮሰከንድ ስለዝተረትዐት ንርእሳ ካብ ስፖርት ዓለም ንምግላል ኣብ ጫፍ በፂሓ ኔራ።

እንተኾነ ተስፋ እንከይቆረፀት ብዙሓት ዓለምለኻውን ኣህጉራውን ዓወታት ተጎናፂፋ።