ኦሚክሮን፡ ኣመሪካ ብሰንኪ ሓድሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ተሪር ሕግታት መገሻ ኣተኣታትያ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ውሑዳት ብኦሚክሮን ዝተብሃለ ሓድሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ምስ ተረኸቡ ተሪር ናይ መገሻታት ሕጊ ኣተኣታትዩ።

ጆ ባይደን እቲ ሓድሽ ሕጊ ዕጽዋን ብግዴታ ምኽታብን ከምዘየጠቃልል ብምግላጽ እዩ ከለሳለሶ ፈቲኑ።

እዚ ሓድሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ክፍለ ግዝኣታት ካሊፎርንያ፡ ኮሎራድ፤ ሚኒሶታ፤ ኒውዮርክን ሃዋይን ተራእዩ ኣሎ።

ሰብ መዚ ጥዕና ኣመሪካ ኣብቶም ኦሚክሮን ዝተረኸቦም ሰባት መጠናዊ ምልክታት እንተዘይኮይኑ ብኸቢድ ዝሓመመ ከምዘይብሎም ገሊጾም።

ብመሰረት ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ኦሚክሮን ኣብ 30 ሃገራት ተራእዩ ኣሎ።

ኦሚክሮን ኣዝዩ ናይ ምልባዕ ተኽእሎ ከምዘለዎ'ኳ ኣፈናዊ መደምደምታ እንተተወሃበ፡ ነዚ ክሳብ ሕጂ ክውሃብ ዝጸንሐ ክታበታት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኣለዎ ድዩ የብሉን ንምፍላጥ ግን ግዜ ከምዘድሊ'ዮም ተመራመርቲ ዝሕብሩ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን እንታይ ዝብል ሕጊ እዩ ኣታኣታትዩ?

እቲ ትማሊ ዝወጽአ ሓድሽ ሕጊ፡ ዝኾነ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ገያሺ፡ ይከተብ ኣይከተብ ብዘየገድስ ቅድሚ ምብጋሱ ኣብ ዘለዋ 24 ሰዓታት መርመራ ኮቪድ 19 ክገብርን ነጻ ምዃኑ ዘረጋግጽ ወግዓዊ ወረቐት ክህልዎ ዘገድድ'ዩ።

ክሳብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ነፈርቲ፡ መካይን ይኹን ባቡራት ኩሉ ሰብ ግድን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብር።

መንግስቲ ኣመሪካ ኢንሹራንስ ንዘይብሎም ኣብ ገዘኦም ብምምጻእ መርመራ ክገብረሎምን፡ መመርመሪ ነቑጣታት ብምስፋሕ ኩሉ ሰብ ዝምርመረሉ ባይታ ከጣጥሕ እዩ።

ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓጋይ ኩሉ ሰብ ብፍላይ ኸኣ መንእሰያት ንክኽተቡ ምትብባዕን እቶም ዝተኸተቡ ንኽታበት መበርትዒ [ቡስተር] ከምዝውግኡ ክግበር እዩ።

ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 40 ሚልዮን ኣመሪካውያን ቡስተር ተወጊኦም ኣለዉ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ግን ብሕጂ ኣስታት 100 ሚልዮን ቡስተር ምውጋእ ከምዘደልዮም'ዩ ጠቂሱ።

መደብ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምቅልጣፍን ንምትብባዕን ኣማኢት ሓደሽቲ ክሊኒካት ክትከላ ምዃነን'ውን ጆ ባይደን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ዓባይ ብሪጣንያን ዝርከበአን ሓያለ ሃገራት ካብን ናብን ሸሞንተ ሃገራት ዞባ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር በረራታት ደው ኣቢለነኦ ኣለዋ።

ሰብ መዚ ጥዕና እተን እገዳ ኣንቢረን ዘለዋ ሃገራት፡ እቲ ናይ በረራ እገዳ ነቲ ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስ ንምጽናዕ ዕድል ዝህብ ምዃኑ ክማጎቱ እንከለዉ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን መራሕቲ እተን እግዳ ዝተነበረን ሃገራትን ግን ነቲ እግዳ ብትሪ ምኹናኖም ይዝከር።