ኦሚክሮን፡ ሓላፊት ሕብረት ኣውሮጳ ክታበት ኣስገዳድ ዝግበረሉ ግዜ በጺሕና ኢላ

ሓላፊት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንኮቪድን ሓድሽ ዓሌት ዝኾነ ኦሚክሮን ንምቁጽጻር ኣባል ሃገራት ክታበት ኣስገዳድ ዝገብረሉ ኩነታት መገዲ ክሕሰበሉ ኣተሓሳሲባ።

ኡርሱላ ቮን ዴር ሌየን፡ ነቲ ሓድሽ ዓሌት ንምክለክኻል እቲ ዝሓሸመገዲ ክታበት ምኳኑ እዩ ተዛሪባ።

እዚ ኦሚክሮን ዝተሰምየ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ብተመራመርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከብ ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ይረአን ሻቕሎት ይፈጥርን ኣሎ።

ዛጊድ ኣብ 12 ሃገራት ዝተርኣየ ኾይኑ፡ መብዛሕተአን ድማ ዶበን ክዓጽዋን ተሪር እገዳታት ከንብራን ይረአያ ኣለዋ።

ናይቲ ሓድሽ ዓሌት ዝተረኣየለን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ካብተን ካብ መጀመርትኡ ተሪር ዕጽዋን እገዳታትን ዘንብራ ዘለዋ ይርከበአን።

እዚ ከምዚ እንተሎ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ግና፤ ገና ሰፊሕ መጽናዕቲ ዘድልዮ'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ሓድሽ ዓሌት ቀለልቲ ምልክታት እዩ ዘርኢ ኢሉ።

ሲሶ (ሓደ ኢድ ናይ ሰለስተ) ህዝቢ ሕብረት ኣውሮጳ ገና ዘይተኸትበ ምዃኑ እትዛረብ እዛ ሓላፊት ግና፡ እቲ ክታበት ምውሳድ ኣስገዳድ ዝገበረሉ መገዲ ክዝተዮ ትማሊ ረቡዕ ጸዊዓ ኣላ።

ንሳ ኣብ መግለጺኣ፡ "ብኸመይ ገይርካ ክወሃሃድ ከምዘለዎ ክዝተየሉን ክዝረበሉን ኣለዎ፤ እንተኾነ ግና ከምኡ ካብ ምግባር ዓዲ ክወዓል የብሉን' ኢላ።

"ኣባላት ሃገራት እየን ኣስገዳድ ክታበት ክእውጃን ከተግብራን ዝኽእደላ፡ ገለ ድማ ናብኡ ገጹ ዝኸይድ ስጉምቲታት እወስዳ ኣለዋ"።

ኦስትርያ ካብ ዝቀጽል ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ኩሎም ዜጋታት ክኽተቡ ኣስገዳድ ምኳኑ ክትውስን እንከላ፡ ግሪክ ብወገና ዘይተኸትቡ ልእሊ 60 ዝዕድሚኦም ሰባት 100 ዶላር ትቐጽዕ ጀሚራ ኣላ።

ሓድሽ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ስኮልዝ ብወገኑ፡ ኣስገዳድ ክታበት ክእወጅ ከምዝድግፍ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሐትት ተዛሪቡ።

'ክታበት ከምዘይሰርሕ ዘርኢ ምልክት የለን'

ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰፊሑ ዝላባዕ ዘሎ ሓድሽ ዓሌት ኦሚክሮን፡ ንህዝቢ ዓለም ዘሻቕል እዩ ዝበለ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕብኡ ንምፍላጥ ምርምራት የካይድ ከምዘሎ ይገልፍ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋን እቲ ዝበዝሐ ሰብ መልከፍቲ ኦሚክሮን'ኡ ኮይኑ ከምዘሎን ትማሊ ረቡዕ መጠን መልከፍቲ ዕጽፊ ከምዝኾነን ሓለፍቲ መንግስቲ ተዛሪቦም።

ሕዚ'ውን እንተኾነ ኣብቶም በቲ ሓድሽ ዓሌት ዝተለኽፉ ሰባት ክታበት ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝኣምን።

ኣብቲ ውድብ ተመራማሪት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶ/ር ማርኣ ቫን ኬርኮቭ፡ "ኣብ ገለ በቲ ሓድሽ ዓሌት ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝረአነዮ፤ ቀለልቲ ምልክት እዮም ኣርእዮም" ኢላ።

ከምኡ ኾይኑ'ውን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሆስፒታል ዝኣትዉ በዝሒ ወሲኹ ከምዘሎ ተዛሪባ።

ብረቡዕ መልከፍቲ ዝተረኽባ ሓዳሽ ሃገር ኣመሪካ ኾይና፤ ናይጀርያ፣ ኖርወይ ደቡብ ኮርያ'ውን ይርከበአን።

ብዙሓት ሃገራት ምስፍፋሕ ኦሚክሮን ንምቁጽጻር ዶባተን ምዕጻው ጀሚረን ኣለዋ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ግና በቶም ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝውሰዱ ዘለዉ ተረርቲ እገዳታት ሕጉስ ኣይኮነን። ጠጠው ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ሓላፊ እቲ ውድብ ዶክተር ቴድሮስ፡ እቲ ዝወሰድ ዘሎ ስጉምቲ ዘይግቡእን ዘይምዕሩይነት ክብል ኮኒንዎ ኣሎ።

ዶር ቫን ብወገና፤ ብሰንኪ እቶም ዝተነብሩ እገዳታት ናብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ቅምሶታት ምብጻሕ'ኳ ኣጸጋሚ ገይርዎ ኢላ።

ካብ ሸሞንተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዜጋታት ናብ ሃገራ ከይኣትዉ ኣዚዛ ዘላ ኣመሪካ፡ ዜጋታታ እውን ካብ ዝመጽእዎ ሃገራት ከፍልጡ ኣዚዛ ኣላ።