እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ: ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቁጽሪ መጠን መልከፍቲ ካብ ሰኑይ ብዕጽፊ ወሲኹ
ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘሎ መዓልታት መጠን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ብምንሃሩ ብዕጽፊ ወሰኽ ኣርእዩ።
ሰብ መዚ ጥዕና እታ ሃገር፡ ጠንቂ እቲ መጥን ወሰኽ መልከፍቲ እቲ ኦሚክሮን ዝተሰመየ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ክኸውን ከምዝኽእል'ኳ እንተገለጹ፡ ካብቶም ሓደሽቲ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ክንደይ በዚ ሓዲሽ ዓይንት ኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተገበረ ላባራታራዊ መርመራን ዝተውሃበ ጸብጻብ የለን።
ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣስታት 8500 ሓዲሽ መለክፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ከምዝረኸበት ንውድብ ጥዕና ዓለም ከምዘፍለጠት ዝዝከር እዩ።
ብዛዕባ እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት እዮም ዘለዉ።
እቲ ቫይረስ ብርቱዕ ናይ ምልባዕ ባህሪ ከምዘለዎ ኣፈናዊ መደምደምታ'ኳ እንተተወሃበ፡ እቲ ኣቐዲሙ ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ንሰብ ክውሃብ ዝጸንሐ ክታበታት ክከላኸሎ ይኽእል ድዩ ዝብል ግን ብሕጂ መጽናዕቲ ዘድልዮ ከምዝኾነ'ዮም ሰብ መዚ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሕብሩ።
እቲ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ተራኣየ፡ ኣመሪካ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን ዝርከብአን ሃገራት ናብ ሃገራት ዞባ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝገብርኦ በረራታት ደው ከምዘበለኦ ዝዝከር እዩ።
ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብሓባር ነቲ ብገለ ሃገራት ዝግበር ዘሎ ናይ በረራ እግዳታት ብምቅዋም ነቲ ስጉምቲ ዝነቅፍ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ።
ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ እቲ ዝተወሰነ ናይ በረራ እገዳ 'ናይ በረራ ኣፓርታይድ'ዩ' ብምባል ነቂፍዎ።
ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣፍሪቃውያን ብዝረኸብዎን ንዓለም ብዝሃብዎ ሓበሬታን ክቅጽዑ የብሎምን ኢሉ።
ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ማሃማት ፋኪ ብወገኑ ሃብታማት ሃገራት ነታ ትሕቲ 6 ሚኢታዊት ካብ ህዝባ ጥራይ ከቲባ ዘላ ኣፍሪቃ ብኽታባት ክሕግዝኣ ብምምሕጻን እቲ ናይ በረራ እግዳ ክልዓል ጸዊዑ።
ውደብ ጥዕና ዓለም፡ እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ 23 ሃገራት ተራእዩ ምህላዉ ገሊጹ ኣሎ።