እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ምብፃሕ የካይድ ኣሎ
ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ንወግዓዊ ምብፃሕ ስራሕ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ናይ ንጉሆ ናብ ከተማ ኣዲስኣበባ ኣትዩ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዪ ሎሚ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝኣትወሉ፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃእን ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ተቐቢልዎ።
ሚኒስተር ዋንግ ዪ ናብ ኣዲስኣበባ ምምፅኡ “መንግስቲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምትእምማን ዘርእይ እዩ” ከምዝበለ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።
ዋንግ ዪ ኣብ ኢትዮጵያ ንኽንደይ መዓልታት ከምዝፀንሕን ናብ ኣዲስኣበባ ዝመፅአሉ ምኽንያትን ዛጊድ ወግዓዊ ኣይኮነን።
ክልቲኦም ሚኒስተራት ወፃኢ ጉዳያት ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ዋንግ ዪ ናብ ኣዲስኣበባ ዝገብሮ ምብፃሕ፡ “ቻይና ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትእምማን ዘርእን ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዘለዋ ድጋፍ ዝገልፅን’ዩ” ምባሉ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ብናይ ፌስቡክ ገፁ ሓቢሩ።
“ኢትዮጵያውያን ናይ ውሽጢ ፀገሞም ባዕሎም ምፍታሕ ስለዝኽእሉ፡ ቻይና ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ኣእታውነት ትቃወም’ያ” ምባሉ’ውን፡ እቲ ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ዝዘርግሖ ሓበሬታ የመልክት።
ቻይና፡ ምስ ኵናት ትግራይ ብዝዛመድ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ድጋፋ ክትገልፅ ምፅንሓ ይፍለጥ።
ቀዋሚት ኣባል ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ቻይና፡ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኵናት ትግራይ ዘትዩ ናይ ውሳነ ሓሳብ ከየምፅእ ብትሪ ዝቃወማ ካብ ዝነበራ ሃገራት ሓንቲ እያ።
ቅድሚ ሕዚ ቻይና፣ ህንድን ኬንያን ነቲ ዓመት ዘቑፀረ ኵናት ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ’ዩ፤ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ከሕልፎ ዝኽእል ናይ ውሳነ ሓሳብ ንሉኣላውነትን ሓድነትን ኢትዮጵያ ዝፃረር’ዩ ብምባል ተቓዊመንኦ እየን።