እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላዉ ኢትዮጵያ፡ ትዊተር ንኢትዮጵያ ዝድግፉ ድምጽታት ይዕፍን ኣሎ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ
ትካል ማሕበራዊ መራኸቢታት ትዊተር ንኢትዮጵያ ዝድግፉ ድምጽታት ይዕፍን ኣሎ ክትብል ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ከሲሳ።
ቢልለኔ ስዩም ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ኣብ መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ገለ ክፋል ስሩዕ ሚድያታትን ኣካዳሚያዊ [ማእከላትን]፡ ንኢትዮጵያ ዝድግፉ ድምጽታትን ብምዕፋን ናይ ስርዓት ለውጢ ንምምጻእን ናይ ህወሓት ትረኻታትን ዝድግፉ ድምጽታት ድማ ምሕያል ንዕዘብ ኣለና" ኢላ።
ብፍላይ ትዊተር፡ ንደገፍቲ መንግስቲን ዒላማታት ብምግባር ንገለ ካብቲ መርበብ ከም ዝእለዩ ከም ዝገበረ እታ ኣፈኛ ከሲሳ።
እቲ ትካል ደገፍቲ ህወሓት ኣትዮሞ ኣለዉ ክብል መንግስቲ ናብቲ ትካል ክሲ ኣቕሪቡ ምህላዉ'ውን ጠቒሳ።
እንተኾነ ግን፡ ነዚ ዘረጋግጽ ዝርዝር መርትዖታት ይኹን ሓበሬታ ኣይሃበትን። ትዊተር ብወገኑ ብዛዕባ'ዚ ዛጊት ዝሃቦ ግብረመልሲ የለን።
ብኻልእ ወገን ቀዳማይ ሚኒስተር "ሕገ-መንግስታዊ ሓላፍነቱ ንምፍጻም" ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ናብ ግንባር ብምኻድ ሰራዊቱ ይመርሕ ከም ዘሎ ዝገለጸት እታ ኣፈኛ እንተኾነ ግን ንሰላማዊ ፍታሕ ዘለዎ መርገጺ ኣብ ቦትኡ ኣሎ ኢላ።
ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ህወሓት ዝግበር "ስጉምትታት" ክቕጽል ምዃኑ'ውን ተዛሪባ።
ኣፈኛ ህወሓት ጌታቸው ረዳ ሎሚ ሰሉስ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ልዕሊ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ግድብ ተከዘ ደብዳብ ከም ዝተኻየደ ገሊጹ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ዒላማታት ቀጻሊ ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ሓያሎ ሰባት'ውን ኣብቶም ደብዳባት ከም ዝተቐትሉን ኣብ ንብረት ከቢድ ዕንወት ከም ዝወረደን ይግለጽ።
እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምልሓም ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ከቢድ ውግኣት ይቕጽል ምህላዉ ይግለጽ።
ዝተፈላዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝተቖጻጸሩ ሓይልታት ትግራይ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ድሕሪ ምሓዞም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ምንባሩ ይዝከር።
ብመሰረት እቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ዝተኣወጀ ህጹጽ እዋን ብዝተኻየደ ተፍትሽ፡ ፈኮስቲ ብረታትን፡ ናይ ውግእ መሳርሒታት፡ ትምዩን (ስኑዕ) ገንዘብን ዘይሕጋዊ ናይ ወጻኢ ባጤራን፡ ከምኡ'ውን ስኑዕ ነዳት መንነት ከም ዝተታሕዘ'ውን ቢልለኔ ስዩም ኣብቲ መግለጺ ጠቒሳ።
ብሰንኪ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራይ 1.1 ሚልዮን ህዝቢ ከም ዝተፈናቐለን፡ 5.6 ሚልዮን ድማ በቲ ግጭት ከም ዝተጸልወን ሓቢራ።
ኣብ ክልል ዓፋር'ውን፡ ቁጽሪ በቲ ኲናት ዝተጸልወ ህዝቢ 260 ሽሕ ከም ዝኾነን፡ 100 ሽሕ ድማ ከም ዝተፈናቐለን ጠቒሳ።
ናብ መቐለ ዝግበር ተቛሪጹ ዝጸንሐ ሰብኣዊ በረራታት ዳግም ምጅማሩ ብምዝኽካር፡ ትካላት ረዲኤት ዘድልዮም ልዕሊ 40 ሚልዮን ብር ጥረ ገንዘብ ናብቲ ክልል ከእትዉ ከም ዝተፈቕደሎም ሓቢራ።
እኽልን ካልእ ቀረባት ዝጸዓና ዓበይቲ መካይን በታ ርእሰ ከተማ ክልል ዓፋር ዝኾነት ሰመራ ኣቢለን ናብ ትግራይ ኣምሪሐን ምህላወን'ውን ገሊጻ።
ነቲ ብመጽናዕቲ ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዝወጸ ጸብጻብ ምግሃስ መሰላት ብዝምልከት ድማ፡ ንግዳያት ንምድጋፍን ክሲታት ንምምስራትን ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ሓደ ሓይሊ ዕማም ኣቚሙ ምህላዉ ኣፍሊጣ።
ኣብቲ መዕረፊ ተሳኢንሉ ዘሎ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ።
ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክካየድ ዝጸንሐ ልዝባትን ተበግሶታትን ዛጊት ዘፍረዮ ነገር የለን።