እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ሓድሽ ዓሌት 'ኦሚክሮን' ኣብ ሃገረ ሆላንድ ተራእዩ ምንባሩ ሰብመዚ ሓቢሮም
እዚ ዓለምለኻዊ ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ 'ኦሚክሮን' ዝተሀህለ ሓድሽ ዓሌት ኮቪድ-19፡ ኣቐዲሙ ኣብ ሃገረ ሆላንድ (ነዘርላንደስ) ተራእዩ ምንባሩ ሰበስልጣን ገሊጾም።
ካብ 19 ክሳብ 23 ሕዳር ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ክልተ ቅምሶታት ተረኺቡ ነይሩ። እዚ ድማ ቅድሚ'ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተራእዩ ዝብል ጸብጻብ ምውጽኡ ምዃኑ'ዩ።
እቶም ነቲ ቅምሶታት ዝሃቡ ሰባት ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ በጺሖም እንተነይሮም ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን።
እቲ ሓድሽ ዓሌት ምስቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብክልተ በረራታት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣተዉ ገያሾ ከምዝመጸ'ዩ ክውሰድ ጸኒሑ።
ሻቕሎት ውድብ ጥዕና ዓለም
ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተርአየ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኦሚክሮን፤ ንህዝቢ ዓለም ንሓደጋ ዘቃልዕ ክኸውን ከምዝኽእል ሻቕለቱ ገሊጹ።
እቲ ውድብ ትማሊ ከምዘበሎ፡ ብፍላይ ኣብ ገለ ክፋላት ዓለም ኣዝዩ ከቢድ ሳዕቤን ከየኸትል ዘስግእ'ዩ ኢሉ።
ዳይረክተር እቲ ውድብ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፤ ድኻ ሃገራት ክታበት ዝረኽባሉ መገዲ ክድፈአሉ ደጊሙ ጻውዒት ኣቅሪቡ ኣሎ።
"ኮቪድ-19 ሕዚ'ውን ካብ ርእስና ኣይወረደን፤ ገና ኣይተገላገልናን" ኢሉ።
እቲ ሓድሽ ዓሌት ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተርአየ ኾይኑ፡ ብቕልጡፍ ናይ ምልባዕ ባህሪ ከምዘለዎ እዩ ዝዝረብ። ደቡብ ኣፍሪቃ ብቕልጡፍ ስለዘፍለጠት ትነኣድ ኣላ።
"ኦሚክሮን ቀልጢፉ ናይ ምልውዋጥ ባህሪ ዘለዎ እዩ። ገለ ካብቶም ሓደሽቲ ዓሌታቱ ዘሻቕል ባህሪ ዘለዎም እዮም" ኢሉ ውድብ ጥዕና ዓለም።
ዶክተር ቴድሮስ፡ እቲ ሓድሽ ዓሌት ቀልጢፉ ምስፍሕፍሑ ምስ ናቱ ናይ ምዝባዕ ባህሪኡ፣ ረኽሲ ናይ ምፍጣር ተኽእልኡ ይኹን ምስ ክታበት ዝህልዎ ርክብ ብዝምልከተ ተመራመርቲ ዓለም መጽናዕቲ የካይዱ ከምዘለዉ ገሊጹ።
"ናይ ኦሚክሮን ምምጻእ ካብ ኮቪድ-19 ገና ዘይተገላገልና ምዃንና ዘርኢ እዩ " ኢሉ።
እዚ ኦሚክሮን ዝብል መጸውዒ ተዋሂብዎ ዘሎ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ፡ ቅልጡፍ ናይ ምልባዕ ባህሪ ከምዘለዎ'ኳ እንተተገልጸ፡ ምስኡ ብዝዛመድ ዛጊድ ዝተመዝገበ ሞት የለን ተባሂሉ።
ኣብ ሃገራት ካናዳ፣ ፖርቱጋል፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ቤልጂምን ኣብ ኔዘርላንድን ዝኣመሰላ ሃገራት ተራእዩ ኣሎ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ካብ ሃገራት ዞባ ደቡብ ኣፍሪቃ ገያሾ ከይቅበላ ውሳነ ኣሕሊፈን እየን።
ፕረዚደንት ስሪል ራማፎዛ በቲ ብገለ ሃገራት ዝተነበረ ናይ በረራ እገዳ 'ኣዝዩ ከምዝሓዘነ' ብምግላጽ፡ ነቲ ውሳነ 'ዘይፍትሓዊ'ዩ' ብምባል ብቕልጡፍ ክልዓል ጸዊዑ።
እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ'ኳ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንፈለማ ግዜ እንተተረኣየ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ'ዩ ውዱእ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ቐሪቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳሙናት ኣብታ ሰብ ብጻዕቒ ዝነብረላ ዞባ ጓውተንግ ዝተረኣየ ብዙሕ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ጠንቁ እዚ ሓዲሽ ዓሌት ምዃኑን ኣብዚ እዋን እቲ ቫይረስ ኣብ ኩለን ዞባታት ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝተረኣየን እዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ነዚ ስዒቡ፡ ጃፓን ዶባታ ዝዓጸየት ኮይና፡ እቲ እትኽተሎ ተሪር ዕጽዋ ክተላሕልሕ ትጽቢት ተገይሩላ ዝነበረ ኣውስትራልያ ብወገና፡ ናይ ምፍኳስ ትልማ ዓጺፋ ኣላ።
ፕረዚደንት ኣመሪካን ጆ ባይደን፡ ተወሳኺ ጉልበት ዝህብ [booster] ዘይወሰዱ ክወስዱን፡ ዜጋታት ማስክን ካልኦት መከላኸሊ መገድታት ከኽብሩ ኣዘኻኪሩ.
እንተኾነ ብሰንኩ ዕጽዋ ከምዘይእውጅን ዝኾኑ ሓደሽቲ እገዳታት ከምዘየንብርን ሓቢሩ ኣሎ።
ካልኦት ምዕባለታት ምዕባለታት
· ኣብ ሆላንድ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኣምሰተርዳም ካብ ዝኣተዉ ገያሾ እቶም 13 እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም።
· ፖሊስ ሆላንድ ምስዚ ሓዲሽ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓስ ኣብ ውሸባ ዝነበሩ ሰባት ካብ መወሸቢ ማእከል ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓሎም ገሊጹ።
· እስራኤል ካብ ትማሊ ፍርቂ ለይቲ ጀሚራ ንዝመጽእ 14 መዓልታት ዝኾነ ካልእ ዜጋ ናብ ሃገራ ከይኣቱ ዝኽልክል ውሳነ ኣመሓላሊፋ።
· ዓባይ ብሪጣንያ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ [G7] ነዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣመልኪተን ህጹጽ ኣኼባ ከካይዳ ጻውዒት ኣቕሪባ።
· እንግሊዝ ዘይተኸትቡ ልእሊ 18 ዓመት ዝኾኖም ዜጋታት ክኸተቡ ኣተሓሳሲባ።
ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ቫይረስ ካብ ዝኽሰት ጀሚሩ፡ ዛጊድ ኣብ ዓለም ልዕሊ 261 ሚልዮን መልከፍትን 5 ሚልዮን ሞትን ተመዝጊቡ።