ስለምንታይ እዮም ስደተኛታት ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ ዝፍትኑ?

ንመትረብ እንግሊዝ ክሰግሩ ዝተትሓዙ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ሓይሊ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ ነቶም ኣብ መትረብ ኢንግሊዝ ዝጠሓሉ 27 ሰባት ንምልላይ ጻዕሪ የካይዱ ኣለው። ሞት ናይቶም ስደተኛታት: ስለምንታይ እዮም ሰባት እቲ ጉዕዞ ህይወት ዝፈታተን ሓደገኛ ምዃኑ እናፈለጡ ስቕ ኢሎም ክሰግሩ ዝፍትኑ ዘለው ዝብል ሕቶታት የለዓዕል ኣሎ።

ስለምንታይ እዮም ስደተኛታት ብጀላቡ ንመትረብ ኢንግሊዝ ዝሰግሩ ዘለው?

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ብመካይን እዮም ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ስደተኛታት ዘሰጋግሩ ነይሮም።

ሽዑ እውን ዘሕዝን ሓደጋታት የጋጥም ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ 2019፡ 39 ቬትናማውያን ፍርጅ ኣብ ዘለዋ መኪና ሞይቶም ተረኺቦም።

ወደብ ካሌ ናይ ፈረንሳን - ናይ ዓዲ-እንግሊዝ ዶባትን ጽኑዕ ቁጽጽር እዩ ዝግበረሉ። ስለዝኾነ ከኣ እዮም እቶም ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ሕጂ ብዝያዳ ብባሕሪ ብናእሽቱ ጀላቡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ሰባት ዘሰጋግሩ ዘለው ይብል ዳይረክተር ሓለዋ ዶባት ዓባይ ብሪጣንያ ነበር ቶኒ ስሚዝ።

ኮቪድ እውን ኣብዚ መስርሕ ተራ ነይርዎ እዩ ይብል ቶኒ ስሚዝ፡ “ብሰንኪ ኮቪድ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝገሻ ዓበይቲ መካይን ምስ ወሓዳ እቶም ኣሰጋጋርቲ ደቂ-ሰባት ሜላታቶም ቀይሮም ብናእሽቱ ጀላቡ ብባሕሪ ሰባት ክልእኹ ጀሚሮም” ይብል።

ስለምንታይ እዮም ስደተኛታት ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝሰግሩ ዘለው?

ገለ መጽናዕትታት ከምዝሕብሮ፡ ቀንዲ ምኽንያት ናይቶም ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ዝሰግሩ ስደተኛታት፡ ስድራ-ቤቶም ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ስለዘለው ምስኣቶም ክኾኑ ስለዝደልዩ እዮም።

ኣብ ኣህጉራዊ መጽሔት ጥዕና ተሓቲሙ ዝወጽአ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ እቶም ኣብ ካሌ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መሰጋጋሪ ነቑጣ "ጫካ" ዝነብሩ 402 ስደተኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ እቶም 12% ጥራይ ኣብ ፈረንሳ ክነብሩ ከምዝደልዩ ገሊጾም። እቶም ዝተረፉ 82% ግን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ከም ዝደልዩ ነጊሮም።

ካብቶም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክጕዓዙ ዝደልዩ ከኣ ልዕሊ ፍርቂ (52%)፡ ድሮ ኣብ ብሪጣንያ ኣባላት ስድረኦም ከም ዘለዉዎም ገሊጾም።

ሓላፊ ረፍዩጂ ካውንስል ኤንቨር ሰሎሞን "ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ምትእስሳር ኣለዎም፡ ገሊኦም ቁሩብ ቋንቋ እንግሊዝ ይዛረቡ እዮም። ስድራ-ቤት፡ ኣዕሩኽን ፈተውትን ከምኡ እውን ዝግደሱሎም ሰባት ኣለዉዎም” ይብል።

እቶም ስደተኛታት ንገንዘብን ስራሕን ድዮም ንብሪጣንያ ዝሰግሩ?

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራልድ ዳርማኒን፡ ነጻ ዕዳጋ ስራሕ ዓባይ ብሪጣንያ ነቶም ስደተኛታት ከምዝስሕቦም ይሕብር። ይኹን እምበር ዛጊት ነዚ ዝተባህለ ነገር ዝድግፍ ዝተረጋገጸ መጽናዕቲ የሎን።

ብዛዕባ ስደትን ስደተኛታትን ልዑል ፍልጠት ዘለዎ ማርሊ ሞሪስ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ምስራሕ ዝግድብ ጽኑዕ ፖሊሲታት ከምዘተኣታተወት ገሊጹ።

"ቅድሚ 20 ዓመት እውን፡ ሰባት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክትሰርሕ ይከኣል እዩ ዝብል ርእይቶታት ስለዝነበሮም መንግስቲ ኢንግሊዝ ጽኑዕ ሕግታት ስራሕ ኣተኣታትዩ እዩ።

"ዋላ እውን ኣብቲ መለለዪ መንነት ዘየተኣታተናሉ እዋን፡ ፖሊሲታትና ብዘይሕጋዊ መገዲ ንኽትሰርሕ ዝእግድ [ከምኡ እውን] ሕጋዊ ፍቓድ ስራሕ ንዘይብሎም ኣስራሕቲ ብኸቢድ እዩ ዝቐጽዖም" ይብል።

ናብ ኣይስል ኦፈ ቡት ዝበጽሑ ሶርያውያን ስደተኛታት 2015

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ቋንቋን ስድራቤታዊ ምትእስሳርን፡ ገለ ካብቶም ኣብ ካሌ ዝርከቡ ስደተኛታት ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ሃገሮም ታሪኻዊ ዝምድና ስለዘለዋ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ክኸዱ ከምዝደልዩ ንቢቢሲ ሓቢሮም ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ምክትል ዳይረክተር በዓል መዚ ጉዳይ ኢምግሬሺን ሮብ ማክኒል፡ ገላ ካብቶም ስደተኛታት እቲ ኣብ ፈረንሳ ዝግበረሎም ኣተሓሕዛ ከም ዘየሐጉሶምን ብሰንኩ ከኣ ናብ ኢንግሊዝ ክሰግሩ ከምዝደልዩን ከምዝሓበሩ ገሊጹ።

"ኣብታ ዝኣተኻላ ሃገር፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከም ዘጋጠመካ እንተሓሲብካ። ኩሉ እቲ ሃዋህው ባህ እንተዘየቢሉካ፡ ካብኡ ክትርሕቕ ጥራሕ ኢኻ ትደልን ትምነን” ይብል።

ኣብ ርእሲኡ ምስ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ክወዳደር እንከሎ እቶም ስደተኛታት ሓንሳብ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ እንተኣትዮም ናብቲ ዝመጽኡዎ ሃገር ክምለሱ ከም ዘይክእሉ እዮም ዝሓስቡ ይብል ሚስተር ማክነይል።

"ሓደ ካብቲ ብሓበሬታ እንፈልጦ ነገር፡ ናብ ዝዀነት ሃገር ዝጐዓዙ ሰባት ብዛዕባ እቲ ንስደት ዝምልከት ሕግታትን ተግባራትን ብዙሕ ፍልጠት የብሎምን።"

ዋላ እቲ ጉዕዞ ሓደገኛ እንተኾነ፡ ገሊኦም ክሳብ ንካሌ ዝበጽሑ ብዙሕ ሓደገኛ ጉዕዞ ዝሓለፉ እዮም። ስለዝኾነ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንኪሰግሩ ካልእ ተወሳኺ ሓደገኛ ጉዕዞ ክኸዱ ፍቓደኛታት ምዃኖምን ይገልጹ።

ንኣብነት፡ ኣብ ኣህጉራዊ መጽሔት ጥዕና ዝተሓትመ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ክልተ ሲሶ ዝዀኑ ሰባት፡ ክሳብ ካሌ ዝበጽሑ ኣብ ዝገበሩዎ ጕዕዞ እንተ ወሓደ ሓንሳብ ዓመጽ ኣጋጢምዎም እዩ።

ክንደይ ዝኣኽሉ ስደተኛታት እዮም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝሰግሩ?

ዝበዝሑ ስደተኛታት ኣብተን ፈለማ ዝኣተውወን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ማለት ኣብ ግሪኽ፡ ቱርኪ ወይ ኢጣልያ ናይ ዑቕባ ሕቶ ስለዘቕርቡ እቶም ውሑዳት ጥራይ እዮም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝሰግሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጀርመን ኣብ ኤውርጳ ዝለዓለ ቁጽሪ ኣመልከትቲ ዑቕባ ዝተቐበለት ሃገር እያ። 122,015 ሓተትቲ ዑቕባ ክህልዋ እንከሎ፡ ፈረንሳ ድማ 93,475 ኣመልከትቲ ነይሮምዋ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ክትወዳደር እንከላ፡ ብ 36,041 ኣመልከትቲ መበል 5ይ ደረጃ እያ ትስራዕ። ብድምር ከኣ 7% ካብ ሃገራት ኤውሮጳ እያ ሓተትቲ ዑቕባ መጺኦምዋ።

ብመሰረት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ከባቢኣ ካብ ዝርከባ ሃገራት ፈረንሳን ጀርመንን ዝወሓዱ ስደተኛታት እዮም ዝመጽኡዋ።