ንሰባት ብምስቓይ ዝኽሰስ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጀነራል ፕረዝደንት ኢንተርፖል ኮይኑ ተመሪፁ

ጀነራል ኣሕመድ ኣል-ራይሲ ንዝቕፅሉ ኣርባዕተ ዓመታት ብዘይመሃያ ንኢንተርፖል ክመርሕ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንሰባት ብምስቓይ ዝኽሰስ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጀነራል፡ ፕረዝደንት ዓለምለኸ ትካል ፖሊስ: ኢንተርፖል ኮይኑ ተመሪፁ። ጀነራል ኣሕመድ ኣል-ራይሲ ንዝቕፅሉ ኣርባዕተ ዓመታት ብዘይመሃያ ንኢንተርፖል ክመርሕ እዩ።

ንሱ ንሰለስተ ዙራት ድሕሪ ዝተኻየደ መረፃ እዩ፡ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ፕረዝደንት ኮይኑ ተመሪፁ።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ጀነራል ንከይምረፅ ጎስጓሳት ከካይዱ እኳ እንተፀንሑ: ጎስጓሶም ግና ኣይሰመረን።

ጀነራል ኣል-ራይሲ ነቲ ንሰባት ኣሳቕዩ ዝብል ክሲ ከምዘይወዓሎ እዩ ዝገልፅ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ "ንሕና ብፖሊስ ንዝፍጸም ዘይግቡእ ተግባር ኣይንዕገስን" ኢሉ።

እቲ ጀነራል፡ ንኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢንተርፖል ምእካብ ቀንዲ ስርሑ እንትኾን፡ እቲ ኮሚቴ ድማ ናይ ዋና ፀሓፊ ዩርገን ስቶክ ዕማማት ይግምግም።

ሚስተር ዩርገን ስቶክ ሙሉእ ግዚኡ ንኢንተርፖል ብምሃብ ነቲ ቤት ፅሕፈት ዘመሓድር መሃያ ዝኽፈሎ እዩ።

ጀነራል ኣሕመድ ኣል-ራይሲ ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ብምምራፁ "ክብሪ" ከምዝተሰምዖ ብምግላፅ፡ ነቲ ትካል ዝያዳ ብምጥንካር ንኹሉ ድሕነት ዝሰርሕ ንምግባር ከምዝፅዕሩ ሓቢሩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ "ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ሰላማዊ ከባብታት ሓንቲ እያ" ዝበለ እቲ ሓድሽ ፕረዝደንት፡ እታ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ እትርከብ ሃገር "ኣብቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኣብ ዝኾነ ዞባ እታ ንእወታዊ ለውጢ ኣዝያ ኣገዳሲት" ኮይና ቀጺላ ኣላ ኢሉ።

እንተኾነ ኣብ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ተመራማሪት ዝኾነት ሂባ ዛያዲን፡ "ሎሚ ንሰብኣዊ መሰል ዘሕዝን መዓልቲ'ዩ" ብምባል፡ ንምምራፅ እቲ ጀነራል ተቓዊማ።

እታ ተመራማሪት፡ "እቲ ጀነራል፡ ንሰላማውያን ተቓወምቲ ምስ ግብረ ራዕዲ ማዕረ ጌሩ ናይ ዝርእይ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ቀንዲ ውልቀመላኺ ናይ ዝኾነ መንግስቲ ወኪል'ዩ" ብምባል ንሹመት እቲ ፕረዝደንት ኮኒናቶ።

ጠበቓታት ገልፍ ሴንተር ፎር ሂዩማን ራይትስ (GCHR)'ውን ናብ ፈረንሳይ ቱርክን ወግዓዊ ናይ ተቓውሞ ደብዳበ ልኢኾም።

ጀነራል ራይሲ፡ ኣብ 2017 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣሕመድ ማንሱር ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምእሳር ከምዘሳቐዮ ይገልፁ።

ኣሕመድ ማንሱር፡ ስም እታ ሃገር ብማሕበራዊ ሚድያ ጠቂንኻ ተባሂሉ 10 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ'ዩ።

ኣማኻሪ ፕረዝደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣንዋር ጋርጋሽ ግና ኣብ ልዕሊ እቲ ጀነራል ዝቐርቡ ዘለዉ ክስታት "ኣካል ናይ ዝተዋሃሃደን ጽዑቕን ናይ ጸለመ ጎስጓስ" እዩ ኢሉ።