ኣብ መትረብ እንግሊዝ ዘጋጠመ እቲ ዝዓበየ መቕዘፍቲ ስደተኛታት

ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ገጾም ዝጐዓዙ ዝነበሩ ኣስታት 27 ሰባት ጃልባኦም ምስ ጠሓለት ኣብ መትረብ እንግሊዝ (ጥቓ ካሌይ) ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

'ኣህጕራዊ ማሕበር ስደተኛታት' (IOM) ከም ዝበሎ፡ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሓበሬታ ክእክብ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ካብ 2014 ንደሓር እቲ ዝበዝሐ ህይወት ሰባት ኣብ'ቲ መትረብ ዝቐዘፈ ሓደጋ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን በቲ ሓደጋ "ኣዝዩ ከም ዝሰንበደ"፡ ምስኡ ከኣ ዓባይ ብሪጣንያ ነቶም ሰባት ሰሰጋግሩ ዘለዉ ጭፍራ ኣስገርቲ ንኽትሃድን ዝከኣላ ክትገብር ከም ዝዀነት ሓቢሩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራልድ ዳርማኒን፡ ካብ'ቶም ዝሞቱ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮን ሓንቲ ቆልዓን ከም ዝርከብኦም ገሊጹ።

ጀራልድ ዳርማኒን ወሲኹ ክልተ ሰባት ክድሕኑ ከም ዝኸኣሉን ሓደ ኸኣ ሃለዋቱ ከም ዘይተረኽበን ሓቢሩ።

ኣብ ጥቓ ዶብ ቤልጅም ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ብምግላጽ፡ "ኣብቲ ዘጋጠመ ቕዝፈት ቀጥታዊ ኢድ ከም ዝነበሮም ንጥርጥሮም ኢና" ኢሉ።

ረቡዕ ምሸት ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰንን ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮንን ኣንጻር ኣሰጋገርቲ ደቂ-ሰባት ናይ ሓባር ጻዕሪ ንከሐይሉ፡ ነቶም ሰባት ዘሰጋግሩ ዘለዉ ገበነኛታት ድማ ተወሳኺ ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ንኸየእትዉ ደው ንከብልዎም ከም ዝተሰማምዑ ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር (ዳውኒን-ስትሪት) ገሊጹ።

ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ሓንቲ ኣብቲ ከባቢ ዓሳ ትገፍፍ ዝነበረት ጃልባ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ገማግም ፈረንሳ ዝርከብ ባሕሪ ምስ ረኣየት ናይ ፈለማ መጠንቀቕታ ከም ዝለኣኸት ተፈሊጡ።

ሰብ መዚ ፈረንሳን ብሪጣንያን ህይወት ሰባት ንምድሓን ብባሕርን ኣየርን ተዋፊሮም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን፡ እቲ ዝጠፍአ ህይወት ሰብ "ህልቂት" ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ "እቶም ገበነኛታት ህይወት ሰብ ኣሕሊፎም ከምልጡ ኣይነፍቅድን" ኢሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ነቲ ብ "ኮብራ" ዝፍለጥ ህጹጽ ኣኼባ ድሕሪ ምምርሑ፡ እቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ስራሕ ንከየዋድዱ ብዝሓሸ ኣገባብ ክንተሓሓዞም ኣሎና ኢሉ።

ወሲኹ'ውን "እዚ ፍጻሜ ንሕና ነቶም እንወስዶም ስጕምትታት ክብ ኣቢልና ዓንኬል ናይ'ዞም ገበነኛታት ክንሰብሮ ከም ዘለና'ዩ ዘርኢ'ዩ" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ነዞም ብመትረብ እንግሊዝ ኣቢሎም ብንኣሽቱ ጀላቡ ሰባት ዘሰጋግሩ ዘለዉ ገበነኛታት ደው ንምባል ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ስርሓት ድሩት ምንባሩ ብምእማን ንፈረንሳ ተወሳኺ ደገፍ ከወፊ ምዃኑ ገሊጹ።

ዳውኒንግ-ስትሪት ከም ዝበሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰንን ፕረዚደንት ማክሮንን ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ቤልጅምን ሆላንድን ሓቢሮም ንክሰርሑ ብምስምማዕ፡ ነቶም ስደተኛታት ቅድሚ ኣብ ገማግም ፈረንሳ ምእታዎም ንምክትታል ምስ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ምስራሕ ከም ዘድሊ ኣገንዚቦም።

ዓባይ ብሪጣንያ ካብ 2021-22 ናይ 62.7 ሚልዮን ዩሮ ንፈረንሳ ሓገዝ ክትገብር ተመበባጺዓ ምንባራ ዝዝከር'ዩ።

እዚ ነቲ ፈረንሳ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትገብሮ ሓለዋ ክተሕይል፣ ዝሓሸ ናይ ኣየር ምክትታል ክትገብር፣ ኣብ ወደባት ከኣ ዘድሊ ናይ ጸጥታ ትሕተ-ቅርጺ ንኽትሃንጽ ዝዓለመ እዩ።

ተወሳኺ ትንተና

እቲ ዜሕዝን ሓቂ እቲ ሎሚ ዝተረኽበ ሓደጋ ውዒሉ-ሓዲሩ ከም ዝፍጸም ፍሉጥ ብምንባሩ'ዩ።

ኵነታት-ኣየር እናኸፍአ ይኸይድ ብምንባሩ ብዙሓት ሰባት ብለይቲ መትርብ እንግሊዝ ንክሰግሩ ክፍትኑ ምዃኖም ድሮ ተነጊሩና ነይሩ።

ብዝሕን ብቕዓትን ናይተን በዚ ኣዝዩ ዕሙር ዝዀነ መተሓላለፊ መራኽብ ክሰግራ ዝፍትና ጀላቡ ናብ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ከቃልዕ ከም ዝኽእል ንጹር እዩ ነይሩ።

ፖለቲከኛታት ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ነቶም ብህይወት ሰብ ዘይግድሶም ኣሰጋገርቲ ገበኛታት ድሮ ከሲሶሞም ኣለዉ።

ንክልቲኦም መንግስታት ክቐርቡ ዝግብኦም ሕቶታት ግን ኣለዉ።

ፈረንሳ ብኵነታት ናይቲ ቈልዑ ኣብ ጫካን ፈቐዶ ጽርግያን ዝነብሩሉ ዘለው ኩነታት ካምቦ፤ እንግሊዝ ከኣ በቲ ንሕጋዊ ዑቝባ መሕተቲ ዜንበረቶ ጸቢብ ዕድላት ክሕተታ ይግባእ።

ገለ-ገለ ሰባት ከም ዝብሉዎ፡ ዑቝባ ብግቡእ እትሓተሉ መስርሕ ምስ ዝጸብብ ሰባት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ብባሕሪ ኣቢሎም ክኣትዉ ይግደዱ።

ኣብ ዝቅጽሉ መዓልታት ኵነታት-ኣየር እናኸፍአ ክኸይድ ምዃኑ ምስ ተፈልጠ ሰባት ተቐላጢፎም ዕድሎም ክርእዩ ንዓዲ እንግሊዝ ክስግሩ ምዃኖም ርዱእ'ዩ።

ፕረዚደንት ማክሮን ከም ዝበሎ፡ "መትርብ እንግሊዝ መቓብር ሰባት ንክኸውን ፈረንሳ ኣይተፍቅድን"።

ነቶም በዚ ሓደጋ ተሓተትቲ ዝዀኑ ሰባት ክትረኽቦምን ናብ ፍርዲ ክተቕርቦምን ምዃና ኸኣ ተመባጺዑ።

ብተወሳኺ፡ በዚ ጕዳይ ንምዝርራብ ህጹጽ ኣኼባ ሚኒስተራት ጸዊዑ ኣሎ።

ኣብዚ ዓመት'ዚ 1,552 ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ኣብ ሰሜን ፈረንሳ ከም ዝተታሕዙ፡ 44 ዓንኬላት ኣሰጋገርቲ ድማ ከም ዝተሰብሩ ገሊጹ።

ይዅን'ምበር፡ 47,000 ሰባት ንዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ከም ዝፈተኑ፣ 7,800 ስደተኛታት ከኣ ካብ ምጥሓል ክድሕኑ ከም ዝኸኣሉ'ውን ፕረዚደንት ማክሮን ሓቢሩ።

ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ካብ 25,700 ዝበዝሑ ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ኣለዉ።

እዚ ኣሃዝ'ዚ ካብቲ ብ2020 ዝኣተዉ ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝበዝሕ ተፈሊጡ ኣሎ።

ዶቨር ኣዝዩ ዕሙር መተሓላለፉ መራኽብ'ዩ። ብናይ ጎማ ጀላቡ ክሰግሩ ንዝፈተኑ ብዙሓት ሰባት ድማ ቐዚፉ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት 10 ሰባት ክሰግሩ ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ይፍለጥ።