'ናብ ሃገርና ክንምለስ ኣይንደልን' ስደተኛታት

መብዛሕቲኦም ካብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ዝተሰደዱ ሰባት ብቤላሩስ ኣቢሎም ብመገዲ ፖላንድ ናብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ክኣትዉ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ይረኣዩ። እዞም ስደተኛታት “ኣብዚኣ ድኣ ንመውት እምበር ፈጺምና ናብ ሃገርና ክንምለስ ኣይንደልን” ኢሎም።