ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 20 ሰባት ብዓሌታዊ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ተባሂሉ

ካርታ

ኣብ ዝሓለፉ ቀዳመ ሰናብቲ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣዲስ ኣበባ ንኣንፈት ምዕራብ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ብዝተፈፀመ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ተገሊፁ።

እቲ ቅትለት ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 300 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ ትርከብ ወረዳ ኖኖ እዩ ተፈፂሙ።

በዓል መዚ እቲ ከባቢ ኣይተ ወርቂና ፉርጌሳ፡ በቲ መጥቃዕቲ “ልዕሊ 20 ሰባት ተቐቲሎም ኣርባዕተ ድማ ቆሲሎም” ኢሉ።

እቲ በዓል ስልጣንን ነበርቲ እቲ ከባብን፡ እቲ መጥቃዕቲ ብግንባር ብሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ (ኦነግ) ከም ዝተፈፀመ ከሲሶም።

ተወለድቲ ኣምሓራ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኦሮሞ ናይ ሕነ-ምፍዳይ ስጉምቲ ብምውሳዶም ድማ ተወሳኺ ሞት፣ ዕንወት ንብረትን ምምዝባልን ከም ዘስዓበ ተገሊፁ።

ፖሊስ፡ ነቲ ኩነታት ንምግታእ ሓይልታት ፌደራልን ክልልን ናብቲ ከባቢ ከም ዝተዋፈሩ ሓቢሩ።

ብኻልእ ዜና ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ሰለስተ ሰብመዚ ተቐቲሎም። ውድብ ብልፅግና ንቅትለት እቶም ሰበ ስልጣን ንግንባር ብሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ (ኦነግ) ከሲሱ።

ኣብዚ እዋን ምስ ሓይልታት ትግራይ ተጣሚሩ ኣንፃር ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝቃለስ ዘሎ ግንባር ብሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ (ኦነግ)፡ ነቶም መጥቃዕትታት ከም ዘይፈፀመ ኣፍሊጡ።

ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ብዝተወልዐ ኵናት ኣንፃር ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራን ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኣምሓራ ዝዋግኡ ዘለዉ ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋን እቲ ኵናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒኹ፤ ነታ ሃገር ናብ ሕድሕድ ኵናት ከየእትዋ ድማ ይስጋእ።

መግለጺ ቪድዮ, ብዛዕባ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ እንታይ ትፈልጡ?