እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብርክት ዝበለ ዘይሕጋዊ ኣጽዋርን ልዑል መጠን ገንዘብን ከምዝሓዘ ገሊጹ
ፖሊስ ኣዲስ ኣበበ፡ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእዋጁ ኣብታ ከተማ "ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምፍጻም ዝተዳለወ" ምዃኑ ዝገለጾ ዝተፈላለየ ብረትን ልዑል መጠን ገንዘብን ምሓዙ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮምሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ኮማንደር ፋሲካው ፈንታ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ "ኣብ ልዕሊ ምስ ኣሸባሪ ጉጅለ ርክብ ኣለዎም ዝተብሃሉ ውልቀሰባት ብዝተገብረ ክትትልን ፈተሻን" ኣብታ ከተማ ኣጽዋራት፡ ገንዘብን ካልእ ንዋትን ምሓዙ ገሊጹ።
በዚ መሰረት ካብ ጥቅምቲ 23 ክሳዕ 30 ኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ከተማ ፖሊስ ብዝገበሮ ምክትታል ልዕሊ 580 ዘይሕጋዊ ካላሽንኮቭ፡ ልዕሊ 600 ሸጓጉጢ ከምኡ'ውን ብዙሕ ጠያይቲ ኣብ ቀይዲ ምእታው ጠቒሱ።
ብዘይካ'ዚ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ናይ ኢትዮጵያ ብር፣ ከባቢ 40 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ፣ ሬድዮታት ርክብን ናይ ሳተላይት ቴለፎንን፣ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ኣልባሳት፣ ስኑዕ መለለዪ ወረቓቕቲን ፓስፖርትታትን ካልእ "ተግባር ሽበራ ንምፍጻም ዝተዳለወ" ዝበሎ ነገራት ምሓዙ ኮማንደር ፋሲካው ገሊጹ።
ጥቅምቲ 23 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዝተኣወጀ ህጹጽ እዋን ስዒቡ ኣብታ ከተማ ብዝግበር ዘሎ ክትትልን ፈተሻን ዝተፈላለየ ንዋትን ጥርጡራትን ኣብ ቀይዲ ይኣትው ኣለው።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ካብ ዝሓለፉ ሰሙናት ጀሚሩ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካልእ ከባብታትን ዝፍጸም ማእሰርቲ ከምዘሻቐሎ ብሰሉስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ምስቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ሰባት ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ምእታዎን እቶም ዝበዝሑ ተወለድቲ ትግራይ ምዃኖምን ገሊጹ።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካ ፈንታ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "እቲ ማእሰርቲ ተወላዲ ትግራይ ብምዃኑ ጥራሕ ኣይኮነን ዝፍጸም፤ ክትትልን ጥቆማን መሰረት ብምግባር ኣብ ዝርከብ ሓበሬታ ተሞርኪሱ'ዩ ዝፍጸም" ኢሉ።
"ተወለድቲ ካልኦት ብሄራት እንተኾኑ'ውን ተልእኸ እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ተቐቢሎም፣ ገንዘብ ተኸፊሎም፣ ስልጠና ተዋሂቦም፣ ገሊኦም'ውን ብረት ዓጢቖም ኣብታ ከተማ ኣሸባሪ ተግባራት ንምፍጻም ዝተዳለው ኢና ንሕዝ ዘሎና" ኢሉ።
ኣብዚ ኩነታት ንጹሓን ኣብ ቀይዲ ክኣትው ከምዝኽእሉ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ክኽሰት ከሎ ካብ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራት ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካብ ትካላት ፌደራልን ዝተዋጽአ ኮማንድ ፖስት ኣድላዪ ምጽራይ ብምግባር ነቶም ንጹሃን ነጻ ይሰድድ ምህላው ኣረዲኡ።
ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር ንድሓር ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ማሕበራዊ መነባብሮ ዝርከቡ ነበርቲ እታ ከተማ ዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ 'ብሰንኪ መንነት' ግዳያት ማእሰርቲ ከም ዝኾኑን ትካላት ንግዶም ከም ዝተዓጽወን ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።