እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዝጋደድ ዘሎ ጎንጺ ኢትዮጵያ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ
ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሃመት፡ ኣብ ኢትዮጵያ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ወታሃደራዊ ጎንጺ ከምዘሻቐሎን ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎን ኣፍሊጡ፡፡
ሕብረት ኣፍሪቃ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነቲ እቲ ኣቦ መንበር ኣብ መጀመርታ ሰሙን እቲ ኲናት ኣውጺእዎ ዝነበረ መግለጺ ብምዝኽኻር፡ ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ግዝኣታዊ ሓድነትን ሉኣላውነትን እታ ሃገር ክሕልዉ ኣተሓሳሲቡ፡፡
ነቲ ጸገም ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ድማ ኩሎም ወገናት ናብ ዘተ ክኣትዉ ጸዊዑ።
እቲ ኲናት ብህጹጽ ደው ክብል፣ ህይወትን ንብረት ዜጋታት ሙሉእ ብሙሉእ ክኽበር፣ ከምኡ ድማ መሰረተ ልምዓት መንግስቲ ክሕሎ ሙሳ ፋቂ ሓቲቱ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት፡ ደገፍቶም ኣብ ዘይኮነ ማሕበረሰብ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ከይወስዱ፡ ከምኡ እውን ካብ ናይ ጽላኣት ተረኽ፣ ፍልልይን ጎንጽን ካብ ዘጋድዱ ኩነታት ክቑጠቡ ክገብሩን ኣተሓሳሲቡ፡፡
ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ዓለም ለኻዊ ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰል ብምኽባር ብፍላይ ኣብ ሓለዋ ሲቪላትን ንጸገም ዝተቓልዑ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሖም ብምግባር ዓለም ለኻዊ ግዴተኦም ክዋጽእ እውን ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መልእኽቲ ኣሕሊፉ፡፡
ቅዋም ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ ሓበራዊ ስምምዕ እቶም ኣብቲ ጎንጺ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት መሰረት ዝገበረ ፖለቲካዊ ከይዲ ንምድጋፍ ውፉይ ከምዝኾነ ገሊጹ፡፡
ብተወሳኺ ምስ ተወካሊ እቲ ሕብረት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኾነ ፕረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦሊሴጎን ኣባሳንጆ ዝካየድ ዘተ ብቕልጡፍ ክጅመር ጻውዒት ኣቕሪቡ፡፡