እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክሊማዊ ለውጢ፡ ሃብታም ዓለም ጄፍ ቤዞስ ንኣፍሪቃ ንምሕጋዝ 2 ቢልዮን ዶላር ክህብ ቃል ኣትዩ
ኣብ ዋዕላ ክሊማ ዓለም ዝሳተፍ ዘሎ ሃብታም ዓለም መስራቲ ኣማዞን ጄፍ ቤዞስ በቲ 'ቤዞስ አርዝ ፈንድ' ዝተባህለ ትካሉ ኣቢሉ ኣብ ኣፍሪቃ መሬት ንምሕዋይ ንዝግበር ምንቅስቓስ ናይ 2 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ንምግባር ቃል ኣትዩ፡፡
እቲ ኣመሪካዊ ቢልየነር ብሰኑይ ናይ ሓደ ቢልዮን ኢንቨስትመንት ከምዘካይድ እውን ገሊጹ ነይሩ፡፡
''ነቲ ዘለና ንዓቅቦ፤ ነቲ ዝጠፍአ ንምለሶ፤ ነቲ ዝመጽእ ትውልዲ ብዘይጎድእ መልክዕ ንምንባር ዘድልየና ነገር ነብቁል'' ኢሉ፡፡
''ክልተ ኢድ ካብ ሰለስተ መሬት ኣፍሪቃ ተሸርሺሩ እዩ፤ ክምለስ ግን ይከኣል እዩ፡፡ ምምላስ ናይ ሓመድ ልሙዕነት ክውስኽ፣ ምህርቲ ክስስንን ውሕስነት ምግቢ ከመሓይሽን፤ ከምኡ ድማ ማይ ብብዝሒ ክህሉ፣ ስራሕ ክፍጠር፣ ቁጠባ ክዓብን ካርቦን ክቕንስን የኽእል እዩ'' ክብል ተማሕጺኑ'ሎ።
ቤዞስ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ናብ ህዋ ዝገበሮ ጉዕዞ ነዛ እንነብረላ ፕላኔት ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ከምዝቐየሮ ተዛሪቡ፡፡
''ኣብ ህዋ ኮንካ ናብ መሬት ክትርእይ፡ እቲ ከባቢ ኣየር ስሕዩ፣ እታ ዓለም እትቑጸርን ዝተበታተነትን መሲሉ ይረኣየካ'' ብምባል ''ኣብዚ ወሳኒ ዝኾነ ዓመትን ወሳኒ ከምዝኾነ ኩላትና እንፈልጦ ዓሰርተ ዓመትን፡ ነዛ ዓለምና ንምክልኻል ብሓባር ደው ክንብል ይግባእ'' ክብል ጸዊዑ።
ብኻልእ ዜና ኣብቲ ኣብ ብሪጣንያ፡ ክካየድ ዝጀመረ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ፡ ልዕሊ 100 መራሕቲ ዓለም፡ ኣብ 2030 ብርሰት ኣግራብ ጠጠው ንምባል ታሪኻዊ ስምምዕ ክገብሩ ቃል ኣትዮም ኣለዉ።
እታ ነቲ ዝዓበየ ጫካ ኣማዞን ዝሓዘት ብራዚል ነቲ ስምምዕ ምፍራማ'ውን ተስፋ ሂቡ ኣሎ።
ብምኽንያት ብርሰት ኣግራብ ኣማዞን ብራዚል ስግኣት ክሊማዊ ለውጢ ዓለም ኮይና ጸኒሓ'ያ።
ብርሰት ኣግራብ ድማ ንክሊማዊ ለውጢ ዓብዪ እጃም ከም ዘለዎ ይእመን።
ኣብቲ ኣብ ከተማ ግላስጎ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ፡ መደረ ዘስምዐ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ ንፕላነት ምድሪ ንምድሓን ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ኣለና ስለዘለና ህጹጽ ስጉምቲ ክወስዳ ጸዊዑ።
ብማንዛ ካብ ማዕዶ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ቻይና ብወገኑ፡ ሃገሩ ኣብ 2060 መጠን ካርቦን ናብ ዜሮ ከተውርዶ ምዃና ቃል ክኣቱ እንከሎ፡ ህንዲ'ውን ኣብ 2070 ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምትወስድ ተማባጺዓ'ላ።