ፕረዚደንት ፈረንሳ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ‘ሓሳዊ’ ኢልዎ

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማንኤለ ማክሮን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ስኮት ሞሪስ ውጹእ ሓሳት ከምዝሓሰዎ ንጋዜኛታት ገሊጹ።

ፕረዚደንት ማክሮን "ሞሪስ ዝሓሰወካዶ ይመስለካ?" ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ "ይመስለኒ ዘይኮነስ ኣዳዕዲዑ'ምበር ሓስዩኒ" ኢሉ።

ፖለቲካዊ ፍሕፍሕ ክልቲኤን ሃገራት፡ ኣውስትራልያ ምስ ፈረንሳ ዝነበራ ውዕል ዕድጊ ብኒክለስ ዝንቀሳቐቀሳ ኣዝየን ዘመናያን ወተሃደራውያን ሳብማሪን [ውሽጠ ባሕራዊ መራኽብ] ብምውንዛፍ ምስ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ሓዲሽ ውዕል ድሕሪ ምግባራ እዩ።

ፕረዚደንት ኢማንኤል ማክሮን፡ ኣውስትራልያ ምስ ፈረንሳ ዝነበራ ናይ 37 ቢልዮን ዶላር ውዕል ዕድጊ ምስራዛ ኣዝዩ ከምዘጉሃዮ ገሊጹ ነይሩ እዩ።

እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ሞንጎ ኣውስትራልያን ፈረንሳን ተበጺሑ ዝነበረ ስምምዕ፡ ፈረንሳ ንኣውስትራልያ 12 ዘመናውያን ሳብማሪናት ሰሪሓ ከተቕርበላ እዩ ነይሩ።

እንተኾነ ኣውስትራልያ ነዚ ስምምዕ እዚ ዕሽሽ ብምባል ምስ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ሓዲሽ ውዕል ፈሪማ።

ኣውስትራልያ ምስ ፈረንሳ ዝነበራ ክልትኣዊ ስምምዕ ብሃንደብት ምስራዛ ኣብ ፈረንሳ ብዙሕ ቁጠዐ ክፈጥር እንከሎ፡ ሚኒሰትር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ብዝኣመንካዮ ኣብ ዝባንካ ብስሕለት ከምምውጋእ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።

ኣውስተራልያ ነቲ ምስ ፈረንሳ ዝነበራ ስምምዕ ምስ ሰረዘቶ፡ ፈረንሳ ኣብ ኣመሪካን ኣውስትራልያን ዝነበሩ ኣምባሳደራሰት ክትስሕቦም ከምዝተገደደት ምግላጻ ይዝከር።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይድን ድሕሪ እዚ ክስትት ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ፕረዚደንት ኢማንኤል ማክሮን ብኣካል ኣብ ዝተራኸበሉ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጠረ ነገር ንማክሮን ይቕሬታ ሓቲትዎ።