እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኣውስትራልያን ኣመሪካን ኣንጻር ቻይና ሓዱሽ ወተሃደራዊ ኪዳን ፈሪመን
ቻይና ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ኣውስትራልያን ዝተገብረ ታሪኻዊ ወተሃደራዊ ኪዳን ከም እትቃወሞ ኣፍሊጣ።
ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኣመሪካን ኣውስትራልያን፡ ኣንጻር ቻይና፡ ምዕቡል ናይ ምክልኻል ኣጽዋር ክመቃርሓ ዘኽእል ፍሉይ ጸጥታዊ ውዕል ከምዝኸተማ ተገሊጹ።
እዚ ናይ ሰለስቲኤን ኪዳን፡ ኣውስትራልያ ንመጀመርታ ግዜ ብኑክሌራዊ ጸዓት ዝሰርሓ ሳብማሪን (ትሕተ ማያውያን መራኽብ) ክትዓጥቕ ከኽእላ እዩ።
እቲ ስምምዕ ነቲ ቻይና ኣብ ማያት ደቡባዊ ቻይና ዘለዋ ጽልዋ ንምግታእ ዝዓለመ ምዃኑ ይንገር።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዝሃው ለዢያን ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እቲ ኪዳን "ንዞባዊ ሰላም ኣዝዩ ዝሃስን . . . ቅድድም ምዕባል ኣጽዋር ዘደንፍዕን'ዩ" ክብል ተቓውሞ ሃገሩ ገሊጹ።
"ግዚኡ ዘሕለፈ ናይ ዝሑል ኲናት . . . ኣተሓሳስባ" ክብል'ውን ተዛሪቡ።
ማዕከናት ዜና ቻይና'ውን ነቲ ዝተበጽሐ ወተሃደራዊ ስምምዕ ዝኹንን ሓተታታት ከስምዓ ጀሚረን ኣለዋ።
እቲ ኣውኩስ [Aukus] ዝብል ስም ተዋሂብዎ ዘሎ ስሉሳዊ ኪዳን እዘን ሃገራት፡ ኣብ ሞንጎአን ካብ ዝለዋወጠኦ ምዕቡል ወተሃደራዊ ነገራት፡ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ፤ ናይ ኳንተም ቴክኖሎጂን ሳይበርን ዘጠቓልል እዩ።
ሰለስቲኤን ሃገራት ናይ ቻይና ምዕባለን ኣብ ከባቢታት ኢንዶ-ፓሲፊክ ዘለዋ ህላወን ከምዘሻቐለን እዩ ዝግለጽ።
ድሕሪ እቲ ስምምዕ፡ ኣውስትራልያ ካብ ፈረንሳ ክትዕድገን ሓሲባ ዝነበረት ሳብማሪናት ኣቋሪጻቶ ኣላ።
ፈረንሳ ኣብ 2016 ንኣውስትራልያ 12 ሳብማሪን ንኽትሰርሓላ 50 ቢልዮን ዶላር ዝውድእ ኩንትራት ምዕዋታ ይዝከር።
እቲ ስምምዕ፡ ኣውስትራልያ ንወተሃደራዊ መዓላ ኢላ ካብ ዝሰልዓቶ ዝልዓለ ገንዘብ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
እንተኾነ ፈረንሳ ብሰንኪ ሕጽረታት ገለ ክፋላት ናይ ሳብማሪናት ከምውጥና ብፍጥነት ክትሰርሓን ኣይክኣለትን።
ብረቡዕ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ቦሪስ ጆንሰንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ስኮት ማሪሶንን፡ ኣውኩስ ዝተሰመየ ስሉሳዊ ወተሃደራዊ ስምምዕ ከምዝኸተሙ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም።
ኣብቲ ሓባራዊ መግለጺ "እቲ ስምምዕ ኣብ ኢንዶ-ፓሲፊክ ምርግጋእ ዝፈጥርን፡ ኣብ ሞንጎና ዘለዉ ክብርታትን ረብሓታትን ንክድንፍዕ ዝሕግዝን እዩ" ዝብል ይርከቦ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ብወገኑ፡ ሰለስቲኤን ሃገራት ካብ ቀደምን ንሓድሕደን ዝተሓባባራ ምንባረን ብምግላጽ "እዚ ስምምዕ እዚ ኸኣ ዝያዳ ንኽቀራረባ ዝሕግዝ እዩ" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ብምስዓብ "እዚ ኪዳን እዚ ናይ ሓባር ረብሓታትን ንኽንከላኸልን ኣብ ገዝኦም ዝርከቡ ህዝብና ንኽንዕቕብን ሓጋዚ እዩ" ኢሉ።
እቲ ብሓባር ዝወጽአ መግለጺ፡ ከባቢ ኢንዶ-ፓስፊክ መዓልቦ ዘይተገበረሎም ናይ ዶባት ጸገማት፤ ስግኣታት ናይ ግብረሽበራን ዝተውሃሃደ ገበናት ዝካየደሉን ከባቢ ከምዝኾነ ብምጥቃስ "እዚ ቀንዲ ቅድመ ግንባር ናይ ጸጥታ ብድሆታት እዩ" ይብል።