ጃፓን፡ ብትሕቲ ባይታ ኣብ ትኸይድ ዝነበረት ባቡር ብዘጋጠመ ናይ ካራ መጥቃዕቲ 17 ሰባት ተሃሪሞም

ኣብ ጃፓን፡ ኣብ ውሽጢ ትሕቲ ባይታ ኣብ እትኸይድ ዝነበረት ባቡር ብዘጋጠመ ናይ ካራን ሓውን መጥቃዕቲ 17 ሰባት ከም ዝተሃረሙ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

ፖሊስ ንሓደ ኣብ ፊልም ባትማን ልክዕ ከም ጆከር ዝተባህለ ገጸባህሪ ዝመስል መመላኽዒ ተኸዲኑ ዝነበረ ወዲ 24 ዓመት ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎ ኣሎ።

እቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ናብ ጽንብል 'ሃሎዊን' [ዕለተ ትንሳኤ ሙታን] ኣብ ዝኸድሉ ዝነበሩ እዋን'ዩ ኣጋጢሙ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ጥርጡር ኣብቲ ሓንቲ ባጎኒ [ተጎታቲት ባቡር] ፈሳሲ ብምኽዓው ሓዊ ወሊዑላ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ተሳፈርቲ ካብቲ ባርዕ ንምህዳም ንሓድሕዶም ክጸቃቐጡን ብመስኮት ናይታ ባቡር ክወጽኡን ይርኣዩ።

እቲ መጥቃዕቲ ብኣቁጻጽራ እቲ ኸባቢ ልክዕ ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ከተማ ቶክዮ ካኩርዮ ኣብ ዝብሃል መጸበዮ ባቡር'ዩ ኣጋጢሙ።

እቲ ጥርጡር ኸኣ ወይናውን ቀጠልያን ክዳን ተኸዲኑ ነይሩ።

ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንጋዜጣ ዮሚሩ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት "መጀመርታ ናይ ሃሎዊን ምርኢት'ዩ መሲሉኒ ነይሩ፤ ድሒረ ግን ካራ እናኣወዛወዘ ብቀስታ ናባና ገጹ ክመጽእ ርኢየዮ" ኢሉ።

ማዕከን ዜና ኤፒ'ውን ንመደበር መጥፋእቲ ሓዊ ከተማ ቶክዮ ብምጥቃስ፡ ካብቶም ዝተሃረሙ እቶም ሰለስተ ኣዝዮም ዝተሃሰዩ ከም ዝኾኑ ገሊጾም።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብወገነን፡ ሓደ ብኻራ ዝተሃረመ ሽማግለ ኣብ ዕውለት [ኮማ] ኣትዮ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ ባቡር ብገለ ተሳፈርቲ ዝተሳኣለ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ተሳፈርቲ ካብቲ ብኻራ ንተሳፈርቲ ዝወግእ ዝነበረ ውልቀሰብ ንምህዳም ካብ ባቡር ብመስኮት እናነጠሩ ይርኣዩ።

ሓደ ካብቶም ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝሰኣለ ሹንከን ኪማር ንማዕከን ዜና ኤንኤችከይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘሰንብድ'ዩ" ድሕሪ ምባል "መዓጹ ናይታ ባቡር ተዓጽዩ እዩ ነይሩ፤ እንታይ ክንገብር ከም ዝነበረና ኣይንፈልጥን ኢና። እታ ሓንቲ ዝነበረትና ኣማራጺ ብመስኮት ምንጣር'ያ" ኢሉ።

እቲ ተጠርጢሩ ብፖሊስ ዝተተሐዘ ሰብ ንሰብ መዚ "ሰብ ክቐትል'ሞ ንሞት ክፍረድ እየ ዝደሊ" ምባሉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።

ኣብ ጃፓን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተደጋጋሚ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ክርኣ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 10 ሰባት ናይ ካራ መጥቃዕቲ ከም ዘጋጠሞም ዝዝከር እዩ።

ኣብ 2019'ውን ሓደ ውልቀ ሰብ ኣውቶቡስ ኣብ ዝጽበዩ ዝነበሩ ተማሃሮ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ክልተ ክቀትል እንከሎ ብውሕዱ 18 ኣቑሲሉ።