እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጃፓን፡ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ጠጠው ዘበለት ሰዓት ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ዳግም ክትቖጽር ጀሚራ
ኣብ 2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ብምኽንያት ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስራሕ ኣቋሪጻ ዝነበረት: ናይ ሓደ ሚእቲ ዓመት ዕድመ ዘለዋ ሰዓት ጃፓን፡ ኣብዚ ዓመት ድሕሪ ዘጋጠመ ካልእ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክትቖጽር ጀሚራ።
እዛ ሰዓት ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ቡድሂስት እያ ትርከብ።
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ ሰሜን ምብራቓዊ ደሴት እታ ሃገር ዝተላዕለ ኣዝዩ ሓደገኛ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 18 ሽሕ ሰባት ቀቲሉ።
እታ ታሪኻዊት ሰዓት'ውን ምቑጻር ጠጠው ኣቢላ።
ዋንኣ ቡንሹን ሳካኖ እዚ ኹሉ ዓመታት ክጽግና ላሕ እንተበለ፤ ክሰምረሉ ኣይክኣለን።
ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ራዕዲ መሬት ግን ሰዓተይ ክትቖጽር ጀሚራ ኢሉ ኣሎ።
ጋዜጣ ማኒቺ ሺምቡን ከም ዝጸብጸበቶ፡ እቲ ቤተ መቕደስ ሚያጊ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ዞባ ጃፓን እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ገምገም ባሕሪ ቁሩብ ኣማኢት ሜትራት ፍንትት ኢሉ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ብምኽንያት እቲ ከቢድ ምንቅጥቃጥ መሬት ዓንድታቱን ናሕስታቱን ጉድኣት በጺሑዎ።
ድሕሪ'ቲ ሓደጋ ዋና እታ ሰዓት ዝኾነ ሓላፊ እቲ ቤተመቕደስ ቐሺ ሳካኖ ነታ ሰዓት'ዩ ኣድሒኑ።
ሕድሳት ክግበረላ'ኳ እንተገበረ ክትሰርሕ ግን ኣይክኣለትን ጸኒሓ።
ድሓር፡ ብ13 ለካቲት 2021 ካልእ ሓያል ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ።
ሕጂኸ እቲ ቤተመቕደስና ከመይ ኢሉ ይኸውን ኢሉ ድሃይ ክገብር ዝኸደ ቐሺ ሳካኖ፡ ድምጺ ቖጻሪት እታ ሰዓት ሰሚዑ፤ ዘንጊ እታ ሰዓት ከኣ ክትነቀሳቐስ ርኣያ።
እታ ሰዓት ምስራሕ ካብ እትጅምር ክልተ ወርሒ ገይራ ኣላ።
ሳካኖ፡ ኣብ 2011 ብጨረታ ክገዝኣ እንከሎ፡ ኣፍራዪ እታ ሰዓት ንጋዜጣ ማኒቺ ሺምቡን ኣብ ዝሃቦ ቃል "ሃንደበት ብምንቅጥቃጥ መሬት ጠጠው ዝበለ ዘንጊ ሰዓት ዳግም ክጅምር ተኽእሎ ኣለዎ'ዩ፤ ወይ'ውን ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ዶሮና እናፎኸሰ መጺኡ'ውን ክኸውን ይኽእለ'ዩ" ኢሉ።
ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብቲ ቤተ መቕደስ ወለንታዊ ኣገልግሎት ክህብ ዝጸንሐ ወዲ 58 ዓመት ዋና እዛ ታሪኻዊት ሰዓት፡ "እዚ ሓድሽ ምትብባዕ ፈጢሩለይ'ዩ" ኢሉ።