እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቀላይ ድሕሪ ምውዳቓ ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝተረኽበት ቴለፎን ዳግም ትሰርሕ
ኣብ ታይዋን ኣብ ዝሓለፈ 56 ዓመታት ዝኸፍአ ምዃኑ ዝተነግረሉ ድርቂ ንሓደ ካብ ፍሉጣት ቀላያት እታ ሃገር ከም ዝነጽፍ ክገብር እንከሎ እንተወሓደ ንሓደ ሰብ ግና ጽቡቕ ዜና ኣምጺኡ ኣሎ።
እቲ ቸን ዝተባህለ ሰብ ቅድሚ ዓመት ኣብቲ 'ሳን ሙን' ዝበሃል ቀላይ እናንሳፈፈ ተንቀሳቓሲ ቴሌፎኑ ከም ዝወደቐቶ ይዛረብ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግና፡ ሓደ ሰራሕተኛ ደዊሉ ቴሌፎኑ ብጭቃ ተሸፊና ከም ዝተረኽበት ነገሮ።
ብቕልጡፍ ናብቲ ስፍራ ብምኻድ ቴሌፎኑ ዝተረከበ ቸን፡ ሳላ እቲ ዝነበራ ማይ ዘየሕልፍ መሸፈኒ ክትሰርሕ ከም ዝኸኣለት ሓቢሩ።
ኣብታ ብሕጽረት ማይ ትሳቐ ዘላ ምብራቕ እስያዊት ደሴት፡ ዛንታ ናይ ቸን ሳሕቲ ዝስማዕ ጽቡቕ ወረ ኮይኑ ኣሎ።
ቀላይ 'ሳን ሙን' ኣብ ዝሓለፈ 50 ክሳዕ 60 ዓመታት ዝተሓተ መጠን ማይ ኣብ ዝሓዘሉ እዋን ከም ዝርከብ እቲ ነታ ቴሌፎን ዝረኸበ ሰራሕተኛ ሓቢርዎ ከም ዝነበረ ቸን ይዛረብ።
ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝደረቐን ዝነቕዐን ክፋላት እቲ ቀላይ ዝወሰድዎ ስእልታት ይልጥፉ ኣለው።
ናብታ ሃገር ዝነፍስ ህቦብላ ምንጪ ዝናብ እታ ደሴት ኮይኑ፡ ኣብዚ ዓመት ታይዋን ዋላ ሓደ ህቦብላ ከይረኣየት እያ ንቑጽ ወቕቲ ኣርኪቡዋ።
እዚ ድማ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘበን ዘየተጋጠመ ተርእዮ እዩ።
በዚ ምኽንያት ኣብ ከተማታት ታይቹን፡ ምያኦሊን ሰሜናዊ ክፋል ዞባ ቻንጉዋን ዝርከቡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣባይቲ ማይ በብእብረ ክረኽቡ ይግበር ኣሎ።
ብዘይካ'ዚ ኣብያተ ጽባቐ ጸጉሪ ከይሓጽቡን፡ ጋራዣት ኣገልግሎት ምሕጻብ መካይን ከይህቡን ተኸልኪሎም።
እቲ ሕጽረት ማይ ንኢንዱስትሪ መፍረ ማይክሮቺፕ እታ ሃገር ብኣሉታ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ይግለጽ።
ማይክሮቺፕ ኣብ ምስናዕ ቴለፎናትን ኮነ ኮምፕዩተራትን ዝርከብዎም ኤሌክትሪካዊ ኣቕሑት ኣገዳሲ ባእታ ብምዃኑ፡ ብደረጃ ዓለም ሕጽረት ከየጋጥም ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።