እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓይልታት ትግራይ 'ኣብ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ግስጋሰኦም’ጠጠው ከብሉ ኣመሪካ ጸዊዓ
ሓይልታት ትግራይ ብፍላይ ናብ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ዝገብርዎ ግስጋሰ ጠጠው ከብሉን ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽኡን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጸዊዑ።
ወሃቢ ቃል ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ፡ ትማሊ 21 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንሃገሩ ከምዘሻቕላ ገሊጹ።
ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ንእትርከብ ስትራተጂካዊት ከተማ ደሴ ከምዝተቖጻጸሩዋ ይገልጹ። መንግስቲ ፌዴራል ግን፡ እታ ከተማ ኣብ ኢድ ሰራዊቱ ከምዘላ እዩ ይሕብር።
ካብ ነበርቲ ከተማ ደሴ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ግን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሓይልታት ትግራይ ካብ 'ጦሳ ተራራ' ወሪዶም፡ ብ'ሰኞ ገበያ'፣ 'ተቋም'ን 'ሳላይሽን' ብዝበሃሉ ከባብታት እታ ከተማ ክሓልፉን ኣብ ማእከል እታ ከተማ ክንቀሳቐሱን ከምዝረኣዩ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣመሪካ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ከተማታት ከቢድ ኣጽዋራት ከይጥቀሙ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ከተማ መቐለን ካልኦት ከተማታት ትግራይን ዘካይዶ ደብዳባት ጠጠው ከብል ጸዊዑ።
ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ንሻድሻይ ግዜ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፋሪት፡ ሽድሽተ ሰባት ሽዑ ንሽዑ ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ዓይደር ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
ብተመሳሳሊ ኣብቲ ቅድም ክብል ዝተፈጸመ ደብዳብ ደቂ ሓደ ስድራ ዝኾኑ ሰለስተ ህጻናት ከም ዝተቐትሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምርግጋጹ ይዝከር።
እቲ [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] ጥቅምቲ 24 ሓደ ዓመት ዝመልኦ ኲናት ትግራይ ኣሸሓት ክሞቱን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ድማ ክፈናቐሉ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።
ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር፡ ኣመሪካ ወታደራዊ ጎንጺ ፍታሕ ከምዘየምጽእን ደጋጊማ ዘፍለጠት ኮይና፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ መግለጺ’ውን ኩሎም ወገናት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ-ኩነታት ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ተኩሲ ጠጠው ክብሉን ደጊማ ኣተሓሳሲባ ኣላ።
እቲ መግለጺ፡ ኣብ ሰለስቲኦም ክልላት ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሰላማውያን ዜጋታተት ንምሕጋዝ ድልውቲ ምዃና፡ እንተኾነ ግና ሰብኣዊ ረድኤት ከይሓልፍ ኮነ ተባሂሉ ምኽልካሉ ስግኣት ከምዝፈጠረ ወሲኹ ኣብሪሁ።
ኣብ ትግራይ ኣስታት 900 ሽሕ ዝኾኑ ነበርቲ ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዖም ከምዘለዉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መድሓኒት፣ ነዳዲን ንትካላት ረድኤት ዝውዕል ገንዘብን ከይሓልፍ ከልኪሉ ከምዘሎ’ውን ወቒሱ።
ኣብቲ ኲናት ተሳተፍቲ ዝኾኑ ወገናት፡ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ሰብኣዊ ረድኤት ክሓልፍ ክፈቕዱን ከመቻችዉን ኣመሪካ ጸዊዓ።
ከምኡ’ውን እቶም ተሳተፍቲ ኣካላት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ካብ ምፍጻም ክቑጠቡን ዓለምለኻዊ ድንጋገታት ኣኽቢሮም ክንቀሳቐሱን ከምኡ ድማ ገበናኛታት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ ከምዝግባእ ኣፍሊጣ።