ዕስራ ዓበይቲ መራሕቲ ዓለም ብዛዕባ ክሊማን ኮቪድ-19ን ይዝትዩ ኣለው

ድሕሪ ለቨዳ ኮቪድ፡ ንመጀመርታ እዋን መራሕቲ እተን ብG20 ዝፍለጣ ብቑጠባ ዝሃብተማ ሃገራት ዓለም ትማሊ 30 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ሮማ -ኢጣልያ ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ብዛዕባ ኮቪድን ክሊማን ይዝትዩ ኣለው።

ይኹን እምበር፡ መራሒ ቻይና ሺ ጂንፒንግን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ከካብ ቤተ መንግስቶም ብማንዛ ርክብ ብቪድዮ እዮም ዝሳተፉ ዘለው።

እቲ ኣኼባ፡ ‘ነዳዲ ዓለም ቀንዲ ጠንቂ ብከላ ስለዝኾነ ክጎድል ኣለዎ’ ዝበሃለሉ ዘሎ ግዜ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ብከላ ኣየር ብዛዕባ መጻኢ ወለዶ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ስለዘሎ ነብሲ ወከፍ ሃገር ብዝቐልጠፈ ግዜ ናብቲ ውሑስ ዝበሃል ካብ ንፋስን ጸሓይን ዝርከብ ምንጪ ጻዓት ክትሰግር ጻውዒትን ምሕጽንታን ይግበር ኣሎ።

እተን ብ19 ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ዝቖማ ሃብታም ሃገራት ዓለም፡ 80% ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ካርቦን ዳይኦክሳይድ የመንጭዋ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ለውጢ ኩነታት ኣየር "ንደቂ ሰብ እቲ ዝዓበየ ስግኣት" ከም ዝዀነ ብምግላጽ ፡ "ንስልጣነን ብልጽግናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ዘሰምብድ ዕንወት ከኸትል ከምዝኽእልን" ሓቢሩ።

ኣኼባ ጉጅለ ዕስራ ኮነ እቲ ኣብ ግላስኮ ዓባይ ብሪጣንያ ዝግበር ኮፒ-26 ዝተሰምየ ኣኼባ፡ ንምውሳኽ ሙቐት ዓለም ደው ከብሎ ከም ዘይክእል እኳ እንተ ተኣመነ፡ ግቡእ ስጉምቲ እንተ ተወሲዱ ግና፡ "ነቲ ዝውስኽ ዘሎ ሙቐት እዛ ፕላነት ክንክዮ ይኽእል እዩ " ኢሉ ።

እቲ ብጉጅለ-20 ዝተዳለወ ረቂቕ፡ እቲ 1.5C (2.7F) በጺሑ ዘሎ ሙቐት ዓለም ንምንካዩ ክሰርሕ ምዃኑን ኩለን ሃገራት ትርጉም ዘለዎ ውጽኢታዊ ንጥፈታት ከምዘድልየን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ይሕብር።

እቲ ረቂቕ ኣዋጅ እተን ዝማዕበላ ሃገራት ነተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ጸገማት ኩነታት ኣየር ንምፍታሕ ክሳብ 2025 ካብ ህዝባውን ብሕታውን ምንጭታት ዓመታዊ 100 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ከምዘድሊ፡ ግን ከኣ ክሳብ 2009 እተን ሃብታማት ሃገራት እቲ ዝተነብረለን ሓደራ ክፍጽማ ከምዘይከኣላ ይጠቅስ።

ካልእ እንታይ ተዘትይሉ?

ኮቪድ፡ ማዕርነታዊ ክታበት ኣብ አእምሮ ኩሎም መራሕቲ ዓለም ከምዝህሉ ርዱእ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ማርዮ ድራጊ፡ ክሳብ ሕጂ ካብቲ ንመላእ ዓለም ዘድልን ዛጊት ክወሃብ ዝጸንሐ ልዕሊ ሽዱሽተ ቢልዮን ዶዝ ክታበት ኮቪድ ዛጊት 3% ጥራሕ ናብ ድኻታት ሃገራት ምኻዱ "ብሕልናን ስነ-ምግባርን ቅቡል ኣይኰነን" ኢሉ ።

ክሳብ መፋርቕ ዝመጽእ ዓመት 70% ካብ ህዝቢ ዓለም ክታበት ንኽረኽቡ ኩላትና መራሕቲ "ዝከኣለና ኩሉ ንግበር" ክብል ተላብዩዎም።

ቀረጽ ፥ እቲ ጉጅለ ብ140 ሃገራት ዓለም ዝተደገፈ ብዓለም ደረጃ ዝተሓተ መጠን ትካላዊ ቀረጽ እንተወሓደ 15% ክኽትም ትጽቢት ይግበረሉ።

እቲ ኣብ 2023 ክውን ክኸውን ዝጽውዕ ሰነድ ሓበራዊ ስምምዕ (ረቂቕ ኮምዩኒኬ) እተን ኣብኡ ዝተኣከባ ሃገራት ብዛዕባ እዚ ውጥን ሰፊሕ ምርድዳእ ገይረን ኣለዋ።

ኢራን፣ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ባይደን፣ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሚስተር ጆንሰን፣ ከምኡ ድማ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮንን ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከልን፡ ብዛዕባ ኑክሌራዊ ሓይሊ ጉዳይ ኢራን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ንምምይያጡ እዮም ተባሂሉ።