ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝተቖጻጸርዎ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን 482 ቀቲሎም ክብል መንግስታዊ መርማሪ ጉጅለ ከሲሱ

ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብቶም ዝተቖጻጸርዎም ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልዕሊ 482 ሲቪላውያን ሰባት ቐቲሎም ክብል ኣኽባሪ ሕጊ ኢትዮጵያ ከሲሱ።

ብክፍሊ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ሚኒስትሪ ፍትሒን ፖሊስ ፈደራልን ዝቖመ መርማሪ ጉጅለ ኣብ ክልቲኦም ክልላት ድሕሪ ዝገበሮ ምጽራይ ሓደ ጸብጻብ ኣውጺኡ'ሎ።

ብዘይካ'ዚ፡ 165 ሰባት ኣካላዊ ጉድኣት ከምዝወረዶምን ኣብ 109 ሰባት ጾታዊ ዓመጽ ከምዝበጽሐን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ብወገን ሓይልታት ትግራይ ነቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ግብረመልሲ'ኳ እንተዘየለ፡ ንሰላማውያን ሰባትን ህዝባዊ ትካላትን ዒላማ ከም ዘይገብሩ'ዮም ክገልጹ ጸኒሐም።

ብሰንኪ ምቁራጽ ስሩዕ መስመራት መራኸቢታት፡ ብዛዕባ ኣብቲ ብኲናት ዝተጸልወ ከባቢታት ዘሎ ኩነታት ብናጻ ኣካል ምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።

ኩሎም ኣብቲ ኲናት ክሳተፉ ዝጸንሑ ወገናት ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ተሓለቕቲ ጉጅለታት ይኸሱ።

እቲ ኲናት ምስ ተወልዐ ነቲ ኣብ ትግራይ ተኻይዱ ዝብሃል ግፍዕታትን ምግሃስ መሰላትን ንምጽራይ ብኮሚሽን ሰባዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ክካየድ ዝጸንሐ ሓባራዊ መርመራ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ክወጽእ ትጽቢት ይግበር።

እቲ መርመራ ብኸመይ ተኻዪዱ?

እቲ ዝተኻየደ መርመራ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ፣ ፖሊስ ፈደራል ከምኡ'ውን ዝምልከቶም ክልላዊ ኣካላት ዝተሳተፍዎ ምንባሩ ተገሊጹ።

እቲ ዝብሃል ዘሎ ገበናት፡ ሰራዊት ፈደራል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ካብ መቐለን ዝበዝሕ ከባቢታት ክልል ትግራይን ብምውጻእ "በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት" ከም ዝገበረ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ኣብ ዝቐጸሉ መጥቃዕትታት ሓይልታት ትግራይ ዝተፈጸሙ ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

እቲ መርመራ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ደቡብን ሰሜንን ጎንደር ዘተኮረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ጋሊኮማን ከባቢታት ፈንቲረሱ ዞን ዝተገብረ ምንባሩ እቲ ጉጅለ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ መርመራ ምስክርነቶም ዝሃቡ ሰባት፡ ኣብ ደቡብ ጎንደር ካብ 790 ንላዕሊ፣ ኣብ ሰሜን ጎንደር 285፣ ኣብ ክልል ዓፋር ድማ 148 ምንባሮም ተገሊጹ።

ነቲ ገበናት ዘረጋግጽ ብሰነዳት ዝተሰነየ መርትዖታት ከም ዝረኸበ'ውን እቲ ጉጅለ ሓቢሩ'ሎ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ሰሜን ጎንደር ጥራይ 96 ሰባት ተቐቲሎም 53 ቆሲሎም 29 ድማ ጾታዊ ዓመጽ ወሪድዎም ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ንብረት'ውን መጠነ-ሰፊሕ ዝምታን ዕንወትን ከም ዘጋጠመ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

ኣብ ደቡብ ወሎ ኣብ ዝርከባ ሓሙሽተ ወረዳታት ከኣ፡ 257 ሰባት ሞይቶም 54 ቆሲሎም 73 ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺምወን።

ኣብ ክልል ዓፋር'ውን 257 ሰባት ምውታት፡ 59 ቁሱላት፡ 7 ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝበጽሐን እቲ ጉጅለ ጠቒሱ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ሓይልታት መንግስትን መሻርኽቶም ዝኾኑ ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ኤርትራን'ውን ኣብ ክልል ትግራይ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝቐተሉ ሓይልታት ትግራይን ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላትን ክኸሱ ምጽንሖም ይዝከር።

እዋናዊ ምዕባለታት ናይቲ ሕጂ'ውን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት

ኣብቲ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝቐጸለን ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመን ኲናት ትግራይ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምቕታሎም ይግለጽ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ደቡብ ወሎ፡ ከባቢ ከተማ ደሴ ውግእ ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ።

በቲ ኩነታት ዝሰግኡ ብዙሓት ነበርቲ ካብታ ከተማ ከምዝወጹ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብታ ከተማ ቀሪቦም ዘለዉ ሓይልታት ህወሓት ህዝቢ ክረጋጋእን፡ ሲቪላዊ ነፈርቲ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኮምቦልቻ ከይዓልባን ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ከካይዶ ዝቐነየ ደብዳብ ነፈርቲ ትማሊ'ውን ቀጺልዎ ውዒሉ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝኾነ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ኣብታ ከተማ ደብዳብ ከም ዘኻየደ ኣረጋጊጹ ነይሩ።

"ኣባላት ክልተ ምሉኣት ስድራቤታት ካብቶም ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን እዮም" ዝበለ ጌታቸው፡ እተን ነፈርቲ ውግእ ኣብቲ መንበሪ ኣባይቲ ዘለዎ ከባቢ ደብዲበን ኢሉ።

መንግስቲ ግን ዒላማ ናይቲ ደብዳብ "ህወሓት ወተሃደራዊ ኣጽዋር ዝጽግነሉ" ትካል ምንባሩ'ዩ ዝገልጽ።

እቲ ግጭት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ጥምየትን ሞትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።

ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ንሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ዓውደ-ኲናት ዝቐየረ ግጭት ብሰላማዊ ዘተን ምቁራጽ ተጻብኦታትን ክፍታሕ'ኳ እንተጸውዐ፡ ክሳብ ሕጂ ፍረ ዘምጽኡ ተበግሶታት ኣይተርኣዩን።