ቅልውላው ትግራይ፡ ምዕራባውያን ስለምንታይ እዮም ምስ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ተፋጢጦም?

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዘለዎ ርክብ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ስለዘንቆልቆለ፡ ነቶም ካብ ኣኽራት ትግራይ ዝገስገሱ ተቓወምቱ ንምጭፍላቕ ሓደስቲ መሻርኽቲ የናዲ ኣሎ።

ኣመሪካን ኤውሮጳን ነቲ ዳርጋ ንዓመት ዝቐጸለ ንኢትዮጵያ ከም ዩጎዝላቭያ ፋሕ ፋሕ ከየብላ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ ደው ንምባል ንመንግስትን ነቲ ቀንዲ ተቓዋሚኡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ከቢድ ማዕቀብ ከጽንዓ ይሓስባ ኣለዋ።

ስለዝኾነ ከኣ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ካልኦት መሻርኽቲ ቁሊሕ ዝብል ዘሎ ይብል እቲ ኣብ ኖርወይ ኣብ ዝርከብ ናይ ኦስሎ "ኒው ዩኒቨርስቲ ኮሌጅ" ናይ ግርጭት መጽናዕቲ ዘካይድ ፕሮፌሰር ሼቲል ትሮንቮል።

"መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኵናት ብዘይ ምዕራባውያን ክገብሮ ዝኽእል ኰይኑ እዩ ዝስምዖ። ካብ ኢራን፡ ቱርኪን ቻይናን ኣጽዋር፡ ካብ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ውሑድ ዝወለዱ ልቓሕ፡ ካብ ሩስያን ቻይናን ከኣ ፖለቲካዊ ዕቑባ ክረክብ ይኽእል እዩ" ይብል ትሮንቮል ነቲ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንውግእ ሓድሕድ ብዝምልከት ክወስዶ ዝሓሰበ ውሳነ ንዝተቓወማ ሩስያን ቻይናን ብምዝካር።

ኣስዒቡ ትሮንቮል፡ ዋላ'ኳ ወግዓዊ መረጋገጺ እንተዘየሎ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኢራናንን ቱርክን ብዝተሰርሓ ድሮን፡ ንጸብለልታ ውግእ ንምጭባጥ ተስፋ ብምግባር ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ዝገልጽ ዘተኣማምን ጸብጻብ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኣገዳሲ ጉዳይ ጸጥታ

ኣብ ካናዳ ዝመደበራ ተንታኒት ኩነታት ኢትዮጵያ ኣኒ ፊዝ-ጀራልድ ፡ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ "ተሪር ስጕምቲ" ክወስዳ ከምዝኽእላ ምግላጸን ከም ዘሻቐላ ሓቢራ።

"ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ጐድኒ ሕጋዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን በቲ ኵናት ዝተጸልዋ ሰለስቲአን ዞባታት [ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን] ደው ክብልን፡ ነቲ ህወሓት ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዒ ክኹንኖን ዕጥቁ ከውርድ ክጽውዕን ኣለዎ " ትብል ፕሮፌሰር ፊዝ-ጀራልድ።

ፕሮፈሰር ትሮንቮል፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣብ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ እስላማዊ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ዘሰክፈሉ መስመር ቀይሕ ባሕርን፡ ምንጪ ስደት ዝኾነ ከባብን ስለእትርከብ ቀንዲ ናይ ጸጥታ ዓንድን ከም "ናይ ቀረባ ስትራተጂካዊ መሻርኽቲ" ይርእየኦ ምንባረን ገሊጹ ።

"እንተኾነ እቲ ውግእ ምስ ጀመረ ኣመሪካን ኢውሮጳን ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ህልቂትን ዝሰዓበ ጥሜትን ርክቦም እናሓርፈፈ ምምጽኡን " ፕሮፌሰር ትሮንቮል ወሲኹ ገሊጹ።

ሰበ-ስልጣን ው.ሕ.ሃ. ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብመንግስቲ ፈደራል እተበየነ ዕጽዋ ንገበርቲ ሰናይን ኣቕርቦት ረድኤትን ስለዝደረተ ኣስታት 400,000 ዝዀኑ ሰባት ብጥሜት ይሳቐዩ ኣለው።

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፋሲል ሮቤል፡ እቲ መንግስቲ ኣቀራርብኡ እንተ ዘየመሓይሹ፡ ሃገራት ምዕራብ ካብ ሱዳን ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ኮሪደር ብምፍጣር ወይ ከኣ መግብን መድሃኒትን ብቐጥታ ናብቲ ብኲናት ዝተሃስየ ዞባ ብነፈርቲ ንኪበጽሕ ክእውጃ ከም ዝኽእላ ገሊጹ ።

እንተኾነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመደበሩ ዉሂበእግዜር ፈረደ ዝተባህለ ካልእ ተንታኒ ግን "ሰብኣዊ ሃጸያዊ ጸቕጥን" ከምኡውን "ዘይተገደበ" ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ከይግበርን ኣጠንቂቑ ።

ኣብ ክንድኡ ፌደራላዊ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ግዳያት ጥሜት ረድኤት ምእንቲ ኸብጽሕ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ጸቕጢ ክግበር ኣለዎ ይብል።

"ማሕበረሰብ ዓለም ብትግራይ ጥራይ ዘይኮነስ በተን ህወሓት ውግእ ብምኽፋት ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩለን ዘሎ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እውን ክሓስብ ኣለዎ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ ።

ኣስተናዓቒ ዲፕሎማሲ

ናይ ኤውሮጳ ሓላፊ ፖሊሲ ጆስፕ ቦረል ብ18 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ናይ ምዕባለ ሓገዝ ክቕጽል እኳ እንተኾነ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት መርመራኡ ምስ ኣጠናቐቐ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለው ጉጅለታት እገዳ ክገብር መዲቡ ኣሎ።

"ትግራይ፡ በቶም ንኩናት ከም ኣጽዋር ተጠቒሞም ገበናት ኩናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ዘካይዱ ዕጡቓት ጉጅለታት ብዝፍጽምዎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ትዳቐቕ ኣላ" ኢሉ ።

ፕሮፌሰር ትሮንቨል፡ ምምሕዳር ኣመሪካ ፕረሲደንት ጆ ባይደን በዞም ዝስዕቡ ስጉምትታት ጸቕጢ ክገብር ይፍትን ከምዘሎ ሓቢሩ።

• እቲ ኣብ ትግራይ እተፈጸመ ግፍዒ ከም ጃምላዊ ቅትለት ክቑጸር ዝኽእል ምዃኑን ዘይምዃኑ ንምርግጋጽ "ሕጋዊ መርመራ" ክግበር ኣዚዙ ኣሎ

• ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ዓለማዊ ባንክ ገለ ካብቲ ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ልቓሕ ደው ከብሉዎን ከምኡ እውን

• ንኢትዮጵያ ካብ ዝርዝር ናይተን ንዕቤትን ዕድላትን ኣፍሪቃ ብማለት ካብ ዕዳጋታት ኣመሪካ ግብሪ ኣልቦ ኣቑሑ ዝረኽባ ሃገራት ንምእላያ ይሓስብ ኣሎ፡ እዚ ድማ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዓቢ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሃስያ እዩ።

ፕሮፌሰር ትሮንቮል፡ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ውግእን ጸቕጥን ንምውጋድ ምስ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዲፕሎማስያዊ ምትዕጽጻፍ ኣብ ክንዲ ዝገብር ብኣንጻሩ እዩ ዝኸውን ዘሎ" ይብል።

ፕሮፌሰር ትሮንቮል፡ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ኣብ መላእ ዓለምን ኣብ ጎረባብታ ሃገራት እታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ቊጠባዊ መመንጨዊ ጸዓት እትውንን ኬንያን፡ እታ ምስ ኢትዮጵያ ብህንጸት ግድብ ህዳሰን ምንካይ ዋሕዚ ማይ ፈለግ ኒልን ኣብ ምስሕሓብ ዘላ ግብጽን ከይተረፈ ኣስታት 30 ዲፕሎማስያዊ ተልእኾታት ምዕጻውን ምጉዳሉን ኣመልኪቱ እዩ ተዛሪቡ።

"ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪቃ እታ ዝዓበየትን ዝሓየለን ዲፕሎማስያዊ መሰረት ዝነበራ ሃገር እያ። እዚ መንግስቲ ግን ብዙሕ ለውጢ ገይሩ ኣሎ" ይብል ፕሮፌሰር ትሮንቮል ።

ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝነብር ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓብዱራሕማን ሳይድ፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ገንዘብ ንምቝጣብ ናብ "ዲጂታላዊ ዲፕሎማሲ" ይግዕዝን ብኡ ኣቢሉ ከኣ ደገፍቲ ሓይልታት ትግራይ ንዝኾኑ ዲፕሎማስያዊ ተልእኾታት ንምእላይን እዩ" ይብል።

"ምዕራባውያን ሃገራት ንኢትዮጵያ ኣይርድእዋን ዘለው። ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ማዕቀብ ንክግበር ብምፍርራሕ ንህወሓት የተዓባብዩዎ ኣለው "ይብል ኣቶ ሳይድ ።

ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ክመሃሩ ይግባእ። እቲ ሕብረት ንሕግታት ፈደራላዊ መንግስቲ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣኽቢሩ እዩ ዝኸይድ።

ፕሮፌስር ትሮንቮል ግን እቲ ኣመሪካን ኢውሮጳን ዝገብረኦ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ፡ መንግስትን ህወሓትን ተጻብኦታትን ተዅስን ብምቁራጽ ሰለማዊ ዝርርብ ንኸካይዱ ብምሕሳብ ምዃኑ ገሊጹ ።

ተሸላሚ ኖቬል ዶክተር ኣቢዪ ንሕቶ ሽምግልና ተሸላሚት ኖቬል ፕረዚደንት ላይቤርያ ነበር ኤለን ጆንሰን ድሕሪ ምንጻጉ ሕብረት ኣፍሪቃ ንናይ ናይጄርያ ፕረዚደንት ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆን ፍሉይ ናይ ሰላም ልኡኽ ገይሩ ሸይሙዎ ኣሎ።

"ህወሓት ንሽምግልና ኣባሳንጆ ሓንጐፋይ ኢሉ እኳ እንተተቐበሎ ምስ ዶክተር ኣቢይ ተመሳሳሊ ሃይማኖታዊ እምነት ስለዘለዎም ቁሩብ ይጠራጠር እዩ። ኣብ ርእሲኡ ከኣ ክሳብ ሕጂ ኣብ መስርሕ ሰላም ኣይተሳተፈን" ይብል ፕሮፌሰር ትሮንቮል።

ኣብ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስታት ዝነበሩ፡ ኣሌክስ ሮንዶስን ማርክ ሜዲሽን ብሓባር ኣብ ዝጸሓፍዎ ፖለቲካዊ መጽሔት ነቲ ግጭት ደው ንምባል ዝግበር ጻዕሪ እንተ ዘይተዓዊቱ ኢትዮጵያ ከም ዩጎዝላቭያ ክትበታተን ከም እትኽእል ኣጠንቂቖም ኣለው።

"እዚ ቅልውላው እዚ ካብቲ ኣብ 1995 ኣብ ቦዝንያ ንዝካየድ ዝነበረ ደማዊ ውግእ ደው ንምባል ዝተኻየደ ናይ ደይቶን ናይ ሰላም ጻዕሪ ብዝተዓጻጸፈ መገዲ ክግበር ይግባእ" ክብሉ ጽሒፎም።

ይኹን እምበር ሚስተር ሳይድ፡ ብዓወት ናይቲ ዝሕሰብ መስርሕ ሰላም ይጠራጠር እዩ።

"ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኩሉ ግዜ ናይ ዜሮ ድምር ጸወታ እዩ። እቲ ሓደ ሸነኽ ነቲ መቐናቕንቱ ክስዕሮ ኣለዎ " ይብል።