ኢትዮጵያ: ኦፌኮ ኣንጻር መንግስቲ ዝቃለሱ ዘለዉ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ሃገራዊ ዘተ ክካተቱ ሓቲቱ

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝተተለመ ሃገራዊ ዘተ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ከሳትፍ ዝጠልብን ኣርባዕተ ቅድመ ኩነታት ከማልእ ከምዝግባእን ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ዝተባህለ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣፍሊጡ፡፡
ሓቀኛን ንኹሉ ዘሳትፍን ሃገራዊ ዘተ ምክያድ፡ ነቲ እታ ሃገር ኣትያቶ ዘላ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ከምዝሕግዝ እቲ ውድብ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ፡፡
እቲ ብዶ/ር መረራ ጉዲና ዝምራሕ ኦፌኮ ካብ ዘቐመጦም ቅድመ ኩነታት እቲ ሓደ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንህልውና እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ስለዘውደቐ፡ ደው ክብል ከምዘለዎን ተዋጋእቲ ሓይልታት ንኹሉ ዝሓቁፍ ሃገራዊ ዘተ ክገብሩ ከምዝግባእን ዝጽውዕ እዩ፡፡
ምክትል ኣቦ መንበር ኦፌኮ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ‘‘እቲ ኲናት ሰዓርን ተስዓርን የብሉን’’ ኢሉ፡፡
‘‘ኲናት ብምእዋጅ እነምጸኦ ለውጢ የለን፡፡ ጠበንጃ ዘልዕሉን ንጠበንጃ ዘምልኹን ነዚ ገዲፎም ናብ ጠረጴዛ ክመጹ ይግባእ፡፡ ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልና ብዛዕባ ጸገማትና ምስእንላዘብ እዩ መፍትሒ ዝርከብ፡፡ ናብ ዘተ ምምጻእ ክብርን ጅግንነትን እዩ፡፡ ምውጋእን ምቅትታልን መፍትሒ ኣይኸውንን’’፡፡
እቲ ሃገራዊ ዘተ ነቲ ግዘ ዘይህብ ሕቶ ሰላም እታ ሃገር ትርጉም ብዘለዎ መንገዲ ፍታሕ ከምጽእ፡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ሓዊሱ ኩሎም ኣካላት ፖለቲካ ብዘሳትፍ ክሳለጥ ከምዝግባእ እቲ ውድብ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ፡፡
ኣሽማት እቶም ዕጡቓት ተቓወምቲ ኣብቲ መግለጺ ዘይተሓበረ ኮይኑ፡ እንተኾነ ናይ ኩሎም ጉጅለታት ውክልና ንምርግጋጽ ናይ ሕግን ድሕነትን ዕንቅፋታት ክውገዱ ዝብል ተወሳኺ ቅድመ ኩነት ኣቐሚጡ ኣሎ፡፡
ኣቶ ሙላት ብወገኑ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ሓዊሱ ‘‘ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ጉሙዝ፣ አብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት፣ ኣብ ክልላት ዓፋርን ሶማልን ይካየድ ኣብ ዘሎ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ዕጡቓትን ኣብ ክልል ኣምሓራ ንመንግስቲ ዝነሓንሑን ንመሰል ዝቃለሱን ዕጡቓት ሓይልታት’‘ ከምዘለዉን ብዙሓት ከምዝኾኑን ይጠቅስ፡፡
ብዛዕባ ሰላምን ዘተን ብምዝራቦም ገለ ሰባት ከም ደገፍቲ ህወሐት ከምዝርእይዎም ዝገልጽ ኣቶ ሙላት ‘‘ክንዲ ድላዩ ጸላኢ ይኹን ኢትዮጵያዊ ስለዝኾነ ጥራሕ ኮፍ ኢልና ክንዛተ ኣለና፡፡ ምእንቲ ሰላም ወንበርና ገዲፍና ኣብ ባይታ ኮፍ ኢልና ተደራዲርና ሃገርና ሰላም ምግባር ንቕሓትን ጅግንነትን እዩ’’ ኢሉ፡፡
‘‘እነካይዶ ዘለና ኲናት ሓድሕድ እዩ፡፡ ትውልዲ ዝቕተለሉ፣ ዝሃልቀሉ፣ ብሓፈሻ እንትረአ መንእሰይ ኣሰልጢንና፣ ካብ ወጻኢ ድሮን ኣምጺእና፣ ሸርፊ ወጻኢ ኣብዘይብልና ጥይት ገዚእና ነቲ ሓደ ምቕታል ዕብዳን እዩ’’ ክብል እውን የረድእ፡፡
እቲ ሃገራዊ ዘተ ኩሎም ወገናት ብዝቕበልዎን ኣፍልጦን ድጋፍን ማሕበረሰብ ዓለም ብዘለዎን ዘይሻራዊ ኣካል ክካየድ ከምዝግበኦ እውን ኦፌኮ ከም ቅድመ ኩነት ኣቐሚጡ ኣሎ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Yadi Pictures, BBC, Hamza Borana/Facebook
ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑን ኣብቲ ከይዲ ተሳተፍቲ ክኾኑን እውን እቲ ተቓዋሚ ውድብ ጸዊዑ፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል በዓል ሽመትን ምስረታ ሓድሽ መንግስትን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት እታ ሃገር ምርድዳእ ንምፍጣር ንኹሉ ዘካትት ዘተ ከምዝካየድ ኣተንቢሁ ነይሩ፡፡
ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብተመሳሳሊ ንኹሉ ዘሳትፍ ሃገራዊ ዘተ ከምዝካየድ ኣብቲ መድረኽ ተዛሪባ ነይራ፡፡
እንተኾነ እቲ ዘተ ከመይ ከምዝካየድ፣ በዓል መን ከምዘሳትፉን ካልኦት ዝርዝር ጉዳያትን ዝምልከት ሓበሬታ ከምዘይበጸሖም ኣቶ ሙላት ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







