ጃፓናዊት ልእልቲ 'ተራ' ሰብ ብምምርዓዋ መዓርጋን 1.3 ሚሊዮን ዶላር ገዝሚ ተኸልኪላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጃፓናዊት ልእልቲ ማኮ ናይ ኮሌጅ ኣፍቃሪኣ ኬይ ኮሙሮን ተመርዕያ - ብዚ ምኽንያት ድማ መዓርጋ ተመንጢላ።
ብመሰረት ሕጊ ጃፓን ኣባላት ንጉሳውያን ቤተ ሰብ፤ ምስ 'ተራ' ሰብ ማለት'ውን ኣባል ንጉሳውያን ቤተ ሰብ ዘይኮነ፡ እንተተመርዕየን መዓርገን ክምንጠላ ይግደዳ።
ካብኡ ንደሓር ናይቲ ስርወ መንግስቲ ኣባል'ውን ኣይኾናን።
እንተኾነ፡ እዚ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ግብራዊ ኣይኮነን።
እዚኣ ኣባል ንጉሳውያን ቤተሰብ፡ ከም ንቡር ብድሙቕ ድግስ ኣይተመርዓወትን።
ኣባል ስድራ እቶም ንጉሳዊ ቤተ ሰብ እንትምርዖ፤ ብውህብቶ መልክዕ ዝቐርብ 1.3 ሚልዮን ዶላር'ውን ስኢና።
ብምዃኑ ድማ፡ ከምቲ ንቡር እንዳ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝግበር ድግስ ዘይብሉ ስነ ስርዓት መርዓ ብምፍጻምን 1.3 ሚልዮን ዶላር ብዘይምቕባልን ኣብታ ሃገር ናይ መጀመርታ ኾይና ተባሂሉ።
እቶም መጻምድቲ ኣብ'ቲ ስብኣያ ከም ጠበቓ ሕጊ ኾይኑ ዝሰርሐሉ ናብ ኣመሪካ ከምርሑ ምኳኖም እዩ ዝግመት።
ናይታ ልእልቲ ውሳነ፡ ምስ'ቶም ደቂ ዓዲ እንግሊዝ ኣባላት ስድራ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝኾኑ ሜጋን መርክልን ልዑል ሃሪን ሓዳር ኣመሳሲሎምዎ።
ነዚ'ውን፤ 'ናይ ጃፓን ሃሪን ሜጋንን' ዝብል ቅጽል ስም ተዋሂብዎም።
ከምቲ ሜጋ ነቲ ካብ ተራ ስድራ ተወሊዱ ዝበሃል መርክል ክትምርዖ ዝነበረ፤ ንሳ ድማ ካብ ንጉሳዊ ስድራ ዘይውለድ ኮሙሮ ርክቦም ዕላዊ ካብ ዝኾን ጀሚሩ፡ ዓቢ መዘራረቢ ርእሰ ጉዳይ ኮይኑ ነይሩ።
ብዙሓት ዓቢ ክትትል ዝገብሩሎም ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ ምስ ቅድድም ፈረስ ብዝተኣሳሰር ስፖርታዊ ጭዋነት ኣጉዲሎም ተባሂሎም ተወቒሶም።
ከምኡ ድማ፡ እቲ መርዓዊ ኣቀማቕማ ጸጉሩ ንንጉሳዊ ቤተሰብ ዝምርዖ ሰብ ብዝምጥን ደረጃ ኣይተሰርሖን ተባሂሉ ብብዙሓት ተነቒፉ።
ልዕልቲ ማኮ ግን ሓዳራ ክተመዝግብ፡ ብኣቆጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ሰዓት ኣርባዕተ ብተደጋጋሚ ንወለዳ ኢድ ነሲኣ ገዛኣ ጠንጢና ወጺኣ።
እታ ልዕልቲ ካብ ገዛኣ ቅድሚ ምውጻኣ ንንእሽቶ ሓፍታ ሓቒፋ ብምስዓም ከምዝተሰናበተት፡ ኪዮዶ ዝተብሃለ መራኸቢ ብዙሃን ጸብጺቡ።
እቶም መጻምዲ ሎሚ ሰሉስ፡ ብዛዕባ እቲ መርዓኦም ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝህብሉን ቀዲሞም ንዝቐርቡ ሓሙሽተ ሕቶታት ምላሽ ብምሃብ ዘረባ ከምዘስምዑን ትጽቢት ይግበረሎም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







