ሱዳን፡ ካብ ሰልፈኛታት ተቓውሞ ብውሕዱ 10 ተቐቲሎም ዓሰርታት ድማ ቆሲሎም

እቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ መንበሪ ገዛ ናይቲ ነቲ ዕልዋ ዝመርሕ ዘሎ ጀነራል ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ድሕሪ'ቲ ዕልዋ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ገዝኡ ሒዝዎ ከምዝጸንሐን ሎሚ ሰሉስ ናብ ገዝኡ ክምለስ ከምዝኽእልን ተዛሪቡ።

ብሰኑይ፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ብምውጻእ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ሲቪላውያን መራሕቲ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ውሽጣዊ ቁርቁስ ነቲ ዕልዋ ከካይዱ ከምዝተገደዱ ተዛሪቡ ነይሩ።

ሰራዊት ሱዳን፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ'ታ ሃገር ብምፍራስ: ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ንዝርከቦም ሲቪላውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ኣሎ።

ካብቶም ኣንጻር ሰራዊት ተቓውሞታት ዝቕጽሉ ዘለዉ ሱዳናውያን ብውሕዱ 10 ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ካብ ርእሰከተማ ካርቱም ሓቢሮም።

እቲ ጀነራል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝራኣናዮ ሓደጋ ነታ ሃገር ናብ ኲናት ሓድሕድ መምርሓ ነይሩ" ኢሉ።

"እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ገዝኡ'ዩ ነይሩ፡ እንተኾነ ግና ጉድኣት ከይወርዶ ፈሪሕና። ሕጂ ኣብ ገዛይ ምሳይ'ዩ ዘሎ"

"ኣብ ዝሓለፈ ለይቲ ምስኡ'የ ነይረ . . . ንቡር ሂወቱ'ዩ ዝመርሕ ዘሎ . . . እቲ ስግኣት ምስተኣልየ ናብ ገዝኡ ክኸይድ እዩ" ክብል ገሊጹ።

ፖለቲካውያን ሓይልታት ሱዳን ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ ምልዕዓል ይገብረ ስለዝነበሩ፡ ነቲ ሲቪላዊ ምምሕዳር ብምፍራስ፡ ፖለቲካውያን መራሕቲ ኣሲሩ ህጹጽ እዋን ከምዝኣወጀ ተዛሪቡ።

ነቲ ዕልዋ ዝኾነነ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶዮ ጉተረዝ እቲ ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ምዕባለታት ኣካል ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃን ኤስያን ዝረአ ዘሎ "ለበዳ ዕልዋ መንግስቲ" እዩ ክብል ገሊጽዎ። "ሓያላት ሃገራት" ብመንገዲ ባይቶ ጸጥታ ናይቲ ውድብ ሓቢረን ኣንጻር ከምዚ ዝበለ ምዕባለታት "ኣድማዒ መግትኢ" ክገብራሉ ጸዊዑ።

ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ብሪጣንያ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረትን ኣፍሪቃን ዝርከብዎም ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዕልዋ ብምኹናን፡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣባላት ከቢነ ሚኒስተራት ዝርከብዎም ፖለቲካውያን መራሕቲ ብህጹጽ ክፍትሑ ጸዊዖም ኣለዉ። =

ወተሃደራት ድማ ገዛ ንገዛ ብምኻድ ካብቶም ወደብቲ እቲ ተቓውሞ ዝበልዎም ምእሳር ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣዛዚ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ መንጎ ሲቪላውያን መራሕቲ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ውሽጣዊ ቁርቁስ ነቲ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝተገደዱ ተዛሪቡ።

እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ኣብ መንጎኦም ወጥሪ ነጊሱ እዩ ቀንዩ።

ሰራዊት ወሲዱዎ ዘሎ ስጉምቲ ነታ ገና ካብ ቁጠባዊ ቅልውላዉ ዘይወጸት ሃገር ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ከምርሓ ከም ዝኽእል ሓደ ካብ ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ኣደም ኣልሒራይካ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣንጻር ወተሃደራዊ ዕልዋ ዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞታት

ትማሊ ሰኑይ ክሳብ ለይቲ ኣብ ጎደናታት ዝሓደሩ ሰልፈኛታት ተቓውሞ እቲ ሲቪላዊ ምሕደራ ናብ ቦትኡ ክምለስ ይጠልቡ ከም ዘለዉ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዓረብ መሓመድ ዖስማን ካብ ካርቱም ጸብጺቡ።

ሓደ ካብቶም ዝቆሰሉ፡ ካብቶም ወተሃደራት ሓደ ተኲሲ እግሩ ከምዝወቕዖ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ካልእ ድማ ካብቶም ወተሃደራት ነታጒ ከምዝሰንደወሎም ጸኒሑ ድማ ብጥይት ተኹሲ ከምዝሃረሞም ተዘሪቡ።

ካብ ማሕበር ዶኳትር ሱዳን ዝኾነ ኣል-ጣይብ ሞሃመድ ኣሕመድ፡ "ክልተ ዝተቐትሉ ብዓይነይ ሪአዮም እየ" ኢሉ።

እቲ ቅትለት ድማ ፡ ካብ ቀጽሪ እቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ከ ምዝተፈጸመ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ሓቢሩ ኣሎ።

ገለ ሰባት ደም ጥብጥብ እናበሎምን ክዳኖም ብደም ተሓጺቡን ዘርእዩ ምስልታት ካብ ሆስፒታል ዝወጽኡ ኣሳእል ይወጽኡ ኣለዉ።

እቲ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ልዕሊኦም ተሪር ስጉምቲ እንተተወሰደ፡ እቶም ሰልፈኛታት ምዝሕሓል ኣየርአዩን።

ብዙሓት መንገድታት ብምዕጻውን ጎማታት ብምቅጻልን ተቓውሞኦም ዝገልጹ ዘለዉ ኾይኖም፡ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስእዮ ድማ 'ወተሃደር ኣየመሓድራናን' ኢለን ኣብቲ ተቓውሞ ይሳተፋ ምህላወን ተገሊጹ።

ሰራሕተኛታት ባንኪ ዝኣደሙ ኾይኖም፡ ደኳትር እታ ሃገር ድማ ካብ ድንገተኛ ሕክምና ወጻኢ ስረሖም ጠጠው ከም ዝበሉ ኣዊጆም ኣለዉ።

እቲ ዕልዋ መንግስቲ ብዙሓት መራሕቲ ዓለም፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ዓረብ ሊግን ኮኒኖምዎ እዮም።

ኣብቲ መሰጋጋሪ መንግስቲ ዓቢ እጃም ዝነበራ ኣመሪካ ድማ፤ ልዕሊ 700 ሚልዮን ዶላር መዲባቶ ዝነበረት ሓገዝ ክትክልክል ምዃና ኣፍሊጣ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ነቲ ዕልዋ ብምኹናን "ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክን ካልኦት ሰበስልጣንን ብህጹጽ ክፍትሑ ኣለዎም" ክብል ጠሊቡ።

"ነቲ ብኽንደይ ጻዕሪ ዝተረኽበ ፖለቲካዊ ስግግር ንምሕላዉ እቲ ቅዋማዊ ቻርተር ብምሉኡ ክኽበር" ጸዊዑ።

ወኪል ቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ ትማሊ ሰኑይ ንጎሆ ሓይልታት ጸጥታ ናብ መንበሪ ገዛ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምኻድ በቲ ዕልዋ መንግስቲ ክስማማዕን እቲ መንግስቲ ከም ዝፈረሰ ክእውጅን ከገድድዎ ፈቲኖም ነይሮም።

እንተኾነ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ፍቓደኛ ኣይኮነን።

እቲ ንሰለስተ ዓመት ክጸንሕ ዝተወሰነሉ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ብሲቪላውያን መራሕትን ወተሃደራውያን ኣዘዝቲን ዝቖመ እዩ ነይሩ።

ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንስምምዕ መሰጋገሪ እዋን ከም ዘኽብርን እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክትሰጋገር ምዃናን ቃል ኣትዩ'ሎ።

ብመሰረት መሰጋገሪ ቻርተር ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ሓምለ 2023 ክካየድ'ዩ ተመዲቡ ዘሎ።