ኣብ ሱዳን ሰልፈኛታት ‘ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ’ ክግበር ጠሊቦም

ሱዳን ናብ ዲሞክራሲ እትገብሮ ስግግር ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ትማሊ ቀዳም ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ ተቓውሞ፡ እቲ ሰራዊት ዕልዋ መንግስቲ ክፍጽም ጠሊቦም።

ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ቅልውላው እናዓሞቐ ኣብ ዝኸደሉ ኣብዚ ሰዓት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣብ ፊት ንፊት ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ወጺኦም እዮም፡ ዕልዋ መንግስቲ ክካየድ ፀዊዖም።

ፕረዚደንት ዖማር ኣልበሺር ኣብ 2019 ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ጀሚሩ፡ ቤት-ምኽሪ ሰራዊትን ሲቪልን ብሓባር ስልጣን ሒዞም ጸኒሖም።

እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ምስ ፕረዚደንት ነበር ዖማር ኣልበሺር ርክብ ነይሩዎም ዝተብሃሉ ወተሃደራት፡ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝፍትኑ ንደሓር ወጥርታት ዓሲሉ ይርከብ።

ካብኡ ንደሓር ጀሚሩ፡ ኣብ ገለ እቶም ነቲ ናይ ጥሙር ስግግር መንግስቲ ዘቖሙ ሲቪል [ኤፍኤፍሲ] ክልወጡ ዝጠልቡ ሕቶታት ይቐርቡ ኣለዉ።

ሰራዊት እታ ሃገር ድማ፡ እቲ ካቢነ ብካልእ ክትካእ ይሓትት ኣሎ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ግና፡ ‘ውድቀት ነዚ ጥሙይ መንግስቲ’ ከምኡ’ውን ‘እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ፍትሕን ማዕርነትን ከስፍን ኣይከኣለን፤ ወተሃደራዊ መንግስቲ ዕልዋ ክፍጽም ንጠልብ’ ዝብሉ ጭርሖታት ሒዞም ወጺኦም-ይብል ኤኤፍፒ።

ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ እቲ ሰራዊትን ናይቲ ልኡላዊ ሓበራዊ ቤት-ምኽሪ ሓላፍን እዩ።

ደገፍቲ መንግስቲ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም እዮም። ነቲ ቀዳም ዝካየድ ሰልፊ ምላሽ እዩ።

ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሰራዊትን ሲቪላውያንን ኣባላት ልኡላዊ ቤት-ምኽሪ ዘሎ ወጥሪ እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ኩነታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ንመሰጋገሪ እዋን እታ ሃገር ንምዝራግ ዝግበር ጻዕርታት ኣጠንቂቑ።

እቲ እንኮ መፍትሒ ድማ ነቲ “ሓደገኛ ፖለቲካዊ ቅልውላው” ብዘተ መፍትሒ ምግባር ምዃኑ’ውን ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ነቲ እታ ሃገር ወጢናቶ ዘላ መስርሕ ምስግጋር ስልጣን ናብ ሲቪላውያን ክትግበር ጥራይ ኣለዎ ይብል።

ነዚ ስግግር ዘይደልዩ፡ ገለ ኣዝዮም ሓያላት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ምህላዎም ይግለጽ።

ዝቕጽሉ ሒደት መዓልትታት ኣዝዮም ኣገደስቲ ምዃኖም እዩ ዝግለጽ።