መተሃላልኽቲ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ሱዳን ናብ ጎደናታት ካርቱም ወጺኦም

ወተሃደራዊ መንግስቲ ዝጠልቡ ሰልፈኛታት ንመዓልታት ኣብ ጎደናታት ካርቱም ሰላማዊ ሰልፊ ይቕጽሉ ኣብ ዝርከቡሉ እዋን ነቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝድግፉ ሰልፈኛታት ናብ ጎደናታት ወጺኦም።

ኣብ መንጎ ሰራዊትን ሲቪላውያንን መራሕቲ ዘሎ ዓᎁቕ ፍልልይ፡ እታ ሃገር ናብ ዴሞክራሲ እትገብሮ ምስግጋር ከየተዓናቕፎ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

እቲ ንነዊሕ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ፕረዚደንት ኣልበሽር ብህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ 2019 ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ እዩ ብወተሃደራውያንን ሲቪላውያንን ዝምራሕ መንግስቲ ቆይሙ።

ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ብሰዓብቲ ኣልበሽር ከም ዝተፈጸመ ዝግለጽ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምክያዱ ግና ወጥሪ ዓሪጉ ኣሎ።

እቲ ምክፍፋል ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምእላይ ኣልበሽር ዓቢይ ተራ ዝነበሮ ጥምረት ሓይልታት ንነጻነትን ለውጥን ኣፈላላይ ፈጢሩ ይርከብ።

ብሓሙስ፡ ደገፍቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ዝኾኑ ሰልፈኛታት ባንዴራታት እታ ሃገር እናምበልበሉ ጎማታት ምስ ኣቃጸሉ ሓይልታት ጸጥታ ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝተኮሱሎም ተፈሊጡ።

ደገፍቲ እቲ ሰራዊት ዝኾኑ ሰልፈኛታት እቲ ሲቪላዊ መንግስቲ፡ ንቁጠባ እታ ሃገር ከበራብር ከም ዘይከኣለን ሕጽረት ሕብስቲ ይውስኽ ምህላው ብምጥቃስ፡ ክበተን ይጠልቡ።

ካልእ ጉጅለ ኣብ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን ዕግታ ብምፍጻሙ ነቲ ኩነታት ኣበኣኢስዎ ኣሎ።

ብቐዳም ደገፍቲ እቲ ሰራዊት ዝኾኑ ሰልፈኛታት፡ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ኣብዱል ፋታሕ ኣልቡርሃን ዕልዋ ብምፍጻም ነታ ሃገር ከቆጻጸራ ክጭርሑ ተሰሚዖም።

ገለ ካብኣቶም ኣብ ጎደናታት ካርቱም ተቓውሞኦም ጌና ቀጺሎም ኣለው።

ብሓሙስ ከኣ "ምርጫ ህዝቢ ሲቪላዊ እዩ" ዝብል ጭርሖታት ዝሓዙ ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ከም ዝተርኣዩን "ኣልቡርሃን ስልጣን ኣረክብ" ይብሉ ምንባሮምን ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

ብመሰረት እቲ ተወጢኑ ዝጸንሐ ደሞክራስያዊ ምስግጋር፡ መሪሕነት እቲ ልኡላዊ ቤትምኽሪ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ናብ ሲቪላውያን ክሰጋገር ትጽቢት ይግበር።

ሃገራት ምዕራብ ነቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ዘለወን ድጋፍ ክገልጻ እንከለዋ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ዝተሰማምዑሉ፡ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን ከኽብሩ ጸዊዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፡ ዓብደላ ሓምዶክ፡ እታ ሃገር ዛጊት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ናይ ስግግር ዓመታት ካብ ዝገጠማ "ዝኸፍአን እቲ ሓደገኛን" ንዝበሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው መፍትሒ ዝበሎ ውጥን ገሊጹ እዩ።

"ኣብዚ ግጭት ኣነ ዘይሻራዊ ወይ መንጎኛ ኣይኮንኩን። ንጹርን ዘይንቕነቕን መርገጺየይ፡ ናብ ሲቪላዊ ደሞክራስያዊ ምስግጋር እዩ" ኢሉ።

እቲ ን30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ኣልበሽር ብሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ሚያዝያ 2019 ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ እዩ ሓምዶክ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ግና፡ እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ዝምራሕ ቁጠባዊ ዕረያ፡ ንድጎማ ነዳዲ ድሕሪ ምእላዩን ዝቕባበ ምዕራጉን፡ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝነበሮ ድጋፍ ታሕቲ ወሪዱ ኣሎ።