ሱዳን: ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ‘ሓደገኛ’ ፖለቲካዊ ቅልውላው እታ ሃገር ንምህዳእ ኮሚቴ ኣጣይሹ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላዉ ፍታሕ ንምንዳይ ዘኽእል "ኮሚቴ እዋን ቅልውላው" ከምዘጣየሸ ተገሊፁ።

እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ቅድሚ ክልተ ዓመታት ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣል-በሽር ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዪ ኣብታ ሃገር ዝተራእየ "ኣዝዩ ሓደገኛ" ፖለቲካዊ ቅልውላው ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ጉጅለ ከምዘጣየሾ ኣገልግሎት ዜና ሱና ፀብፂቡ።

ኣብቲ ኮሚቴ ወከልቲ ተቓወምቲ ውድባት'ውን ከምዝተኻተቱ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ'ሎ።

ዓብደላ ሓምዶክ፡ እታ ሃገር ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምስግጋር ንዝግበር ፃዕሪ ናብ ድሕሪት ዝመልስ ስግኣት ፈጢሩ ዝበሎ፡ ንሰሙናት ዝቐፀለ ፖለቲካዊ ወጥሪ ንምህዳእ፡ ኩሉ ነቲ ፀገም ካብ ዘጋድድ ስጉምትታት ተዓቂቡ ዘተ ክካየድ ፀዊዑ።

ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ከቢድ ፅልዋ ብዘለዎ ሰራዊት እታ ሃገር ዝድገፍን ናይቲ ስግግር መንግስቲ ተወጊዱ እቲ ሰራዊት ነታ ሃገር ክመርሕን ዝጠልቡ ሰልፍታት ድሕሪ ምክያዶም'ዩ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ነቲ ስጉምቲ ወሲዱ ዘሎ።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝጀመረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ደገፍቲ እቲ ሰራዊት ዝኾኑ ሱዳናውያን ኣብ ከባቢ ቤት-ፅሕፈት ፕረዚደንት ብምእካብ ሰራዊት እታ ሃገር ስልጣን ክሕዝ ፀዊዖም ነይሮም።

ዑማር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፡ ሱዳን ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ብልፍንቲ ሲቪልን ወተሃደራትን ብዝተመስረተ ሉኣላዊ ባይቶ ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ እያ ትምራሕ ዘላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ከይዲ ስግግር እታ ሃገር ንምዕንቃፍ ይፍትኑ ንዝበሎም ኣካላት ኣጠንቂቑ ኔሩ።

ነዚ መጠንቀቕታ ዝሃበ፡ ብመሰጋገሪ ምምሕዳር እታ ሃገር ኣብ ዝምራሕ ሉኣላዊ ባይቶ ኣብ ሞንጎ ዘለዉ ሲቪልን ወተሃደራውን መራሕቲ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ይዓርግ ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ።

እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሉኣላዊ ባይቶ፡ እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስጋር ንእትገብሮ ፃዕሪ ንምዕንቃፍ ሓያል ምንቅስቓስ ዝገብሩ ፀለውትን ተሰማዕትን ኣባላት እቲ ሰራዊት ከምዘለዉ ይግለፅ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ንቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ንምዕላው ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ኣብ ኣባላት እቲ ባይቶ ከቢድ ወጥሪ ዓሲሉ ኣሎ።

ንነዊሕ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ጀነራል ኣልበሽር ካብ መዝነቱ ምስተኣለየ፡ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት እታ ሃገር፣ ሲቪላትን ተቓወምትን ምምቕራሕ ስልጣን ምክያዱ ይዝከር።

በዚ ድማ ዓብደላ ሓምዶክ ነቲ ሲቪል ብምውካል ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን እንከሎ፡ ብወገን ሰራዊት እታ ሃገር ድማ፡ ሌ/ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣልቡርሃን ኣቦወንበር ሉኣላዊ ቤትምኽሪ እታ ሃገር ኮይኑ።

እንተኾነ፡ ኣብ ሞንጎ ናይ ስግግር ምምሕዳር እታ ሃገር ዝመርሑን ሰብመዚ ሲቪልን ዘሎ ርክብ ርጉእ ኣይኮነን።

ካብ ቀረባ ግዘ ንደሓር ኩነታት ጸጥታ እታ ሃገር እናደኸመ ይመፅእ ኣሎ፤ ነቐፍቲ ድማ ወተሃደራዊ መራሕቲ ስልጣን ዘረክብሉ ግዘ ንምትእጉጓል'ዩ ይብሉ።

ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን፡ ኣብቲ ዝመፅእ ወርሒ ሕዳር ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክብ ገደብ ግዘ ተቐሚጥሉ ምህላዉ ይፍለጥ።