እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ባልደንጓነ ስገምን ንህጻናት ዝኸውን ሃናጻይ መግቢ ዘዳልዉ ኢትዮጵያውያን መናእሰይ
እዞም ንህጻናት ዝኸውን ሃናጻይ ወይ ሓይሊ ወሃቢ መግቢ ካብ ባልደንጓን (ዓልቋይ)ን ስገምን ዘዳልዉ ዘለዉ መናእሰይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ገና ተምሃሮ ራብዓይ ዓመት ክፍሊ ትምህርቲ ፋርማሲ እዮም።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተኸሰተሉ እዋን “ንሕብረተሰብና ብኸመይ ንሓግዝ?” ብዝብል ድሕሪ ምዝርራቦም ናብዚ ሓሳብ ከምዝበጽሑ ይገልጹ።
እቲ ሓሳቦም ከኣ ንህጻናት ኢትዮጵያ ዝኸውን ሃናጻይ/ሓይሊ ወሃቢ ብሽኩቲ ካብ ዓልቋይን ስገምን ምድላው ዝብል ነይሩ።
ብዙሓት ህጻናት ናብ ሕጽረት ፕሮቲን ብምቅልዖም ንድኽዳኸ [ቅልጡፍ ዘይኮነ ዕብየት ሰብነት]ን ካልኦት ጸገማት ጥዕናን ክሳጥሑ ብምርኣዮም ነዚ ሃናጻይ መግቢ ከዳልዉ ከምዝወሰኑ ሓደ ካብቶም መናእሰይ ዝኾነ ናኦል ኣዱኛ የረድእ።
ብሰንኪ ሕጽረት ፕሮቲን ህይወቶም ዝስእኑ ህጻናት ቁጽሮም ብዙሕ ከምዝኾነ ይግለጽ። ብምዃኑ ድማ እቶም መናእሰይ ነቶም ብቐረባ ዝርከቡ ባልደንጓን ስገምን ተጠቒሞም ነቲ ብሽኩቲ ከዳልዉ ዝመረጹ።
ናኦልን መሓዙቱን ከምዝብልዎ፤ ኢትዮጵያውያን ንባልደንጓን ስገምን ዝምገቡሉ መገዲ ኣብቶም ኣዝርእቲ ንዘሎ ንጥረ-ነገራት ብዝግባእ ንኽጥቀሙ ብዘኽእሎም ኩነታት ኣይኮነን።
“ነዚ ኩነታት ብምግንዛብ ኢና ብስኩቲ ክነዳልው ዝኸኣልና። ቀንዲ ዕላማና ከኣ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሕጽረት ፕሮቲን፣ ድኽዳኸ ህጻናትን ካልኦት ጸገማትን ምቅላል’ዩ” ይብል ናኦል።
ዘፍረይዎ ብስኩቲ ከኣ ‘ፋባርሊ’ ዝብል ስያመ ሂቦምዎ ኣለዉ።
እቲ ዘፍረይዎ ሓይሊ ወሃቢ መግቢ ኣብዚሕ ሕዚ እዋን ኣብ ደረጃ ፈተነ ዘሎ ኮይኑ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክሽለሙሉ ከምዝኸኣሉ ይዛረቡ። ናብ ዴንማርክ ብምኻድ እውን ዘፍረይዎ ፍርያት ኣብ ቤተ-ፈተነ ከርእዩ በቒዖም ነይሮም።
“ካብ ተሞክሮ ህይወተይ ዝተበገሰ ሓሳብ”
ናኦል ኣብ ከሚሴ ተወሊዱ ዝዓበይ መንእሰይ’ዩ። ኣብቲ ከባቢ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ብዙሕ ጊዜ ደርቅን ጥምየትን የጋጥም ምንባሩ ይዝክር።
“ህጻን ኮይነ እዞም ጸገማት ብተደጋጋሚ ይኽሰቱ ነይሮም። ብዝተፈላለዩ ትካላት ረድኤት ዝቐርቡ ብሽኩትታት ክንምገብ ከለና ክንድምንታይ ሕጉሳት ንኸውን ከምዝነበርና እዝክር። ከመይ ጌርና ክንረኽቦም ንኽእል ኢለ እሓስብ ነይረ” ይብል።
እዚ ተዘክርኡ ንመሓዙቱ፣ ኪሩቤል፣ ሙሴን ዮሴፍን ምስኣካፈሎም ነይሩ ሓሳብ ብሽኩቲ ‘ፋባርሊ’ ዝተወለደ።
ነቲ ብሽኩቲ ከፍርዩ ብዙሕ መጻናዕቲ ዘካየዱ ኮይኖም ምስ ትካል መግቢ ዓለምን ኣብ ዴንማርክ ዝርከብ ሓደ ዩኒቨርሲቲን ተሓባቢሮም ይሰርሑ ምህላዎም ድማ ይገልጽ።
ናብ ዕዳጋ ምቕራብ
ዘፍርይዎ ብሽኩቲ ብተመጣጣኒ ዋጋ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ሓሳብ ዘለዎም እዞም መናእሰይ፤ ብቕዓት መረጋገጺ ወረቐት ካብ ምርካብ ጀሚሩ ካልኦት ኣገደስቲ ዝኾኑ መስርሓት ብምስጋር ምህዞኦም ብስፍሓት ንምፍራይ ኣብ ጻዕሪ ይርከቡ።
ናብ ዴንማርክ ኣብ ዝገሹሉ እዋን ዝረኸብዎ ገንዘብ ከምኡ’ውን ብሽልማትን ካብ ቤተሰብን ዝረኸብዎ 150 ሽሕ ብር መበገሲ ካፒታል ሒዞም ነቲ ብሽኩቲ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ይሰርሑ ምህላዎም ይገልጹ።
“ዕላማና ዓብዪ እንተኾነ’ኳ ብሓንሳብ ግን ክትዓብይ ኣይትኽእልን ኢኻ። ዘለና መበገሲ ካፒታል ንኢሽተይ እዩ። ብዙሕ ከፍርይ ከምዝኽእል ግን ርግጸኛታት ኢና” ይብል ናኦል።
ብሰንኪ’ቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናትን ካልኦት ጸገማትን ብዙሓት ህጻናት ኣብ ሓደጋ ስለዝርከቡ ከምዚ ዝበለ ፕሮጀክት ኣድላዪ ምዃኑ’ውን ይሕብር።
“ብዙሓት ህጻናት ካብ መኣዲ ትምህርቶም ኣብ ዝተኣጓጎሉሉ ኩነታት ኢና ዘለና። እዚ ከኣ ንዝተፈላለዩ ጸገማት ከቃልዖም ይኽእል’ዩ። እዞም ህጻናት ጽቡቕ ዕብየት ንኽህልዎም ጽቡቕ ነገር ክቐርበሎም ክኽእል ኣለዎ” ይብል።
ንኦልን መሓዙቱን ነቲ ዘፍርይዎ ሃናጻይ ዝኾነ መግቢ ምሉእ ኢትዮጵያ ክበጽሕ ብምግባር ንህጻናት ንምርዳእ ክኽእሉ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ትምህርቲ ናይ ምስራሕ ውጥን ኣለዎም።