ኣብ ኣስመራ ቢራ ኣብ ዱካናት ብኩቦን ይሽየጥ ኣሎ

ኣብ ኤርትራ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሚያዝያ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይርስ ምሉእ ዕጽዋ ድሕሪ ምእዋጁ፡ እቲ ተነቢሩ ዝነበረ ኣዋጅ ዕጽዋ በብቑሩብ ክዘልቕ ጸኒሑ ኣሎ።

እንተኾነ ህዝባዊ መጓዓዝያ ስለዘየለ፡ ሰብ ብእግሩ፡ ብብሽክለታን ብካሮሳን ካብን ናብን ዝንቐሳቐስ ዘሎ።

"ምንቅስቃስ ሰብ ዘይተርፍ ደኣ እቲ መጓዓዝያ ንምንታይ ዘይጅምር?" ዝብሉ ድማ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ፡ እንትርፎ ሓንቲ ካብ ኢትዮጵያ ብነፋሪት ኣትያ ኣብ ንያላ ሆቴል ተወሺባ ዝጸንሐት ዳርጋ ኩሎም እቶም ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍኑው ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ምዃኖም ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝወጽእ ሓበሬታ የመልክት።

ካብቲ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ተዓጽዩ ዝንበረ'ሞ ዳግማይ ናብ ንቡር ዝተመለሰ ነገራት ምጅማር ትምህርቲ 11 ክፍልን ኮሌጃትን'ዩ።

ከም መዐረዪ ብሽክለታ፡ ጋራጃትን ትካላት ናውቲ ህንጻን ዝኣመሰሉ ወሃብቲ ኣግለግሎት'ውን ካብቲ ተዓጽዩ ዝንበረ'ሞ በብእዋኑ ናብ ንቡር ስርሑ ዝምለስ ዘሎ ትካላት እዩ።

ኣብያት መግቢ፡ ኣብያተ መስተን ካፌታትን ግን ገና ዕጽዋት'የ ዘለዋ።

ካብዚ ቀረባ ሳምንታት ጀሚሩ ግን፡ ሰባት ሜሎቲ ቢራ ኣብ ድኳናት ኣስመራ ብኩቦን ንሓንቲ ቢራ ብሕሳብ 10 ናቕፋ ብሓንቲ ኩቦን ከኣ ሸሞንተ ቢራ ኣብ ሰሙን ክገዝኡ ተፈቒዱዎም ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ባኒ፣ ዘይቲ፣ ሽኮር፣ መሸላን ካልእን ብኩቦን ኣብ ቀበሌ (ብልምዳዊ ኣጸዋውዓ እንዳ ኩቦን ተባሂሉ ዝጽዋዕ) ብተዛማዳ ሕስር ብዝበለ ዋጋ ንስድራ ቤታት ከከም ብዝሐን ክገዝኣ ይፍቀደን።

ባኒ'ውን ጥቓካ ኣብ ዘሎ ድኳን ተመዝጊብካ ከከም ብዝሒ ስድራ ቤት ንግሆ ንግሆ ካብቲ ድኳን ብኩቦን ክትገዝእ ትኽእል።

እዚ'ውን ብተዛማዳ ካብቲ ብዘይኩቦን ዝግዛእ ባኒ ዝሓሰረ እዩ።

ሜሎቲ ቢራ'ውን ልክዕ ከም ባኒ ኣብ ድኳን ብኩቦን ክሽየጥ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ ማእከል ከተማ ቤት መስተ ዝውንን ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ነጋዳይ "ልቸንሳ ንዘለና ሰባት ትካልኩም ዕጸዉ፡ ንሰራሕተኛታትኩም ከኣ ካብ ዘምጻእኩም ኣምጺእኩም ደሞዝ ክፈለዎም ተባሂልና ከነብቅዕ እቲ ኣብ ባራትና ክሽየጥ ዝግበኦ ቢራ ግን ኣብ ድኳን ይሽየጥ ኣሎ" ይብል።

ንሱ ብምስዓብ፡ እቲ ምትእኽኻብ ናይ ሰባት ዝጽላእ እንተኾይኑ፡ እቲ ቢራ ልክዕ ከምቲ ኣብ ድኳን ዝሽየጦ ዘሎ ኣብ ባር ክሽየጥ ነይሩዎ ይብል።

"ሸውዓት ወርሒ ምሉእ ዋላ ሓንቲ ኣይሰራሕናን። ንሰራሕተኛታትና ከኣ ከይሰራሕና ክንከፈሎም ንግደድ ኣለና። እቲ ኣብ ድኳን ዝሽየጥ ዘሎ ቢራ ኩሉ ዝመጽአ ሰብ ይገዝኦ ኣሎ ማለት ኣይኮነን። ሰብ ዝብላዕ ዘይረኸበ'ዶ ቢራ ገዚኡ?" ድሕሪ ምባል ኣብ ድኳናት እውን መንእሰያት ተኣኻኺቦም ቢራ ክሰትዩ ከም ዘምስዩ ይዛረብ።

ኤርትራ ዕጽዋ ካብ ትእውጅ ክሳብ ሕጂ ኩሉ ንጥፈታት ንግድን ስራሕን ደው ስለዝበለ ብፍላይ እቲ ካብ ኢዱ ዝድራሩ ካብ መንግስቲ ደገፍ ስለዘይረክብ ኣብ ዘሻቕል ኩነታት ከምዘሎ ምንጭታትና ይጠቕሱ።