ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ነበር ጀነራል ኮሊን ፓወል ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ከምዝዓረፈ ተገሊጹ

ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ነበር ጀነራል ኮሊን ፓወል ምስ ኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ ሕማም ከዝዓረፈ ስድራቤቱ ገሊጾም።

"ምርኡይን ፈቃርን ብዓልቤት፡ ኣቦ፡ ኣቦ-ሓጎን ዓቢ ኣመሪካዊን ስኢንና ኣሎና" ክብል እቲ ስድራቤት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

"ነቶም ኣብ ምክንኻኑ ተራ ዝነበሮም ኣባላት ሕክምና ነመስግኖም" ክብል'ውን እቲ ስድራቤት ገሊጹ

ጀነራል ኮሊን ፓወል፡ ኣብቲ ኣብ 1990 ኣንጻር ዒራቕ ዝተኻየደ ስርሒት "ደዘርት ስቶርም" (ህቦብላ ምድረበዳ)፡ ኣቦመንበር ሓለቓ-ስታፋት ክንፍታት ሰራዊት ኣመሪካ ኮይኑ ብፕረዚደንት ጆርጅ ቡሽ 'ዓቢ' ድሕሪ ምምዛዙ ነቲ ኲናት ብዓወት ዝመርሐ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ሓያሎ ሃገራት ዓለም ዝተሳተፋሉ ኲናት ነቲ ንሃገረ ኲዌት ተቖጻጺሩ ዝነበረ ሰራዊት ዒራቕ ብምውጻእ ነታ ንእሽቶ ሃገር ሓራ ምውጻእ ዝዓለመ'ዩ ነይሩ።

ኣብ 2001 ፕረዚደንት ጆርጅ ቡሽ 'ንእሽቶ' (ወዱ ንቡሽ ዓቢ) ናብ ስልጣን ምስ መጸ ድማ፡ ፈላሚ ጸሊም ኣመሪካዊ ጸሓፊ (ሚኒስተር) ጉዳያት ወጻኢ ክኸውን ተመዚዙ።

እቲ ኣባል ሪፓብሊካዊ ሰልፊ ዝነበረ ፓወል፡ ንሓያሎ መራሕቲ ኣመሪካ ኣማኻሪ ጸጥታ ኮይኑ ዘገልገለ ምዃኑ'ውን ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ብዓልቲ ቤቱን'ውን ብሞት ጀነራል ኮሊን ፓወል ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ'ሎ።

"ብተደጋጋሚ ንሃገር ቅድሚ ነፍሱ፡ ቅድሚ ሰልፊ፡ ቅድሚ ኩሉ ካልእ ዝሰርዐ . . . መወዳድርቲ ዘይብሉ ክብርን ንጽህናን ዝነበሮ ሓርበኛ" ክብል ገሊጽዎ።

"ሓደ ካብ ዓበይቲ ኣመሪካውያን ብምዃን ክዝከር ክነብር'ዩ" ክብል ባይደን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓዘን።

ፕረዚደንት ነበር ጆርጅ ቡሽ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ዓቢ ኣገልጋሊ ህዝቢ'ዩ ነይሩ" ክብል ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ'ሎ።

ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ ብወገኑ፡ ፓወል፡ ዓሌትነትን ኣድልዎን ነቲ ዘንቀዶ ክዓግቶ ዘይክኣለ፡ ኣብ ወሰንቲ መደረኻት ኣመሪካ ሓላፍነት ተሰኪሙ ዝነበረ'ዩ ክብል ሓዘኑ ገሊጹ'ሎ።

"ኣብዛ ዓለም ናይ መወዳእታ ተስፋ ክንከውን እንተዄና፡ ጀነራል ኮሊን ፓወል፡ ኣብነት ኣመሪካን ኣመሪካውያንን ክንኮኖ እንኽእልን ዘለናን እዩ" ክብል ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመጒስዎ።