እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስፖርት፡ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ሰለስተ ከተማታት ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ማራቶን ተዓዊቶም
ብሰንበት 17 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ኣውሮጳውያን ከተማታት ፓሪስ፣ ኣምስተርዳምን ሊዝበንን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም።
ኣብ ሆላንድ ከተማ ኣምስተርዳም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ኣትሌት ታምራት ቶላ ብ2 ሰዓት 03 ደቒቓን 37 ካልኢትን ብምዝዛም ተዓዊቱ።
ልኡል ገብረስላሴ ዝተባሃለ ካልእ ኢትዮጵያዊ ድማ ሳልሳይ ወጺኡ። ኬንያዊ በርናንድ ኮዬች ካልኣይ ብምዃን ነቲ ውድድር ዛዚሙ።
ኣብቲ ውድድር ማራቶን ኣትሌታት ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ኤርትራን ኡጋንዳን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ዓስራይ ንዝነበረ ደረጃ ከምዝሓዙ ተፈሊጡ።
ብደቂኣንስትዮ ድማ ኬንያዊት ኣትሌት ኣንጌላ ታኑዪ ነቲ ውድድር ኣብ 2 ሰዓት፤ 17 ደቒቓን 57 ካልኢትን ነቲ ውድድር ብምዝዛም ተዓዊታ።
ኢትዮጵያዊት ሄቭን ሃይሉ ሳልሰይቲ ክትኸውን ከላ ገበያነሽ ሃይሉን ወርቅነሽ ኣለሙን ራብዓይትን ሓምሸይትን ብምውጻእ ውድድረን ዛዚመን።
ማራቶን ፓሪስ
ኣብቲ ናይ ፈረንሳ ጉያ ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ጸብለልታ ብምርኣይ ዛዚሞም ኣለዉ። ብደቂ ኣንስትዮ ትእግስት ማሙዪ ንውድድራ ብ2 ሰዓት፡ 26 ደቒቓን 12 ካልኢትን ብምዝዛም ተዓዊታትሉ።
የኔነሽ ድንቄሳ፣ ፋንቱ ጂማን ዋጋነሽ መካሻን ካብ ካልኣይ ክሳብ ራብዓይ ዘሎ ደረጃ ብምሓዝ ዓቢ ዓወት ኣመዝጊበን።
ብደቂተባዕትዮ ድማ ኬንያዊ ኤሊሻ ሮቲች ቀዳማይ ብምዃን ክዕወት ከሎ፤ ነቲ ርሕቐት ንምዝዛም 02 ሰዓት 04 ደቒኣን 21 ካልኢትን ወሲድሉ።
ሃይለማርያም ኪሮስ ዝተባሃለ ካልእ ኢትዮጵያዊ ከኣ ካልኣይ ብምዃን ነቲ ውድድር ዛዚሙ።
ማረቶን ሊዝበን
ኣብ ፓርቹጋል ሊዝበን ዝተኻየደ ጉያ ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝዓብለልዎ ውጽኢት’ዩ ተመዝጊቡሉ። ብደቂተባዕትዮ ኣንዷለም በላይ ብ2 ሰዓት 05 ደቒቓን 52 ካልኢትን ነቲ ውድድር ተዓዊቱሉ።
ይሁንልኝ ኣዳነን ባለው ይሁኔን ድማ ካልኣይ ንዝወጸአ ኬንያዊ ሆሴ ኪፕሊሞ ብምስዓብ ሳልሳይን ራብዓይን ኮይኖም።
ብደቂኣንስትዮ ኣሳየች ኣያሌው ቀዳመይቲ ብምዃን ክትዕወት ከላ፤ ነቲ ውድድር ክትዛዝም 2 ሰዓት 25 ደቒቓን 07 ካልኢትን ወሲድላ።
ኣልማዝ ነገደን ጄን ጄላጋትን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ኮይነን።