"40 ዓመት'ውን እንተኾነ ንውድድር ማራቶን ዓብይ ኣይኮነን"፡ ቀነኒሳ በቀለ

ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ፡ ኣብ በርሊን ማራቶን ሳልሳይ ኮይኑ ምዝዛሙ ስዒቡ፡ ካብቲ ስፖርት ናይ ምውፃእ ትልሚ ከምዘይብሉ ገሊፁ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 39 ዓመቱ ዘኽበረ ቀነኒሳ፡ ብኬንያዊ ኤሊዩድ ኪፕቾጌ ዝተትሓዘ ክልተ ሰዓትን ሓደ ደቒቓን 39 ካልኢትን ንምስባር ተሊሙ ከምዝነበረ ይዛረብ።

እንተኾነ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ካብ ናይ ኪፕቾጌ ናይ ክብረወሰን ሰዓት፡ ንልዕሊ ሓሙሽተ ደቓይቕ ድሒሩን፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ካብ ዝተዓወተ ጉዬ ኣዶላ ብሓደ ደቒቓ ድሒሩ'ዩ ኣብቲ ውድድር ሳልሳይ ኮይኑ ዛዚሙ።

ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ሰለስተ ግዘ ዝተዓወተ ቀነኒሳ በቀለ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ በርሊን ኣብ ዝካየድ ውድድር ማራቶን ክብረወሰን ንምስባር ትኹረት ከምዝገበረን፡ ኣብ 2024 ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝካየድ ኦሎምፒክ'ውን ከምዝሳተፍ ኣንፊቱ።

"ብዙሓት ኣትሌታት ኣብዚ ዕደመ፡ 40 ፅቡቕ ውፅኢት ከምፅኡ ከምዝኽእሉ ሓበሬታ ኣለኒ። ንውድድር ማራቶን ዓብይ ኣይኮነን" ኢሉ።

"ጥዕናይ ሙሉእ እንተኾይኑን እንተተዳልየን፡ ኣብ በርሊን ኣብ ዝካየድ ማራቶን፡ ክብረወሰን ንምምሕያሽ ክጎይ እየ" ክብል ተዛሪቡ።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ከምዝሓወየ ዝገልፅ ቀነኒሳ፡ ኣብ ማራቶን በርሊን'ውን እቲ ሕማም ብዝገደፈሉ በሰላ ዝሓሰቦ ከዕውት ከምዘይከኣለ ኣረዲኡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዋላ'ኳ ምልክታት ኮሮናቫይረስ እንተዘይሃለዎ፡ ካብቲ ሕማም ብተወሳኺ ብሓፈሻ ምስቲ ለበዳ ተዛሚዱ ዝተኸሰቱ ጉዳያት ኣብቲ ኣትሌት ፅልዋ ኣሕዲሮምሉ'ዮም።

"ንዓይ እቲ ቀንዲ ፀገም፡ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ስልጠና ዘይምህላዉ'ዩ" ክብል እቲ ለበዳ ዘስዓቦ ጉድኣት ኣረዲኡ።

ኣብ ዓውዲ ኣትሌቲክስ ነዊሕ ርሕቐት ካብ ሞንጎ ዝጎዩ ኣትሌታት ሓደ ዝኾነ ቀነኒሳ፡ ብፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብዘይ ምምራፁ፡ ንብዙሓት ብዘገረመ መልክዑ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ኦሎምፒካት ኣይተወዳደረን።

ቀነኒሳ በቀለን ፌደሬሽን እታ ሃገርን ፅቡቕ ርክብ ዘይብሎም እንትኾኑ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዘ ኣብ ዝነበረ ከይዲ መረፃ'ውን ኣብ ውድድር ማራቶን ካልኣይ ቅልጡፍ ኣትሌት'ኳ እንተኾነ ዕሽሽ ተባሂሉ'ዩ።

ቀነኒሳ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን፡ ካብ ናይ ኪፕቾጌ ክብረወሰን፡ ብኽልተ ካልኢት ድሒሩ ብምእታው'ዩ ተዓዊቱ።

"ብርግፀኝነት ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝካየድ ፓሪስ 2024 ኦሎምፒክ ክጎይ እደሊ፤ እንተኾነ ብመሰረት ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ንምውሳን ከቢድ'ዩ። ኣነ ሓደ ነገር ጥራሕ'ዩ ዘለኒ። ዋላ'ኳ ናብ ፓሪስ ክኸድ እንተደለኹ፡ ረቛሕታት እቲ ፌደሬሽን ስለዘይፈልጥ ዘፀግም ክኾን'ዩ" ኢሉ።