እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፈይስ-ቡክ፡ ኣብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ 10 ሽሕ ሰባት ስራሕ ክቖጽር'ዩ
ፌስቡክ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ 'ሜታቨርስ' ኣብ ዝተብሃለ ሶፍትዌር [ንሰባት ኣብ ኮምፒተር ጌም ክጻወቱ፡ ክሰርሑን ክራዳድኡን ዝሕግዝ] ዘማዕብሉ 10 ሽሕ ሰባት ክቆጽር መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ።
መስራትን ሓላፍን ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ ነዚ መደብ ብዕቱብ ሒዙ ይቅልሶ ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።
ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ"ሜታቨርስ ሓዲሽ ምህዞታት ንክህሉን ማዕበራውን ቁጠባውን ዕድላት ንኽፍጠር ዘኽእል እዩ፡ ኣውሮጳውያን ኸኣ ካብ ፈለማ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ክነድፍዎ'ዮም" ኢሉ።
እቲ ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት ክጅመር ውጥን ኣውጺእዎ ዘሎ ናይ ስራሕ ዕድል "ልዑል ብቕዓት ዘለዎም መሃንዲሳት" ዝጠልብ ምዃኑ'ውን ፌስቡክ ገሊጹ።
ፌስቡክ ብምስዓብ ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ወፍሪ ምግባር ብዙሕ ረብሓታት ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ብዙሓት ዓማዊል ዝፈጥርን፡ ልዑል ብቕዓት ዘለዎም ተማሃሮን ምስተን ንዕኦም ዘፍርያ ዩኒቨርስትታት ዘራኽብን'ዩ ኢሉ።
ፌስቡክ ንሜታቨርስ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታቱ ገይሩ ይሰርሓሉ ምህላዉ'ዩ ዝግለጽ።
ንዋትስኣብ ንኢንሰታግራምን ዝውንን ትካል ፌስቡክ ዓበይቲ ሚድያታት ኣብ 'ምግባር' ብተደጋጋሚ ይሕመ'ዩ።
ን'ሜታቨረስ' ኣመልኪቶም ስክፍትኦም ንዝገልጹ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቡ መልሲ "ኣብ ሓደ መዓልቲ ብሓደ ትካል ዝምዕብልን ዝስራሕን ኣይኮነን" ድሕሪ ምባል ናይ ብዙሓት ውህደትን ምትሕብባርን ከምዘድሊ ቃል ኣትዩ።
ፌስቡክ ኣቀድም ኣቡሊ ሜታቨርስ ከማዕብላ ንዝደልያ ብዘይመክሰብ ንዝሰርሓ ትካላት 50 ሚልዮን ዶላር ምምዋሉ ዝዝከር እዩ።
እንተኾነ ሜታቨርስ ምሉእ ንምሉእ ማዕቢሉ ኣብ ጥቅሚ ንኽውዕል ካብ 10 ክሳብ 15 ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል'ዩ ዝግመት።
ብዙሓት ነቀፍቲ ግን፡ ፌስቡክ ንዝበጽሖ ዘሎ ተደጋጋሚ ነቐፌታታት ንምሽፋንን ኣተኩሮ ሰባት ንምቅያር ኢሉ ሽሙ ንምዕቃብ ዘምጽኦ ሓሳብ ከምዝኾነ'ዮም ዝገልጹ።
ፌስቡክ እቲ ንሱ ዝውንኖ ኢንስታግራም ኣመልኪቱ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ኢንስታግራም ኣብ ህጻናት ኣእምሮኣዊ ጸጋማት ከምዝፈጥር'ኳ ውጽኢት መጽናዕቱ እንተሓበረ፡ ውጽኢት መጽናዕቱ ንዓለም ስለዘይሓበረ ግን ብኸቢድ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።