እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፌስቡክ ‘ድምጺ ትራምፕ’ ካብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣልይዎ
ኩባንያ ፌስቡክ ነቲ ኣብ ገጽ በዓልቲ ቤት ኤሪክ [ወዱ ንትራምፕ] ዝኾነት ላራ ተጠቂዑ ዝነበረ ቪድዮ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣልይዎ።
እቲ ኩባንያ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ህንጻ ካፒቶል [መእከቢ ኣባላት ኮንግረስ] ዝተወለዐ ናዕቢ ስዒቡ ትራምፕ ንማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ከይጥቀም ከምዝኣገዶ ይዝከር።
ንፎክስ ኒውስ መደባት ሰሪሓ እተቕርብ ላራ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባ ኣትኲራ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ዝገበረቶ ቃለመሕትት’ያ ኣብ ፌስቡክ ጠቂዓ።
ነቲ ቪድዮ ካብ ዝጠቀዓትሉ እዋን ቁሩብ ጸኒሓ ካብ ፌስቡክ ዝበጽሐ እቲ ቪድዩ ክእለ ከምዝኾነ ዘጠንቅቕ መልእኽቲ ብስእሊ ኣሰንያ መልእኽቲ ዘርሒሓ።
“ናይ ዶናልድ ትራምፕ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ንምዕጻው ብዝወሰንናዮ መሰረት፤ ብድምጺ ዶናልድ ትራምፕ ዝጥቃዕ ካልእ ትሕዝቶ’ውን ክእለይን ኣብቲ ገጽ’ውን ተወሳኺ ገደባት ክንበርን እዩ” ይብል እቲ ካብ ፉስቡክ ናብ ላራ ዝበጽሐ መልእኽቲ።
ፌስቡክ ኣብ ህንጻ ካፒቶል ንዝተወለዐ ናዕቢ ስዒቡ ንናይ ትራምፕ ገጽ ዝዓጸወ ኮይኑ ኣብዚ እዋን ከኣ ብዘቖሞ ሓድሽ ቦርድ ነቲ ጉዳይ የገምግሞ ኣሎ።
ናይ ትራምፕ ፌስቡክ ንኽዕጾ ምስተወሰነ መስራትን ኣካያዲ ስራሕን እቲ ኩባንያ ማርክ ዙከርበርግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ኣብዚ እዋን ትራምፕ ንኣገልግሎትና ክጥቀም ምፍቃድ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤናት ክንድምንታይ ከቢድ ከምዝኸውን ንኣምን ኢና” ኢሉ ነይሩ።
ዶናልድ ትራምፕ ካብ ትዊተርን ዩ ቱዩብን እውን ከምዝተኣገደ ይፍለጥ።