እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዶናልድ ትራምፕ ካብ ትዊተር ንሓዋሩ ተኣጊዱ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ትዊተር ንሓዋሩ ተኣጊዱ። ምኽንያቱ ኸኣ፡ “ዝያዳ ጎንጽታት ከለዓዕል ይኽእል እዩ” ብዝብል ከምዝኾነ እቲ ትካል ገሊጹ’ሎ።
ትዊተር ነዚ ውሳነ ዝወሰነ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ትራምፕ ንዝጠቀዖም ጽሑፋት ምስገምገመ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።
ገለ ሰብ ሞያ ሕግን ፍሉጣት ሰባትን፡ ትዊተር ንትራምፕ ንሓዋሩ ክእግዶ ንዓመታት ጻውዒት ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።
ቀዳመይቲ እመቤት ኣመሪካ ነበር ሚሼል ኦባማ ብሓሙስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጠቀዐቶ ጽሑፍ፡ ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ 'ንክፉእ ባህርያት' ትራምፕ ባይታ ከጣጥሓ ከምዘይብለንን፡ ንሓዋሩ ክእግደኦን ጸዊዓ ነይራ።
ንምንታይ እዩ ትራምፕ ተኣጊዱ?
ትራምፕ፡ ብረቡዕ ነቶም ንህንጻ ባይቶ ኣመሪካ ጥሒሶም ብምእታው ዕግርግር ዝፈጠሩ ደገፍቱ “ፈተውቲ ዓዶም” ኢሉ ድሕሪ ምጽውዑ፡ ትዊተር ን 12 ሰዓታት ኣጊድዎ እዩ።
ብሰንኪ’ቲ ኣብ ካፒቶል ዘጋጠመ ናዕቢ፡ ኣርባዕተ ስቪላትን ሓደ ፖሊስን ሞይቶም ኣለው።
ትራምፕ እንተደኣ ደጊሙ ንሕጊ ትዊተር ዝጥሕስ ኮይኑ፡ እቲ ትካል “ንሓዋሩ” ክእግዶ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ።
ትራምፕ ን 12 ሰዓታት ተኣጊዱ ድሕሪ ምጽናሕ ትዊተር መሊሱ ክጥቀም ምስተፈቕደሉ፡ ብዓርቢ ዝጠቀዖም ክልተ ጽሑፋት ምስ ትዊተር ንሓዋሩ ኣፈላልዮምዎ’ለዉ።
እቲ ቀዳማይ ናይ ትራምፕ ጽሑፍ፡ ሰልጣኑ ብስርዓት ከረክብ ከምዘይደሊ ዘመላኽት ተገይሩ ይትርጎም ምህላዉ እዩ ትዊተር ሓቢሩ።
ትራምፕ ኣብ’ቲ ካልኣይ ጽሑፉ ድማ “ንዝሓተትኩምኒ፡ ናብ’ቲ 20 ጥሪ ዝግበር በዓለ ሲመት [ጆ ባይደን] ኣይክኸይድን’የ” ኢሉ።
ትዊተር፡ ብዙሓት ደገፍቲ ትራምፕ ነዚ ጽሑፉ፡ እቲ መረጻ ሕጋዊ ከምዘይነበረ ዘረጋግጽ ገይሮም እዮም ወሲዶምዎ ይብል።
ትዊተር፡ ክልቲኦም እዞም ጽሑፋት፡ ነቲ “ምልዕዓል ጎንጺ” ዝኽልክል ሕጊ ትዊተር ዝጥሕሱ እዮም ኢሉ።
ብዛዕባ ምእጋዱ ትራምፕ እንታይ ኢሉ?
እቲ ሕዚ ተኣጊዱ ዘሎ ናይ ትራምፕ ገጽ፡ እቲ ብዙሓት ተኸታተልቲ ዘለውዎ @realDonaldTrump ዝብል ናይ ውልቀ ገጹ እዩ።
ድሕሪ ምእጋዱ፡ በቲ ዝወሓደ ተኸታተልቲ ዘለውዎ @Potus ዝብል ናይ ‘ፕረዚደንት ትራምፕ’ ትዊተሩ ገይሩ ኣብ ዘውጸኦ ጽሑፍ፡ “ኣብ መጻኢ ናይ ባዕልና መድረኽ ክንፈጥር ዘኽእለና መገዲ ከናዲ እየ” ዝበለ ኾይኑ፡ ኣንጻር ትዊተር ድማ ተቓውሞ ከምዘቕርብ እዩ ገሊጹ።
እንተኾነ፡ እቶም ጽሑፋት ሽዑ ንሽዑ ካብ ትዊተር ተኣልዮም እዮም።
ኣብ መረጻ ኣመሪካ 2020፡ ኣማኻሪ ጎስጓስ መረጻ ትራምፕ ዝነበረ ጄሰን ሚለር ብዛዕባ ምእጋድ ትራምፕ “ዘሰክፍ ... ኣብ ልዕለይ ኣይበጽሕን ኢልኩም ትሓስቡ እንተሊኹም፡ ጌጋ እዩ” ኢሉ።