እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፌስቡክ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ህጻናት ዘብጸሖ ጽልዋ ዝምልከት ሕቶ ቀሪብዎ
ፌስቡክ፡ ኢንስታግራም ዝተባህለ ማሕበራዊ መተግበሪኡ ንመንእሰያት ‘‘ብኣወንታ ሓጊዙ እዩ’’ ብምባል ኣብ ልዕሊ ምህርቲታቱ ዝቐረበ ክሲ ተኸላኺሉ፡፡
ሓላፊት ዓለም ለኻዊ ድሕነት ፌስቡክ ኣንቲገን ዳቪስ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቅድሚ ሰኔት ኣመሪካ ቀሪባ ሓለዋ ህጻናት ብዝምልከት ቃላ ሂባ ኣላ፡፡
ንሳ ኢንስታግራም ባዕሉ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ህጻናት ጉድኣት የብጽሕ ከምዘሎ ዘመልክት ውጽኢት ልሒኹ ምስወጸ እያ ናብ ሰኔት ቀሪባ መልሲ ክትህብ ተገይራ።
ቅድም ክብል ሓላፊ ኢንታግራም ኣዳም ሞሰሪ፡ እቲ መተግበሪ ኣብ ጥዕና ወርጠበታት ወይ ኣፍላ መንእሰያት ዘብጸሖ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ‘‘ኣዝዩ ንእሽቶ’’ ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ፡፡
እቲ ኮሚቴ ነቲ ኣብ ዎል ስትሪት ጆርናል ዝወጸን ባዕሉ ፌስቡክ ዘካየዶን፡ ኢንስታግራም መንእሰያት ንባዕሎም ኣብ ዘለዎም ኣመለኻኽታን ንነብሶም ዝህብዎ ክብርን ኣሉታዊ ጸቕጢ ክፈጥር ከምዝኸእል ዝገልጽ መጽናዕቲ መሰረት ገይሩ እዩ ነቲ ሕቶ ኣቕሪቡ፡፡
ወርጠበታት ‘‘ኢንስታግራም ሻቕሎትን ጭንቀትን ወሲኹልና ኢሎም ይወቕሱ’’ ይብል፡፡
ኣንቲገን ዳቪስ ግና እቲ መጽናዕቲ ነቲ መተግበሪ ንምምሕያሽ ዓሊሙ ዝተኻየደ ከምዝኾነ እያ ትገልጽ፡፡
ፌስቡክ ‘‘ ካብ ጥዕና ኣእምሮ ደቅና ዝያዳ ዕብየት ምህርቲታቱ ከምዘገድሶ ፈሊጥና ኢና’’ ዝበለ ኣባል እቲ ሰኔት ሪቻርድ ብሉመንታል ግና እቲ ትካል ንባዕሉ ተሓታቲ ከምዘይገበረ ብምግላጽ ድሕሪ ሕዚ ክኣምንዎ ከምዝጽገሙ ወቒሱ፡፡
እታ ሓላፊት እውን ካብቲ ኮሚቴ ንዝቐረቡላ መብዛሕተኦም ሕቶታት ግቡእ መልሲ ክትህብ ኣይተርኣየትን፡፡
ሓላፊት መጽናዕቲ ፌስቡክ ፕራቲቲ ረይቾድሃሪ ድማ ‘‘ እቲ መጽናዕቲ ኢንስታግራም ንኣባጽሕ ደቂ ኣንስትዮ ‘መርዛም’ ከምዝኾነ የመልክት ዝብል ሓሳብ ልክዕ ኣይኮነን’’ ክትብል ንጸብጻብ ዎል ስትሪት ጆርናል ተቓዊማ፡፡
ሓንቲ ካብ ሰለስተ ኣብ ነብሰን ጽቡቕ ኣመለኻኽታ ዘይነበረን ኣባጽሕ ደቂ ኣንስትዮ፡ ነዚ ጸገመን ኢንስታግራም ከምዘጋደዶ ምግላጸን ግን ፌስቡክ ኣሚኑ እዩ፡፡
ካብዚ ወጻእ ግን ካልኦት ጸገማት ከምዘይብሉ እዩ እቲ ትካል ዝምጉት፡፡
ኢንታግራም ኣብዚ ዓመት ክጅምሮ ተሊሙ ዝነበረ ካብ 13 ዓመት ንታሕቲ ንዘለዉ ህጻናት ዝኸውን መተግበሪኡ ንካልእ እዋን ኣናዊሕዎ እዩ፡፡