ኣመሪካን ጣሊባንን ኣብ ዶሃ ዘካየድዎ ዘተ ዛዚሞም

መራሒ ጣሊባን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ንኣፍጋኒስታን ገዲፋ ምስ ወጽአት ንፈለማ እዋን ምስ ጣሊባን ኣብ ከተማ ዶሃ ዝገበረቶ ዘተ ተዛዚሙ።

እቲ ኣብ ኳታር-ዶሃ፡ ዝተገብረ ዘተ፡ ቀንዲ ትኹረቱ 'ኣኽረርቲ ሓይልታት' ምግታእ፣ ዜጋታት ኣመሪካ ምውጻእን ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብን ዝብሉ ይርከብዎም።

ሰብ ስልጣን ኣመሪካ፡ እቲ ጉጅለ ብስርሑ ክምዘን እዩ እንተበሉ’ኳ፡ እቲ ዝተገብረ ዘተ ግን ካብ ልቢ ዝመነጨወ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ኣመሪካ ምስቲ ጉጅለ ዛካየደቶ ዘተ፡ ነቲ ጉጅለ ኣፍልጦ ከም ምሃብ ተገይሩ ክትርጎም የብሉን እያ ትብል።

ጣሊባን፡ ሰንበት ምሸት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣመሪካ ንኣፍጋኒስታን ሰብኣዊ ረድኤት ክተቕርብ ተስማሚዓ ኢሉ።

“ተወከልቲ ኣመሪካ ከምዝበልዎ፡ ንኣፍጋን ሰብኣዊ ረድኤት ከቕርቡ እዮም። ንካልኦት ትካላት ረድኤት ድማ ድጋፍ ክገብሩ እዮም” ይብል እቲ ካብ ጣሊባን ዝተውሃበ መግለጺ።

እንተኾነ፡ ኣመሪካ ዛጊድ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪታ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።

ወሃቢ ቃል ኔድ ፕራስ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብ ብዝምልከት ዘትዮም ካብ ምባል ሓሊፉ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።

ጣሊባን፡ ‘ኢስላሚክ ስቴት ኢን ኮራሳን ፕሮቪንስ’ - ዝበሃል ጉጅለ ንምግታእ ምስ ኣመሪካ ቃል ከምዘይኣተወ እዩ ዝገልጽ።

እንተኾነ፡ ኣብ ከተማ ዶሃ ዝርከብ ወሃቢ ቃል እቲ ጉጅለ፡ ሱሄል ሻሂ፡ በይኑ ንእስላማዊ ጉጅለ [ዳዒሽ] ከጥፈኦ ከምዝኽእል ንዜና ወኪል ሶሺዬትድ ፕሬስ ገሊጹ’ሎ።

‘ኢስላሚክ ስቴት ኢን ኮራሳን ፕሮቪንስ’ ዝተብሃለ ጉጅለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ሰሜናዊ አፍጋኒስታን እትርከብ ከተማ ኩንዱዝ ኣብ ልዕሊ መስጊድ ብዘብጽሖ መጥቃዕቲ 50 ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነተዚ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ፡ “ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ማእከል ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ሳልሳይ ቀታሊ መጥቃዕቲ እዩ። እዚ ኣዝዩ ዘስካሕኽሕ ዓመጻዊ ተግባር እዩ” ኢሉ።

ብታሊባን ዝተሾመ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣፍጋኒስታን፡ ኣሚር ካን ሙታኪ ምስ ሰብ ስልጣን ኣመሪካ ዝገበርዎ ዝርርብ፡ ክልቲኦም ኣካላት ኣብ 2020ቨዝተፈረመ ውዕል ስምምዕ ዶሃ ጸኒዖም ንምኽባር ምስምመዖም ተዛሪቡ።

እዚ ‘ውዕል ዶሃ’ እናተብሃለ ዝጽዋዕ ስምምዕ፡ ከም ዓልቃይዳ ዝኣመሰሉ ኣኽረረርቲ ጉጅለታት ረብሓታት ኣመሪካን መሻርኽታን ንሓደጋ ከየሳጥሑ ንምሕላው፡ ጣሊባን ስጉምቲታት ክወስድ ሓላፍነት ዘሸከመ እዩ።