ኣብ ማሊ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተጨውየት ፈላሲት ነጻ ወጺኣ

ኮሎምብያዊት ፈላሲት ኣብ 2017 ኣብ ማሊ ብእስማዊ ዕጡቓት ምስ ተጨውየት፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ነጻ ወጺኣ።

ግሎርያ ሰሲልያ ናርቬዝ፡ ኮትያላ ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ማሊ ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮ ኣብ ምሃብ ተዋፊራ እንተላ እያ በቶም ዕጡቓት ተጨውያ ብጅሆ ተታሒዛ ጸኒሓ።

ኮትያላ፡ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ባማኮ፡ ኣርባዕተ ሚኢቲ ኪሎሜትሮ ርሒቓ እትርከብ ከተማ እያ።

ሰማያዊ ክዳንን መሸፈኒ ርእስን ገይራ ምስላ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝወጽአ ኾይኑ፡ ምስ ጊዝያዊ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣሲሚ ጎይታ ክትዘራረብ ተራእያ።

ብነጻ ንክትልቀቕ ድማ ገንዘብ ይከፈል ኣይከፈል ዝተፈልጠ ነገር የለን።

እንተኾነ፡ እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተውሃበ መግለጺ፡ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተን መንፈቕን ዓመታት ጻዕሪን ስለያን ዝተረኸበ ውጽኢት እዩ ይብል።

ከምኡ’ውን እቲ መግለጺ ናይታ ሲስተር ግሎርያ ‘ተባዕነትን ጀግነነትን’ ይጠቅስ።

ሊቀ ጳጳስ ባማኮ፡ ጂን ዜርቦ፡ ናይታ ፈላሲት ምልቃቕ ኣረጋጊጹ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምእትርከብ ኣጉሊሁ።

“ብዙሕ ኢና ኣጻሊትናላ። ንናታ ነጻ ምውጻእ ዝሰርሑ ንሰበ ስልጣን ማልን ካልኦት ጥዑያት ሰባትን ድማ ነመስግን” ኢሉ።

እቲ ጳጳስ ወሲኹ’ውን እታ ሲስተር ብቐጥታ ናብ ሮም ከምእትኸይድ ንጋዜጠኛታት ኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ስሩዕ ብዘይኮነ መገዲ ደሃያ ይስማዕ ነይሩ እዩ።

ብፍላይ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብቲ ጅሆ ዘምለጡ ክልተ ኣውሮጳውያን እታ ሲስተር ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ምህላዋ ተዛሪቦም ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ድማ፡ ሓዋ፡ ብህይወት ከመዘላ ዘመላኽት ደብዳበ ካብኣ በጺሕዎ ነይሩ።

እቲ ደብዳበ፡ ናታ ምዃኑ ዘፍልጥ ድማ፡ ብዓበይቲ [ካፒታል] ፊደላት ዝተጽሓፈ እዩ ነይሩ ተባሂሉ።

ምኽንያቱ ንሳ፡ ብኸምኡ ብምጽሐፍ እያ ትፍለጥ ኢሉ- ንኤኤፒ ተዛሪቡ ነይሩ። ፊርማኣ ድማ ኣዕሪፍትሉ ነይራ ተባሂሉ።

ማሊ ነዚ ኣብ 2012 ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝተልዓለ ተቓውሞ ንክትቆጻጸር ብዙሕ ፈቲና እያ።

እንተኾነ ናይቲ ከባቢ ጸጥታ ኣዝዩ ዝተሃሰየ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ምጭዋይ ልሙድ ተግባር ኮይኑ እዩ ቀጺሉ።

ኣርምድ ኮንፍሊክት ሎኬሽን ኤንድ ኤቨንት ዳታ ፕሮጀክት ዝተብሃለ ዓለምለኻዊ ዘይመንግስታዊ ትካል ከምዝብሎ፡ ካብ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ዛጊድ ልዕሊ 935 ሰባት ተጨውዮም ኣለዉ።

ኣብ ቀረባ እዋን ንሲቪላዊ መራሒ እታ ሃገር ብዕልዋ ገልቢጡ፡ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ኮለኔል ኣሲሚ ጎይታ፡ እቶም ዝተጨውዩ ሰባት ከፍትሕ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ወተሃደራት ፈረንሳይ ጸጥታ እታ ሃገር ንምምሕያሽ ኣብቲ ከባቢ ንዓመታት ተዋፊሮም ይርከቡ።