ፍትሒ፡ ብሓሶት ተመስኪሩዋ ድሕሪ ናይ 5 ዓመት ማእሰርቲ ዝተፈትሐት ኢትዮጵያዊት ኣደ

ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ወረዳ ሞጃና ወደራ ‘ንጓል ሰብኣያ ቀቲላ’ ተባሂላ ማእሰርቲ 20 ዓመት ዝተፈረዳ ኣደ፡ ድሕሪ ናይ 5 ዓመት ማእሰርቲ ነጻ ከምዝተባህለት ሓላፊ ክፍሊ ቤት ህንጸት እቲ ዞባ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

እታ ‘ተቐቲላ’ ዝተባህለት ቆልዓ ብህይወት ስለዝተረኸበት፡ እታ ብሕሶት ዝተመስከረላ፡ ኣዛለች ቤተ ዝተባህለት ኣደ፡ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 1 ሓምለ 2013 ዓ/ም ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተፈተሐት፡ ምክትል ሓላፊ እቲ ክፍልን መራሒ ጉጅለ ሓለዋን ድሕነትን ኮማንደር ዘውገ ጌታቸው ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ሐዚኸ ንምዃኑ እኹል መረዳእታ ኣለኩም ድዩ ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ኮማንደር ዘውገ ጌታቸው ‘‘ እታ ተቐቲላ ዝተባህለት ቆልዓ ብኣካል ከምዝመጸት ናብ ፖሊስ ሓበሬታ ምስ በጸሐ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ፡ ብቢብርኩ ብዘለዉ ኣካላት ፍትሒ እኹል ምጽራይ ተገይሩ እዩ’’ ክብል መሊሱ፡፡

እታ ቆልዓ ብህይወት ከምዝተረኸበት ምስተረጋገጸ፡ ብመሰረት ኣብ 2010 ዓ/ም ዝወጸ ናይ ተሃነጽቲ ሕጊ ናይ ይቕረታ መምርሒ፡ ወ/ሮ ኣዛለች ብዘይ ቅድመ ኩነት ክትፍታሕ ናብ ናይ ክልል ቦርድ ይቕረታ ከምዘፍለጡን ድሕሪ ውሳነ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ብይቕረታ ከምዝተፈትሐትን ኮማንደር ዘውገ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

ወይዘሮ ኣዛለች 'ኣብ 2006 ዓ/ም ጓል ሰብኣያ ቀቲላ' ብዝብል እያ ኣብ 2007 ዓ.ም ተኣሲራ፡፡

ወ/ሮ ኣዛለች ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፈቶ ዓመታት እንታይ ትብል?

ወይዘሮ ኣዛለች ቤተ፡ ኣብዚ እዋን 55 ዓመት ደፊና እያ፡፡

ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ፡ ሰላ ዲንጋይ ኣብ ዝተባህለት ዕሸል ከተማ፡ ምስ በዓል ቤታን ሰለስተ ደቁን ትነብር ነይራ፡፡

በዓል ቤታ ኣብ ስራሕቲ ዘብዒ፡ ንሳ ድማ ሕምባሻ ኣብ ምሻጥ ተዋፊሮም፡ ናብረኦም ብፍቕሪ ይመርሑ ነይሮም።

ሃንደበት በዓል ገዝኣ ብዝሓደሮ ሕማም ብሞት ምስተፈለየ ግና ህይወት ከም ልሙድ ኣይቀጸለን፡፡

ምስ ሰለስቲኦም ደቂ ሰብኣያ ዝነበራ ርክብ እውን እናሓርፈፈ መጸ።

ኣብ 2006 ዓ/ም፡ ኣብቲ ቅትለት ተፈጺሙሉ ዝተባህለ መዓልቲ ድማ ኣብ መንጎ ወ/ሮ ኣዛለችን ‘ናይ 22 ዓመት መንእሰይ’ ዝበለታ ጓል ሰብኣያን ዘይምቅዳው ተፈጢሩ ነይሩ።

እንተኾነ እቲ ዘይምርድዳእ ናይ ኣዶን ጓልን እምበር ዝኸፈአ ከምዘይነበረ ትዝክር፡፡

ቅድሚኡ ብዘጋጠመ ዘይመርድዳእ እውን ንሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ገዛ ወጺኣ ድሕሪ ምጽናሕ ተመሊሳ እያ። ኣብቲ እዋን ምስ ኣዝማዳ ከምዝጸንሐት ኣረጋጊጻ ነይራ፡፡

ኣብቲ ተቐቲላ ዝተባህለሉ መዓልቲ እውን፡ ኣብ መንጎአን ብዝተፈጠረ ጎንጺ፡ ካብ ገዝኣ ሳንጣኣ ሒዛ እንትትወጽእ ‘‘ኣመላ እዩ ኢለ ስቕ ኢለ’’ ትብል ወ/ሮ ኣዛለች፡፡

ከም ልማዳ ናብ ኣዝማድ ክትከይድ እያ እምበር፡ ብኡ ኣቢላ ክትተርፍ እያ ኢላ ኣይሓሰበትን፡፡

ድምጻ ምስጠፍአ ግና ንኣኮኣን ሓትናኣን ‘‘ድለይዋ’‘ ኢላቶም፤ ኣለሻ ጀመሩ፤ ቆልዓ ግን ኣሰራ ኣይተረኽበን፡፡

ተጨኒቓ ብዛዕባ እታ ቆልዓ እትዛረቦም ሰባት ድማ ‘‘ህጻን ኣይኮነትን፤ ናበይ ከይትኸይድ ኢልኪ ኢኺ? ክትመጽእ እያ’’ ይብልዋ፡፡

ግዘ ተወንጨፈ፤ እታ ቆልዓ ካብ እትጠፍእ ሓደ ዓመት ሓለፈ፡፡

ኣብቲ ወ/ሮ ኣዛለች ሕምባሻ እትሸጠሉ ከባቢ፡ ‘ቀቲላታ እያ’ ዝብል ወረ ብሕሹኽሹኽ ክስማዕ ጀመረ።

ብምጥፋእ እታ ቆልዓ ኣብ ሰንፈላል ኣብ ዝነበረትሉ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ኣቢሉ ፖሊስ ናብ ገዛ ወ/ሮ ኣዛለች መጸኡ፡፡

ኣብቲ እዋን ናይ ሕምባሻ ብኹዕ እናለወሰት ነይራ። ብፖሊስ ከምእትድለይ ምስተነገራ፡ ናይ በዓል ገዝኣ ናይ ክርስትና ወዲ ዝኾነ ወዲ 7 ዓመት ቆልዓ ሒዛ ከይዳ፡፡

‘ብቕትለት ስለዝተጠርጠርኪ ናብ ቤት ማእሰር እተዊ’ተባሂላ።

እቲ ዝለወሰቶ ከይጋገረት፤ ዝጋገረቶ ከይሸጠት፤ ገዝኣ እኳ ከይዓጸወት ብዝኸደቶ ተሪፋ። ናብ ኣዝማዳ ደዊላ ‘‘ገዛይ ሃየ’ ካብ ምባል ካልእ ኣማራጺ ኣይነበራን" ትብል።

"ነታ ቆልዓ ቀቲልኪ ናብ ዓይነ ምድሪ ኣእቲኽያ ኢኺ"

ወ/ሮ ኣዛለች ‘‘ነታ ቖልዓ ቀቲልኪ ናብ ዓይነ ምድሪ ኣእቲኽያ ኢኺ’’ ብዝብል ተጠርጢራ ከምዝተታሕዘት ተነጊርዋ፡፡ ነቲ ዓይነ ምድሪ ክተፈትሾ እውን ተኣዚዛ፡፡

‘‘ ንሰራሕተኛ 150 ብር ከፊለ እቲ ሽንቲ ቤት ተፈቲሹ’’ ትብል፡፡ እቲ ፈተሻ ንሳ ኣብ ዘላትሉ እዩ ተኻይዱ፡፡

ቀጺሉ ‘‘ ኣስከሬን ኣሎ፤ ብሰብ ኣይኸውንን፡፡ ዓይነ ምድሪ እትመጥጥ መኪና ትምጻእ’’ ተባሂሉ፤ መጺኣ፡፡

ክዳን ደምቢ ተምሃራይን ጸጉርን ተረኺቡ፡፡ (ወ/ሮ ኣዛለች ከምእትብሎ፡ እቲ ጸጉሪ እታቆልዓ ትጥቀመሉ ዝነበረ ሰብ ሰራሕ ጸጉሪ እዩ)

ዓዲ ብምልእታ ግልብጥ ኢላ፤ እግዚኦ ተባሂሉ፡፡ ሰብ ካኣ ‘‘ ቀቲላ እያ፤ ትቀተል’’ ዝብል ፍርዲ ከስምዕ ጀመረ፡፡

ወ/ሮ ኣዛለች ተመሊሳ ናብ ፖሊስ ጣብያ ኣተወት፡፡ ካልኣይ መረባ ገዝኣ ተዃዒቱ፡ ንኣለሻ ኣስከሬን፡፡ ዝተረኸበ ግን የለን።

‘‘ ሓቂ ተዛረቢ ተባሂለ እውን ተገሪፈ እየ፤ ሐዚ ንዕኡ ክዝክር ክጽገም እየ’’ ትብል፡፡

ከይዲ ፍርዲ ብኸምዚ ቀጺሉ፡ ቤት ፍርዲ ሰሜን ሽዋ ‘‘ብከቢድ ገበን ቅትለት ሰብ’’ 20 ዓመት ክትእሰር ፈሪዱላ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደብረ ብርሃን ተሓየረት።

ብቕትለት ምኽንያት ዝተብኣሱ ሰባት ዘተዓርቑ ሽማግለታት ድማ "ንሕና እታ ቆልዓ ምሟታ ኣይንፈልጥን፤ ቀቲለ እየ ኢላ ትእመነልና" ኢሎም ይጭቕጭቕዋ ከምዝነበሩ ወ/ሮ ኣዛለች ትዝክር፡፡

ንሳ ግን "ኣይኣምንን" በለት፡፡

"ቤት ፍርዲ ሞይታ ኢሉ ቀጺዑኒ እዩ፤ እግዚኣብሄር እንተፈቒዱ ክወጽእ እየ፤ እንተዘይፈቒዱ እውን ረይሳይ ክወጽእ እዩ’ ኢለ" ትብል፡፡

ኮማንደር ዘውገ እውን ወ/ሮ ኣዛለች ‘‘ኣነ ኣይቀተልኩን’’ እናበለት ትጭቕጭቕ ከምዝነበረት ይዛረብ፡፡

ግዘ ተመርገፈ፡፡

ኣብ መንጎ፡ ወ/ሮ ኣዛለች ካብቲ ደቂ ተባዕትዮ ዝተኣሰሩሉ ከባቢ፡ እታ ቆልዓ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እያ ዘላ ዝብል ወረ ሰመዐት፡፡

ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ዓቃቢ ሕጊ ከዘራርባ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ድማ፡ ነቲ ዝሰመዐቶ ወረ ብምሕባር ‘‘በጃኹም ነታ ቆልዓ ድለዩዋ’’ አላ እናበኸየት ለመነቶ፡፡

ዓቃቢ ሕግን ፖሊስን ኣለሻ ምስ ጀመሩ ድሕሪ 15 መዓልቲ (ነቲ ጉዳይ ዝፈልጥ ቤተሰብ ዝነገራ ይመስለኒ ትብል ወ/ሮ ኣዛለች)፡ እታ ቆልዓ ናብ ከተማ ሰላ ዲንጋይ ጠበቕ ኢላ፡፡

‘‘እታ ሞይታ ዝባህለት ቆልዓ ‘ናብ ክልል ደቡብ ከይዳ፣ ሓዳር ገይራ፣ ወሊዳ መጺኣ፡፡ ሐዚ ድማ ተኣሲራ’ ኢሎምኒ’’ ብምባል ትዝክር፡፡

ወ/ሮ ኣዛለች፡ እዚ ምስ ሰምዐት ኣይኣመነትን፡፡ ‘‘ነብሰይ ስሒተ ወዲቐ’’ ትብል፡፡

ብፖሊስ ምስተትሓዘት ዝተልዓለቶ ፎቶ ምስረኣየት እያ ተረጋጊዓ፡፡

ኣብዚ እዋን፡ እታ ቆልዓ ንሳ ምዃና ተረጋጊጹ ካብ ማእሰርቲ ከምዝተፈተሐት ሰሚዐ ትብል ወ/ሮ ኣዛለች፡፡ ብኣካል ግን ኣይተራኸባን፡፡

ህይወት ድሕሪ ማእሰርቲ

ወ/ሮ ኣዛለች ካብ ማእሰርቲ ምስተፈተሐት ናብ ከባቢኣ ኣይተመለሰትን፡፡ ‘ሓስዮም ዘእሰሩኒ ንህይወተይ እውን ኣይገድፉንን’ ዝብል ስግኣት ኣለዋ፡፡ ተሪፉኒ እትብሎ ሃብቲ እውን የብላን፡፡

‘‘ ኣርባዕተ ክፍሊ ዘለዎ ገዛ ነይሩኒ፤ ተሸይጡ እዩ፡፡ ከመይ ከምዝተሸየጠ ኣይፈልጥን፡፡ ናይ በዓል ገዛይ መሬት እውን ተሸይጡ፡፡ ካብ ምንታይ ከም ዝጅምር ኣይፈልጥን፡፡ ኣብ መይዳ እየ ወዲቐ’’ ትብል፡፡

ነቲ ዝበጸሓ በደል ካሕሳ እንተተዋሂብዋ ጥራሕ እያ ህይወታ ከምብሓድሽ ንምጅማር እትሓስብ፡፡ ክሲ ናይ ምምስራት ሓሳብ ግን ከምዘይብላ ትገልጽ፡፡

‘‘ ሎሚ ሓንቲ ወረቀት ክተጽሕፍ 700 ብር 800 ብር እዮም ዝሓቱኻ፡ ይትረፍ ንዕኡ ዝበልዖ የብለይን፤ ከሳሲ ፈጣሪ እዩ፤ ፈጣሪ ይኽሰሶም’’ ኢላ፡፡

እታ ነዚ ኹሉ መከራ ምኽንያት ዝኾነት ጓል ሰብኣያ ባዕላ ከምዘዕበየታ እትገልጽ ወ/ሮ ኣዛለች፡ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ኣብጺሓታ እያ፡፡

‘‘ብጣዕሚ እየ ዝፈትዋ፤ ይቕረታ ምሕታት እንተኸቢድዋ፡ ኣነ ከም ኣዶ ይቕረታ ክሓታ እየ’’ ኢላ፡፡

"ካብቲ ናይ 5 ዓመት ማእሰርቲ እቲ ናይ 4 ወርሒ ዝገደደ የሕርቀኒ"

ወ/ሮ ኣዛለች፡ እታ ቀቲልክያ ዝተባህለት ቆልዓ ብህይወት ከምዘላ ስለዝተረጋገጸ ክትፍታሕ ዝተወሰነላ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት እዩ ነይሩ።

ኮይኑ ግና ኣርባዕተ ወርሒ ከይተፈተሐት ጸኒሓ።

‘‘ድሕሪ ናይ 5 ዓመት መእሰርቲ ነጻ ከምዝኾንኩ ምስተወሰነ ዝተኣሰርክዎ ኣናዲዱኒ’’ ትብል።

ይቕረታ ክትሕተት እናተገባኣ ክትንገላታዕ ስለዝተገበረት፡ ነቲ ስርዓት ፍትሒ ትወቅስ።

ወ/ሮ ኣዛለች ብዘይ ቅድመ ኩነት ክትፍታሕ ናብ ቦርድ ይቕረታ ብእዋኑ ከምዝጸሓፉ ዝገልጽ ኮማንደር ዘውገ፡ እቲ ቦርድ ግን ቀልጢፉ መልሲ ብዘይ ምሃቡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትጸንሕ ከምዝተገደደት ተዛሪቡ።