እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ድሕሪ 20 ዓመታት ገዛ ኤርትራዊት ኣደ ዝመለሳ ኢትዮጵያዊት
ወ/ሮ ምግበይ ተመስገን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ 1990 ዓ/ም ዘጋጠመ ኵናት ኢትዮ ኤርትራ ካብ ጎንደር ተመዛቢለን ናብ ኤርትራ ከይደን። ኣብቲ ሽዑ እዋን መንበሪአን ዝነበረ ገዛ ብሓደራ ንሓንቲ ጎረቤተን ወኪለን ከይደን። ወ/ሮ ሻሽቱ ንጉሰ ድማ ቃለን ኣኽቢረን ገዛ ኣደይ ምግበይ ድሕሪ 20 ዓመታት ኣረኪበን።